ስነ-ስርዓት ቀብሪ ድምጻዊ ማዲንጎ ኣፈወርቅ ሎሚ ተፈፂሙ

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA
ብሰሉስ ህይወቱ ዝሓለፈ ድምጻዊ ማዲንጎ ኣፈወርቅ ሎሚ ሓሙስ 19 መስከረም 2015 ዓ.ም. ስነ-ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ።
እቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ፍሬንድሺፕ ፓርክ ስድርኡ፡ ፈተውቱ፡ ሞያውያን መሳርሕቱ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲን ብዙሓት ኣድነቕቱን ኣብ ዝተረኸብሉ ስነ ስርዓት ስንብት ድሕሪ ምክያዱ እዩ ተፈፂሙ።
ድምጻዊ ማዲንጎ ኣፈወርቅ ሰሉስ ንጉሆ 1፡30 ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚኩራ ናብ ዝርከብ ክሊኒክ ከይዱ ፈውሲ ቃንዛን ካልእ መድሃኒታትን ድሕሪ ምውሳዱ ከባቢ 3፡00 ቅድሚ ቀትሪ ከም ዝሞተ ፖሊስ ሓቢሩ።
ዳይረክተር ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ሬሳኡ ንምርመራ ናብ ሆስፒታል ኣቤት ከምዝተወስደን ውፅኢት ምርመራ ሬሳ ንህዝቢ ከምዝግለፅን ኣብ ዝሞተሉ መዓልቲ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።
ዛጊት ፖሊስ ብዛዕባ ጠንቂ ሞት እቲ ድምጻዊ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ነቶም ሃንደበት ናብ ትካል ጥዕና ከይዶም ብህይወት ዘይተመልሱ ድምጻውያን ብምዝካር፡ "ሕማሞም በርቲዑ ድዩ ወይስ ሕክምናዊ ድኽመት?" ኢሎም ብምሕታት ላዕለዎት ሰበስልጣን ነቲ ጉዳይ ቆላሕታ ክገብሩሉ ተላብዮም ኣለዉ።
ድሕሪ ሞት እቲ ድምጻዊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ከምኡ’ውን ፍሉጣት ሰባትን ኣድነቕቲ እቲ ሞያን ሓዘኖም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጾም ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብሞት ስነጥበባዊ ማዲንጎ ኣፈወርቅ ዘለዎ ሓዘንብምግላጽ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ "ኣብ ሓጺር ዕድሚኡ ንሃገር ብዙሕ ዝሰርሐ ስነጥበባዊ'ዩ" ኢሉ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርከብዎም ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን ፈተውቲ እቲ ድምጻዊን ዕንበባ ኣንቢሮም።
ብዙሓት ኣድነቕቱ’ውን ሓዘኖም ኣብማሕበራዊ መራኸቢታት ይገልጹ ኣለዉ።
ወለዱ ተገነይ ዝብል ስም ዝሃብዎ ማዲንጎ ኣፈወርቅ፡ ኣብ ጎንደር ተወሊዱ ኣብ ደብረ ታቦር እዩ ዓብዩ። ኣብ ወተሃደራዊ ገዛ ከምዝዓበየ ኣብ ሓያሎ ቃለ መሕትት ዝገለጸ ማዲንጎ፡ እቲ ስሙ ዝረኸቦ ኣብኡ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ።
ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ናይ ሙዚቃ ሂወቱ ብተመሳሳሊ ስም ተፈላጥነት ረኺቡ።
ገና ህጻን ከሎ፡ ኣብ ዜማ ላስታ ዝተባህለት ጉጅለ ሙዚቃ ተጸንቢሩ ሙዚቃ ፍሉጣት ደረፍቲ ብምጽዋት ዝጀመረ ማዲንጎ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ንጽል ደርፍታትን ምሉእ ኣልበማትን ብምዝርጋሕ ኣብ ህዝቢ ተፈታውነት ረኺቡ እዩ።
ማዲንጎ ሓደ ካብቶም ብስርሖም ኣብ ዓበይቲ መድረኻት እታ ሃገር ዝዕደሙ ደረፍቲ ኮይኑ፡ ስርሑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ብተደጋጋሚ ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ።
ድምጻዊ ማዲንጎ ኣፈወርቅ ወዲ 44 ዓመትን ኣቦ ሓደ ቆልዓን'ዩ ነይሩ።
ናይ ብዙሓት ፍሉጣት ደረፍቲ ሙዚቃ ብምምሳል ኣቓልቦ ኣሕተምቲ ሙዚቃ ዝሰሓበ ማዲንጎ፡ ኣብ 1989 ምስ ክልተ ኣዕሩኽቱ 'ፊሸር ባንድ ኮሌክሽን' እትብል ናይ መጀመርታ ኣልበሙ ኣሕቲሙ።

ምንጪ ስእሊ, MAYOR OFFICE OF ADDIS ABABA
ኣብ 1991 ዝተፈነወት 'ስያሜ ኣጣሁላት' እትብል ኣልበሙ ብዙሓት ኣድነቕቲ ዘጥረየት ነይራ። ካብዛ ኣልበም 'ስያሜ ኣጣሁላት' ከምኡ’ውን 'ኣማን ነው ወይ ጎራው' ዝብላ ደርፍታት እውን ዓብዪ ዝና ክረክብ ገይረን እየን።
ድሒሩ ምስ ካልኦት ተሓባበርቱ ከምኡ'ውን ብውልቁ ንጽል ደርፍታት ኣውጺኡ’ዩ።
ኣብ 1997 ዓ.ም 'ኣይደረግም'፡ ኣብ 2007 ድማ 'ስወድላት' ብዝብል መጸውዒ ዝፈነወን ኣልበማት ኣዝዩ ህቡብ ክኸውን ኣኽኢለንኦ።
ካብዚ ብተወሳኺ ምስ መሓዙቱ ማሕበራዊ ረብሓ ዘለዎም ስራሕቲ ሙዚቃ ሰሪሑ ነይሩ።
ማዲንጎ "ኣባይ ወስይ ቬጋስ" ንዘርእስታ ፊልም መዐጀቢ ዝሰርሓ ደርፊ ሓንቲ ካብቶም ኣሰሩ ዘንበረሎም ስራሕቲ ሙዚቃ እያ።
እዚ ኣብ ትሽዓተ ዓመት ዕድሚኡ ናብ ሙዚቃ ዓለም ዝተጸንበረ ድምጻዊ፡ ቅድሚ ሞቱ ክሳብ ዝነበራ ሰዓታት ካብ ማይክሮፎን ኣይተፈለየን ነይሩ።
ማዲንጎ ኣፈወርቅ ሓደ ካብቶም መስረትቲ እቲ ደገፍ መርበብ ሙዚቀኛታት 'ኣራራይ' ምንባሩ ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ ብናይ ግብረ ሰናይ ንጥፈታት ድማ ይዝከር።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
