እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዛራቢ ኰይኑ ዘሎ ውዕል ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን
ሚኒስተር ምክልኻል ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድ ካብ ግዳያት ሓደ ናይቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዋዕዋዕ ዝፈጠረ ኣዘራራቢ ስምምዕ ኢትዮ-ሶማሊላንድ ኰይኑ ኣሎ።
ዓብዲቐኒ መሓመድ ኣተየ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሶማሊላንድ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈረመ፡ እታ ርእሰ ምምሕዳር ነታ ወደብ ኣልቦ ጐረቤታ ገምገም ባሕሪ ከምእተካርያ ዝገልጽ ውዕል፡ ኣቐዲሙ ክመክር ነይሩዎ ብዝብል እዩ ስልጣኑ ለቒቝ።
ሶማሊላንድ ካብ ግዝኣታ ሓንቲ ከምዝዀነት እትቘጽራ ሶማልያ፡ ነቲ ብ 1 ጥሪ ዝተፈረመ ውዕል "ትንኮያ" ብምባል ብቝጠዐ ነጺጋቶ።
ሕብረት ኣፍሪቃን ኣመሪካን እውን ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ብምድጋፍ ኵሎም ወገናት ክሃድኡ ጸዊዖም።
እቲ ስምምዕ እንታይ እዩ?
መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈራረምዎ መረዳድኢ ሰነድ ዕላዊ ስለዘይተገበረ፡ ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም ዝዝረቡ ዘለዉ።
ሰነድ መረዳድኢ፡ ድልየታት ዝገልጽ ጸብጻብ እምበር ቀያዲ ሕጋዊ ውዕል ኣይኰነን፤ ኰይኑ ግን ሶማሊላንድ ኣየናይ ምዃኑ እኳ እንተዘይተፈለጠ ንኢትዮጵያ ንግዲ እተሳልጠሉ ወደብ ክትህባ ዝተዳለወት ትመስል።
እቲ ውዕል ወተሃደራዊ መዳይ እውን ኣለዎ። ሶማሊላንድ ክፋል ገምገም ባሕራ ንሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከምእተካርዮ ኣፍሊጣ ኣላ፤ ኣዲስ ኣበባ እውን ነዚ ኣረጋጊጻ እያ።
ኣምሳያኡ ሶማሊላንድ ኣብቲ ዕዉት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብጽሒት ክትወስድ እያ።
እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግን ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ድያ ዝብል እዩ። ብሪጣንያ ከም ባዕዳዊት ገዛኢት ርዖኣ ጠቕሊላ ካብቲ ከባቢ ካብ እትወጽእ ንደሓር፡ ን 30 ዓመታት ኣፍልጦ ዝሃበታ ዝዀት ሃገር የላን።
ኣብቲ መዓልቲ ፊርማ፡ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ በሂ ኣብዲ፡ እቲ ስምምዕ ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ ንሶማሊላንድ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ከምዘጠቓልል ተዛሪቡ።
ኢትዮጵያ ግን ነዚ ኣየረጋገጸትን፤ ብኣንጻሩ ብ 3 ጥሪ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ናይቲ ውዕል "ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ሃገርነት ንምርካብ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ መርገጽ ንምሓዝ ዓሚቝ ገምጋም ንምግባር ዘኽእል ዓንቀጽ" ምህላዉ ኣፍሊጣ።
ንምንታይ ኣዘራራቢ ኰይኑ?
ብዓይኒ ሶማልያ፡ ሶማሊላንድ ኣካል ልኡላዊ ግዝኣታ እያ። ካብ ኣፍልጦ ሞቓድሾ ወጻኢ ምስታ ርእሰ ምሕደራ ዝግበር ውዕል ወይ ካብ ትሕዝቶኣ ዝወሃብ ክራይ፡ ከቢድ ጸገም ዘስዕብ እዩ።
እቲ መረዳድኢ ሰነድ ምስተፈረመ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ ሶማልያ ነቲ ውዕል "ንሰላምን ምርግጋእን . . . ዕንቅፋት" ከምዝዀነ ብምግላጽ ተግባር "ትንኮያ" ኢላቶ። ኣምባሳደራ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጸዊዓ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብሰንበት "ሃገርና ክንከላኸል ኢና፤ ብዅሉ ኣድላዪ መንገድታት ክንከላኸል ኢና። ክሕግዘና ፍቓደኛ ናይ ዝዀነ መሓዛ ድጋፍ እውን ንድሊ" ብምባል ነቲ ኵነታት ኣጐሃሂርዎ።
ብተወሳኺ መንእሰያት "ሃገሮም ንምክልኻል ክዳለዉ" ጸዊዑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተሳተፉሉ ነቲ ውዕል ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ሞቓድሾ ተኻይዱ ነይሩ።
ደረጃ ሶማሊላንድ እንታይ እዩ?
ቅድም ክብል ብብሪጣንያ ሓለዋ ዝግበረላ ዝነበረ ሶማሊላንድ፡ ካብ 1991 ጀሚሩ ካብ ሶማልያ ተነጺላ ናጽነታ ዝኣወጀት ኰይና፡ ብግቡእ ዝዓዪ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ስሩዕ መረጻታት፡ ሓይሊ ፖሊስን ናይ ባዕላ ገንዘብን ዝኣመሰለ ኵሎም መለክዒታት ሓንቲ ሃገር እተማልእ እያ።
ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሶማልያ ዘጋጠሙ ሕንፍሽፍሻት እውን ርሒቓ ጸኒሓ።
እንተዀነ ናጽነታ ብዝዀነት ሃገር ኣፍልጦ ኣይተወሃቦን።
ከምቲ ሶማሊላንድ እትብሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጻሊ ኣፍልጦ ሃገርነት ክትህባ ተሰማሚዓ እንተዀይና፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገዚፍ ጽልዋ ክህልዎ እዩ።
ኢትዮጵያ እንታይ እያ ኢላ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ንሃገሩ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ ኢሉ።
ኤርትራ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ፡ ኢትዮጵያ ወደባታ ስኢና። ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ብምሓዝ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ወደብ ኣልቦ ሃገር እያ።
መግለጺ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ድልየታ ንምምላእ ሓይሊ ክትጥቀም ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ።
ንሳ ግን ነቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈጸመቶ ውዕል ታሪኻዊያን ድልየታታ ሰላማዊያን ከምዝዀኑ ዘመልክትን ክትብል ገሊጻቶ።
ቤት ጽሕፈት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ "እቲ ብመንግስቲ ዝተገለጸ ቅዋም ምስ ዝዀነ ኣካል ናብ ኲናት ናይ ምእታው ድልየት ካብ ዘይምህላው ዝብገስ እዩ" ዝብል መግለጺ ሂቡ ነይሩ።
ኰይኑ ግን ምስቲ ዘሎ ምስሕሓባት ዝዛመድ ብዝመስል ኣቢይ ኣሕመድ ብሰንበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ "ነገራት በቲ ዝለመድናዮ ወይ እንፈልጦ ወይ ክንግምቶ እንኽእል መንገዲ ክፍጸሙ አንተተጸቢና፡ (ዕድላት) ከምልጡና ይኽእሉ እዮም" ኢሉ።
ገለ እዋን ዕላማታትካ ንምዕዋት "ካብቲ ልሙድ ኣገባብ ወጻኢ" ምሕሳብ ከምዘድሊ እውን ወሲኹ።
ካልኦት ከ እንታይ በሉ?
ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃመት ብ 3 ጥሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን "ዝጥጃእ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ" ምርግጋእን ምክብባርን ክህሉ ጸዊዑ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማቲው ሚለር እውን ሃገሩ በቲ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ሃገርነት ከምእትህባ ዝገልጽ ጸብጻባት ከምእተሻቐት ገሊጹ።
ኣብ ሶማልያ ወሳኒ ተራ ዘለዋ ቱርኪ እውን "ንሕብረት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን (ሶማልያ) ውፉይቲ" ምዃና ገሊጻ።
ግብጺ ብግደኣ ንሶማልያ ከምእትሕግዝ ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ ምስ ሶማልያዊ መዘናኡ ኣብ ዘካየዶ ናይ ተሌፎን ዘተ፡ ግብጺ ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ደው ከምእትብልን "ጸጥታን ድሕነትን" ሶማልያ ከምእትሕግዝን ተዛሪቡ።