እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያውያን ነበርቲ ሶማሊላንድን ዓባይ ሶማልያን መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖም ይዛረቡ
ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ካልእ ከባቢታት ሶማልያን ዝነብሩ ገለ ኢትዮጵያውያን መጥቃዕትን ምፍርራሕን ከምዝበጽሖም ገሊጾም።
ብፍላይ ገለ ኣብ ሶማሊላንድ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖምን፡ ንብረቶም ከምዝተዘምተን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣባይቶም ብሓዊ ንምቅጻል ፈተነታት ከምዝተገብረ'ውን ሓደ ወኪል እቶም ስደተኛታት ተዛሪቡ።
ኣብ ካልእ ከባቢታት ዓባይ ሶማልያ ዝነብሩ ገለ ኢትዮጵያውያን'ውን ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲን ምፍርራሕን ንክፍጸም ጎስጓሳት ይግበሩ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ገሊጾም።
እቲ ኩነታት ኣብ መንጎ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ንኣፍደገ ባሕርን ወተሃደራዊ መዓስከር ንምርካብን ዝዓለመ ሰነድ ምርድዳእ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምፍራሙ ዝሰዓበ'ዩ።
እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ወደብን ወተሃደራዊ መዓስከርን ከትሰርሓሉ እትኽእል 20 ኪሜ ዝንውሓቱ ገምገም ባሕሪ ክትረከብ፡ ኣምሳያኡ ድማ ሶማሊላንድ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብጽሒት ክህልዋን ካብ ኣዲስ ኣበባ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትረክብን ዝህቅን'ዩ።
ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ነቲ ስምምዕ ብትሪ ብምኹናን ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ሓያለ ከተማታት እታ ሃገር ኣንጻር እቲ ምርድዳእ ተቓውሞታት ክካየድ ቀንዩ'ሎ።
ኣብታ ባዕላ ናጽነታ ዝኣወጀትን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘይረኸበትን ሶማሊላንድ'ውን፡ ነቲ ስምምዕ ዝድግፍን ዝቃወምን ሰልፍታት ተኻይዶም ነይሮም።
ኣብ ሶማሊላንድ፡ ወኪል ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኢብሳ ኣሊሾ ሓቢብ፡ እቲ ስምምዕ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ኣካላዊ መጥቃዕቲ ምፍጻሙን፡ ንብረት ኢትዮጵያውያን ምዝራፉን ኣባይቲ ንምቅጻል ፈተነ ምግባሩን ይዛረብ።
"እቲ ስምምዕ ከምዝተፈረመ ኣብ ዝተገለጸሉ ዕለት፡ ሰባት ሓጎሶም ንምግላጽ ናብ ጎደናታት ወጺኦም ነይሮም" ክብል ነቲ ኣብታ ርእሰከተማ ሶማሊላንድ ዝኾነት ሃርጌሳ ዝነበረ ፍጻመ ገሊጹ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ድማ ነቲ ምርድዳእ ንምቅዋም ህዝቢ ናብ ቅርዓት ክወጽእ ተራእዩ።
ብፍላይ ኣብታ ኣብ ሶማሊላንድ ብዕብየታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ ከተማ ቦርኦ፡ ናይ ደገፍን ተቓውሞን ሰልፍታት ክካየድ ምጽንሑ ጠቒሱ።
"ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ሰለስተ መዓልቲ ጸኒሑ፡ ንጉሆ ናይ ደገፍ ሰልፊ ነይሩ፡ ምሸት ከኣ ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ" ዝበለ፡ ኣቶ ኢብሳ፡ ብፍላይ ኣብቲ ተወለድቲ ኦሮሞ ዝነብርሉ ከባቢታት ብምትኳር "ኣብ ናትና ሰባት ኣካላዊ ጉድኣት ንምብጻሕ፡ ንብረት ንምዝራፍን ኣባይቶም ንምቅጻልን ፈተነ ተገይሩ" ኢሉ።
ክልተ ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ዓባይ ሶማልያ ኣካላዊ መጥቃዕቲ እንተዘይበጽሖም፡ ኣብ ስግኣትን ሻቕሎትን ከምዝርከቡ ይገልጹ።
"ኣብዚ ዘሎ ስደተኛ መብዛሕትኡ ቋንቋ ሶማልያ ይዛረብ'ዩ፡ ከም ሶማላዊ ኮይኑ'ዩ ዝነብር። ዝኾነ ጸገም ኣይነበረን። ድሕሪ ምፍራም እቲ ስምምዕ ግን፡ ኣዝዩ ዘፍርሕ ነገር'ዩ ዘሎ። እንታይ ክፍጠር ከምዝኽእል ኣይንፈልጥን" ክብል ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ስክፍትኡ ይገልጽ።
ኣብ ሞቓድሾ ዝነበር ካልእ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ብወገኑ፡ ነቲ ስምምዕ ብምቅዋም ሓያለ ሰልፍታት ከምዝተኻየዱን፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ናይ ጽልኢ ስምዒታት ይውስኽ ከምዘሎን ኣሚቱ።
ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሶማልያ ኣስታት 36 ሽሕ ስደተኛታት ይነብሩ።
ብኣንጻሩ ኣስታት 336 ሽሕ ሶማላውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝነብሩ ጸብጻብ እቲ ውድብ ይጠቅስ።
መብዛሕትኦም ኣብቶም ኣብ በዶሎን ኣዶን ዝብሃሉ ከባቢታት ዝርከቡ ሓሙሽተ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ዘለዉ እዮም።
ጂግጂጋን ኣዲስ ኣበባን ድማ ቀንዲ ካብተን ዝበዝሑ ሶማላውያን ዜጋታት ዝነብሩለን ከተማታት ኢትዮጵያ እየን።
ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ሶማሊላንድ "ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ" ንምግባር ዝዓለመ ዝርርብ ኣካይዱ ነይሩ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ሶማሊላንዳዊ መዘናኡ ሜ/ጀነራል ኑህ ኢስማኤልን ሎሚ ሰኑይ 8 ጥሪ እዮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም።
ኣብቲ ርክብ ሓያለ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት ተረኺቦም ነይሮም።
ምብጻሕ ናይዞም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሶማሊላንድ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዓቢ ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ይካየድ ምህላዉ ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድ፡ ነቲ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘውህብ ውዕል ብምቅዋም ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ነይሩ።