ስሙይ ድምጻዊ ዳዊት ነጋ ዓሪፉ

ድምጻዊ ዳዊት ነጋ

ምንጪ ስእሊ, Dawit Nega/FB

Published

ስሙይ ድምጻዊ ዳዊት ነጋ ትማሊ ሰንበት 05 ሰነ 2014 [ግእዝ] ኣብ ሰዓታት ኣጋግዘ ከምዝዓረፈ መሓዙቱን መታዓብይቱን ንቢቢሲ ኣረጋጊፆም።

ዳዊት ነጋ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ንዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ስዒቡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ኣዲስ ህይወት ዝተበሃለ ሆስፒታል ኣትዩ ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ከምዝፀንሐ ድማ እቶም ምንጪታት ሓቢሮም።

እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ከም ሰዓል ኣቢሉ ዝጀመሮ ሕማም እናኸበዶ ምስከደ ብዓርቢ ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝተወስደን፡ ክሳብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ስሩዕ ክፍሊ ክትትል ሕክምና እቲ ሆስፒታል ከም ዝጸንሀን ተፈሊጡ።

ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክትትል ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብፍላይ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ሕማሙ ስለዝፀንዖ ናብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ከምዝኣተወን ምሸት ከባቢ ሰዓት 01፡00 [07፡00] ኣቢሉ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየን እቶም ኣብ ጐድኑ ኮይኖም ክከታተልዎ ዝፀንሑ መሓዙቱን መተዓብይቱን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ዳዊት ነቲ ከም ሰዓል ኣቢሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝጀመሮ ሕማም፡ ኣብ ገዛኡ ብምዃን ንምክልኻል ግሉኮስ ይወስድ ከምዝነበረን ምምሕያሽ ከርእይ ብዘይምኽኣሉ ናብቲ ኣዲስ ህይወት ዝተበሃለ ሆስፒታል ከምዝኸደን ተገሊፁ’ሎ።

ኣብቲ ሆስፒታል "መጠን ሽኮሩ ከም ዝወሰኸ" ክንገሮ እንከሎ፡ "ሕማምካ ናብ ኒሞኒያ ተሰጋጊሩሎ" ዝብል'ውን ብሰብ ሞያ ጥዕና ከም ዝተነገሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ትማሊ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየ ፍሉጥ መንእሰይ ድምፃዊ ዳዊት ኣብ ኣስከሬኑ ተወሳኺ ምርመራ ክካየድ ምዃኑ'ውን ተገሊፁ።

ዳዊት መን’ዩ?

ዳዊት ኣብ 2 ሚያዝያ 1980 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊዱ። ኣብታ ከተማ ዝዓበየን ዝተምሃረን ድምፃዊ ዳዊት፡ ገና ወዲ ዓሰርተ ዓመት እንከሎ ወለዱ ብሞት ከምዝተፈልይዎ ኣብ ሓደ ፕሮግራም ቴለቪዥን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ተዛሪቡ ነይሩ።

ገና ኣብ ዕድመ ቍልዕነቱ ወለዱ ብምስኣኑ ህይወትን ናብራን ስለዝኸበዶ ካብ ሽጋራን ማስቲካን ክሳብ ዝተፈላለዩ ሸቐጣት ተሰኪሙ ኣብ ጐደናታት መቐለ እናዞረ መዓልታዊ ቐለቡ ንምርካብ ክፅዕር ተገደደ።

ኣብ 15 ዓመት ዕድሚኡ ይኸውን ድማ ነቲ ንሙዚቃ ዝነበሮ ፍቕሪን ሕልምን ናብ ተግባር ንምቕያር፡ ናብቲ ምርኢታት ሰርከስ፡ ሙዚቃን ተዋስኦን ዝነጥፍ ዝነበረ ጕጅለ ሰርከስ ትግራይ ከም ድምጻዊ ክጽምበር ሕቶ ኣቕረበ።

እዚ ሕቶኡ ብእዋኑ እወታዊ መልሲ ክረክብ'ኳ እንተዘይከኣለ፡ ሽዑ "ማርሽ ባንድ" ብዝብል ናብ ዝፍለጥ ክፍሊ ክፅምበርን ድራም (ከበሮ) ክሕዝን ዕድል ረኸበ።

ኣብ ውሽጡ ግን ድምፃዊ ናይ ምዃን ባህግን ሕልምና ስለዝነበሮ ደርፊ ምፍታን ኣየቋረፀን።

"ዓወት ኵልግዜ ኣብ ቀረባና እያ ዘላ" ክብል ኣብ ሓደ ቃለ-መሕትት ዝተዛረበ ዳዊት፡ እንተጽዒርካን ተስፋ እንተዘይቈሪፅካን ኣብ ዝሓሰብካዮ ደረጃ ምብፃሕ ከቢድ ከምዘይኮነ ምዒዱ ነይሩ።

ወለዲ ካብ ምስኣን ዝጀመረ ብድሆ ህይወት፡ መዓልታዊ ድራርን ብኽራይ ንዝነብረሉ ገዛ መኽፈልን ክሳብ ምስኣን ዝበጽሓሎም እዋናት ኣሕሊፉ እዩ።

ድምፃዊ ዳዊት

ምንጪ ስእሊ, DAWIT/FB

ናብ ብሉፃት ስራሕቲ . . .

ዳዊት ነቲ ከቢድ ጉዕዞ ፈተና ብጽንዓትን ብፃዕርን እናሰዓረ ብምምፃእ ናብቲ ዝደልዮ ሞያ ድምጻዊ ክቕልቀል ከሎ፡ ብፍሉይነት ድምፁን ቃናኡን ብቐሊሉ ንብዙሓት ክስሕብ ክኢሉ እዩ።

በቲ ሓፊስ ድምፁ ክሰርሖም ዝጀመረ ደርፍታት ብቐሊሉ ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ክበፅሑን ተቐባልነት ክረኽበሎምን ኣይተጸገመን።

"ዳኣመና"፡ "ባባ ኢለን"፡ "ሕድያት መቐለ"፡ "ወዛመይ"፡ "ዘዊደሮ"፡ "ብነፀላይ"፡ "ቅዱስ ፀባያ"፡ "ቸቸኮላታ" ዝብሉ ደርፍታቱ ካብቶም ኣብ እዝኒ ኣድነቕቱ በፂሖም ዝለዓለ ተቐባልነትን ናእዳን ዝረኸቡ ስራሓውቱ እዮም።

ድምፃዊ ዳዊት ነጋ

ምንጪ ስእሊ, DAWIT/MUSIC COVER

ንጽል ደርፍታት ጥራሕ ብምፍናው ዝፍለጥ ዳዊት ምሉእ ኣልበም ዝሰርሓሉ ዓቕሚን ተቐባልነትን እናሃለዎ፡ "ንምንታይ ዘይሰርሐ?" ዝብል ሕቶ ካብ ብዙሓት ብተደጋጋሚ ክቐርብ ይስማዕ።

ናቱ ሓፂር መልሲ ድማ "ይሓስብን የዳልውን ኣለኹ" ዝብል ነይሩ። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ድማ "ኣክሱማዊት" ዘርእስታ ኣልበም ናብ ኣድነቕቱ ከብፅሕ ኪኢሉ።

ንመወዳእታ ግዜ ዝሰርሓ ስራሕ "ኣጆኺ ትግራይ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ኰይና ናፍቈት ስድራ ዝገለፀላ ነይራ።

ዳዊት ብ2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብቲ ንሓደሽትን ብሉፃትን ደረፍቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ሓደ መድረኽ ክራኸቡን ስራሕቶም ብውህደት ከቕርቡን ዕድል ዝህብ መድረኽ ሙዚቃ 'ኮክ ስቱዲዮ' [Coke Studio] ስርሑ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

ድምፃዊ ዳዊት ነጋ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቘልዓን ነይሩ።

ስርዓተ ቀብሩ ፅባሕ ሶሉስ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መንበረ ፀባኦት ቅድስት ስላሴ ካቴድራል ቤተክርስትያን ክፍጸም ምዃኑ ነቲ ቀብሪ ዘተሓባብሩ ዘለዉ ኣካላት ንቢቢሲ ሓቢሮም።