ንስምምዕ ኢትዮ-ሶማሊላንድን ዝቃወም ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

Published

ሶማላውያን፡ "ሓደ ሚልዮን ማርች" ብዝብል ጭርሖ ርእሰምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያ ዝገበርኦ ስምምዕ ዝቃወም ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ተረኺቦም ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዋዕዋዕ ዝፈጠረ ኣዘራራቢ ስምምዕ ኢትዮ-ሶማሊላንድ ይቃወሙ ኣለዉ።

ብሰኑይ 1 ጥሪ 2024 ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ወደብ ባሕሪ ክትረክብ ዘኽእላ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ከምዝተፈራረመት ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ስምምዕ ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊላንድ ኣስታት 20 ኪሎ ሜተር ወደብ ክትረክብ እያ። ሶማሊላንድ ድማ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወይ ኢትዮ ቴሌኮም ዝተወሰነ ብጽሒት ከም እትረክብ መንግስቲ ገሊጹ እዩ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ ምዃና ይንገር።

ይኹን’ምበር እቲ ብሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ኣዘራራቢ ሰነድ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪ ኣኸቲሉ ይርከብ።

እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግን ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ድያ ዝብል እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክህብ ድዩ ኣይህብን ገና ንጹር ኣይኰነን።

ኣብቲ መዓልቲ ፊርማ ግን፡ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ በሂ ኣብዲ፡ እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ ንሶማሊላንድ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ዘጠቓልል ምዃኑ ተዛሪቡ እዩ።

ሃገራዊ ቴሌቪዥን ሶማል ከምዝሕብሮ፡ ኣሽሓት ሰልፈኛታት ሃገራዊ ሙዚቃ እናስምዑ ኣብቲ ሰልፊ ተሳቲፎም።

ነዚ ሰልፊ ተቓውሞ ተባሂሉ ሓያሎ ጽርግያታት ከምዝተዓጸዉን ጸጥታ’ውን ከምዝተጠናኸረን ቢቢሲ ሶማልያ ይሕብር።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማልያ ኣሕመድ ሞዓሊም ፊቂ ኣብ ጎደና ሞቓድሾ ንዝተኣከቡ ሰባት መደረ ከምዘስምዑ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ሶማልያ ፀብፂቡ።

"ክሳብ ብህይወት ዘለና ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ሓንቲ መሬት ኣይትወስድን" ክብል ሓደ ሰልፈኛ ነቲ መደበር ቴሌቪዥን ገሊጹ።

እቲ ስምምዕ እንታይ ይብል?

እቲ ኣብ መንጎ እታ ባዕላ ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ሰነድ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ 20 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ብክራይ [ሊዝ] ክትረከብ ዘኽእል ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ኣብኡ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ መደብ ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

ዝርዝር እቲ ሰነድ እንታይ ከምዝብል ንህዝቢ ስለዘይተገልጸ ንጹር ኣይኰነን።

ሶማሊላንድ ብወገና ካብ መንገዲ ኣየር ወይ ኢትዮቴሌኮም ብጽሒት ንኽትረክብ ዘኽእል’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

እንተዀነ ከም መባድልቲ ከኣ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ከምዝዀነት ምምሕዳር ሶማሊላንድ ይገልጽ። ኢትዮጵያ ግን ነዚ ብንጹር ኣየረጋገጸትን ዘላ።

እዚ ድማ እዩ ኣዘራራቢ ኰይኑ ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ ድያ?

ቅድም ክብል ብብሪጣንያ ሓለዋ ዝግበረላ ዝነበረት ሶማሊላንድ፡ ካብ 1991 ጀሚሩ ካብ ሶማልያ ተነጺላ ናጽነታ ዝኣወጀት ኰይና፡ ብግቡእ ዝዓዪ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ስሩዕ መረጻታት፡ ሓይሊ ፖሊስን ናይ ባዕላ ገንዘብን ዝኣመሰለ ኵሎም መለክዒታት ሓንቲ ሃገር እተማልእ እያ።

ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሶማልያ ዘጋጠሙ ሕንፍሽፍሻት እውን ርሒቓ’ያ ጸኒሓ።

እንተዀነ ናጽነታ ብዝዀነት ሃገር ኣፍልጦ ኣይተወሃቦን።

ከምቲ ሶማሊላንድ እትብሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጻሊ ኣፍልጦ ሃገርነት ክትህባ ተሰማሚዓ እንተዀይና፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገዚፍ ጽልዋ ክህልዎ እዩ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተኸተመሉ እዋን ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሴ ቢሂ ኣብዲ፡ ኢትዮጵያ ንሃገሩ ኣብ ቀፃሊ ኣፍልጦ ከምትህብ ገሊጹ እዩ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ሃገራዊ ተሌቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ "እቲ ስምምዕ ኣብ ምሉእ ስምምዕ ምስ በጽሐን ነቲ መሬት ምስ ወሰድናን እቲ መስርሕ ምስተዛዘመን፡ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ እትህበሉ ደረጃ ከምእትበጽሕ ዘመልክቱ ነገራት ኣለዉ” ምባሉ ይዝከር።

“ስለዚ ነቲ ስምምዕ ኣይተቐበልናን፣ ክንሰማማዕ ከምዘለና ግን ተሰማሚዕና ኢና፤ ናይ ምርድዳእ መዘክር እውን ፈሪምና ኣለና” ክብል’ውን ወሲኹ ተዛሪቡ።

ንምንታይ’ዩ ኣዘራራቢ ኰይኑ ዘሎ?

ብዓይኒ ሶማልያ፡ ሶማሊላንድ ኣካል ልኡላዊ ግዝኣታ እያ። ካብ ኣፍልጦ ሞቓድሾ ወጻኢ ምስታ ርእሰ ምሕደራ ዝግበር ውዕል ወይ ካብ ትሕዝቶኣ ዝወሃብ ክራይ፡ ከቢድ ጸገም ዘስዕብ እዩ።

እቲ መረዳድኢ ሰነድ ምስተፈረመ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ ሶማልያ ነቲ ውዕል "ንሰላምን ምርግጋእን . . . ዕንቅፋት" ከምዝዀነ ብምግላጽ ተግባር "ትንኮያ" ኢላቶ። ኣምባሳደራ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጸዊዓ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብሰንበት "ሃገርና ክንከላኸል ኢና፤ ብዅሉ ኣድላዪ መንገድታት ክንከላኸል ኢና። ክሕግዘና ፍቓደኛ ናይ ዝዀነ መሓዛ ድጋፍ እውን ንድሊ" ብምባል ነቲ ኵነታት ኣጐሃሂርዎ።

ብተወሳኺ መንእሰያት "ሃገሮም ንምክልኻል ክዳለዉ" ጸዊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተሳተፉሉ ነቲ ውዕል ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ሞቓድሾ ተኻይዱ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ እንተሂባ፡ እዚ ውሳነ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ፖለቲካዊ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ።