መራሕቲ ትግራይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም

ምንጪ ስእሊ, EBC/Facebook
ኣባላት ኮሚቴ ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝተራኸቡ ተገሊጹ።
ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ እቶም ፖለቲካዊ መራሕቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ደቡብ ክልል ኣብ ዝርከብ፡ ሓላላ ኬላ ዝተባህለ መዘናግዒ ቦታ ከም ዝተራኸቡ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ድማ ምስ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ስምምዕ ሰላም ከም ዝተዘራረበ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብቲ ዘተ፡ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኣፈጻጽማ እቲ ስምምዕ ዝምልከት ዝተዓመሙ ስራሕቲ ክግምግሙ እንከለው፡ ኣብ መጻኢ ንዝካየዱ ዕማማት ኣመልኪቶም'ውን ከም ዝተዘራረቡ እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብቲ ርክብ፡ ብወገን ህወሓት፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነውን ዝርከብዎም ላዕለዎት መራሕቲ ተሳቲፎም።
ብወገን መንግስቲ ድማ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ምክትሉን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮንን፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ሬድዋን ሑሴን፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኣብርሃም በላይን ዝርከብዎም ሰበስልጣን ተረኺቦም ነይሮም።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ መንግስታዊ ተለቪዢን ኢ-ቢ-ሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት እቲ ናይ ሎሚ ኣኼባ "ጽቡቕ ልዝብ'ዩ ነይሩ" ክብል ተዛሪቡ።
"ንኣፈጻጽምኡ ብዝምልከት፡ ክሳብ ሕጂ ዘሎ መስርሕ ብምግምጋም፡ ዛጊት እንታይ ተሰሪሖም፡ ኣየኖት ግዴታታት ተዛዚሞም፡ ኣየኖትከ ተሪፎም ኣለዉ ንዝብል ነገር ንምርኣይ ዝተገብረ ኣኼባ'ዩ ነይሩ።
"ብዕዉት ኣገባብ ንዝተዛዘሙ ንምሕያል፡ ንዝጎደሉ ድማ ንምምላእ ዘኽእል፡ ኩነታት ዘጣጥሕ ኣኼባ'ዩ ነይሩ። ስለዚ ጸቡቕ ልዝብ'ዩ ነይሩ" ይብል ኣቶ ጌታቸው።
"ብወገን ህዝቢ ትግራይ ይኹን መሪሕነት ናብ ኲናት ናይ ምምላስ ፍጹም ድሌት የለን" ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብቲ ርክብ ብዛዕባ "ፖለቲካዊ ድሌት ህዝቢ" ትግራይ ከም ዝተዘራረቡ ጠቒሱ።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ገለ ምጥርጣራት ክህሉ ዝኽእል ምዃኑ ብምግላጽ ዘለዎም ምትእምማን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዓቢ ከምዘሎ ኣተንቢሁ።

ምንጪ ስእሊ, EBC/Facebook
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ቦታ ምስ ካቢነ ሚኒስተራቱ ኣኼባ ከካይድ ምቕናዩ ይዝከር።
ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022፡ እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ጠጠው ንምባል ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከም ዝተፈረመ ይዝከር።
ድሕሪ'ቲ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናትን ዝነበረ ተጻብኦታት ደው ኢሉ ይርከብ።
ብመሰረት እቲ ዝኸተምዎ ስምምዕ'ውን፡ ሓይልታት ህወሓት ከበድቲ ኣጽዋሮም ከም ዘረክቡን፡ ካብ ሓያለ ግንባራት ከም ዝሰሓቡን ይፍለጥ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ትግራይ ንዳርጋ ክልተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝነበረ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ መብራህቲ፡ ቴለፎን፡ ባንኪ፡ ከምኡ'ውን መጓዓዝያ ናብ ንቡር ይምለስ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ኣሰሓሓቢ ኮይኑ ዝጸንሐ ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ከም ዝተፈጸመ ይግለጽ። እንተኾነ ግን፡ መራሕቲ ህወሓት ወተሃደራት ኤርትራ ሕጂ'ውን ኣብ ክልል ትግራይ ከም ዘለዉ ክዛረቡ ቀንዮም ነይሮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ዛጊት ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ምንጪ ስእሊ, EBC/Facebook
እቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ ክኸወን ከም ዝኽእል ይንገር።
ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግናን ህወሓትን ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኢህወዴግ ኮይኖም ንኣስታት 27 ዓመት ብሓባር ኣብ ስልጣን ዝነበሩ'ዮም።
ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ግን፡ እቲ ጥርናፈ ኣርባዕተ ብሄራውያን ውድባት ኦሮሞ፡ ኣምሓራ፡ ትግራይን ህዝብታት ደቡብን ዝነበረ ኢህወደግ፡ ናብ ሓደ ውሁድ ሰልፊ ተቐዪሩ፡ ብልጽግና ዝብል ስም ለቢሱ ቀጺሉ።
ነቲ ለውጥታት ዘይተቐበለ ህወሓት ድማ፡ ርእሱ ብምግላል ዝነበሮ ጽልዋን ስልጣንን ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ተወሲኑ ተሪፉ።

ምንጪ ስእሊ, EBC/Facebook
ብድሕሪ'ዚ ኣብ መንጎ እቲ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ ፌደራላዊ መንግስቲን ብህወሓት ዝምራሕ ክልል ትግራይን ፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ምትፍናን ተፈጢሩ።
ክልቲኦም ወገናት፡ ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ናይ ቃላት ዳርባ ክለዋወጡ ጀሚሮም።
እቲ ውጥሪ እናዓበየ ድሕሪ ምምጽኡ ኸኣ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ደማዊ ኲናት ኣምሪሑ።
እቲ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ደማ ክልል ትግራይ፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ምግሃስ መሰላትን ዝርከብዎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
