ኢትዮጵያ ብዛዕባ ሕብረት ኣውሮጳ ዘንበሮ ግዝያዊ እገዳ ቪዛ እንታይ ትብል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ፡ በቲ ሕብረት ኣውሮጳ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣውሮጳ ንዝኣትው ዜጋታቱ ንኽቕበል ዘርኣዮ ምትሕብባር ትሑት’ዩ ኢሉ ንዘንበሮ እገዳ ቪዛ ከም ዝሓዘነት ገሊጻ።
እቲ ሕብረት፡ ነዚ ውሳነ ደጊሙ ንኽርእዮ ኣብ ቤልጅየም ብራስለስ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቲቱ።
ቤት ምኽሪ እቲ ሕብረት ዘሕለፎ ውሳነ፡ ኣብ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ንምንባር ሕጋዊ ፍቓድ ዘይረኸቡ ዜጋታት ኢትዮጵያ ብኽብሪ፡ ስርዓትን ዘላቕነትን ብዘለዎ ኣገባብ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ክልቲኦም ወገናት ብሓባር ይሰርሑ ከም ዘለው ድማ ጠቒሱ።
ብ29 ሚያዝያ 2024 ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ቤት ምኽሪ ዝወጽአ መግለጺ፡ እቶም ብመሰረት ሕጊ’ቲ ሕብረት ንኢትዮጵያውያን ቪዛ ንምሃብ ዝውዕሉ ዝነበሩ ኣገባባት ከም ዝተኣገዱ የመልክት።
ከም ውጽኢቱ ድማ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኢትዮጵያውያን ብዘቕረብዎ መርትዖ መሰረት ቪዛ ኣብ ዝሓቱሉ እዋን ነቶም ቅድመ-ኵነት ሕድገት ክገብራ (waiving requirements) ኣይክእላን እየን።
ኢትዮጵያውያን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ናብ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ክኣትዉን ክወጹን ዘኽእሎም ብዙሕ መእተዊ ቪዛ (multiple entries) ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም።
ፓስፖርት ዲፕሎማሰኛታትን ኣገልግሎትን ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ብነጻ ቪዛ ኣይወሃቦምን።
ኢትዮጵያውያን ቪዛ ንኽረኽቡ ዝጸበዩሉ ግዜ ድማ፡ ካብ 15 ናይ ስራሕ መዓልታት ናብ 45 ክብርኽ ከም ዝተገብረ ተገሊጹ ኣሎ።
ምኽንያት ናይቲ ውሳነ፡ እቲ ቤት ምኽሪ "መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝነብሩ ዜጋታቱ ዳግማይ ንምቕባል ዝገበሮ ምትሕብባር ትሑት ምዃኑ ስለዝተገንዘበ" ምዃኑ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
ወሲኹ ድማ "ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ዜጋታቱ ንኽምለሱ ንዝቐረበ ሕቶ መልሲ ኣይሃቡን" ይብል።
ኢትዮጵያ ነዚ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ዜጋታታ ናብ ሃገሮም ንምምላስን ምስቲ ሕብረተሰብ ዳግም ንምውህሃድን፡ ኣብ ሞንጐ ኢትዮጵያን እቲ ሕብረትን ዘሎ ጽኑዕ ምትሕብባር ዘየገናዘበ እዩ ኢላ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ውሳነ መንነት ንምርግጋጽ ዝግበር መስርሕ ኣብ ግምት ዘየእተወ’ዩ ክብል እቲ ኤምባሲ ነቒፉ።
እቲ ቤት ምኽሪ ዘሕለፎ ውሳነ ድማ፡ ኢትዮጵያ ዜጋታታ ካብ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ዝምለስሉ ናይ ምቕባል ስምምዕ ተግባራዊ ንምግባር እትወስዶም ዘላ ስጕምቲታት ዘተዓናቕፍ’ዩ ኢሉ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ሕብረት ውሳነኡ ዳግም ንክሪኦ ዝሓተተ እቲ ኤምባሲ፡ ኢትዮጵያውያን ካብ ኣውሮጳ ዝምለስሉ ኣሰራርሐ ዝምልከት ምስቲ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ኣብ ዝጥዕሙ ስጕምቲታት ከም ዝዝቲ ሓቢሩ።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኢትዮጵያ ህጹጽ ሰነዳት መገሻ ኣብ ምቕራብን ስደተኛታት ብፍቓድ ይዅን ብዘይ ፍቓድ ኣብ ምምላስን "እዅል ምትሕብባር ከም ዘይገበረት" ገሊጹ።
ኢትዮጵያ ኣብ ምቕባል ስደተኛታት እተርእዮ "ምትሕብባር" ዳግማይ ክምርምሮ ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ወሲኹ ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ሕብረት፡ ኣዝዩ ብዙሕ ቍጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ይመጽኡዎ ከም ዘለው ዝገለጸ ኰይኑ፡ ሓለዋ ዶባት እተን ሃገራት ንምጥንኻር ስጕምቲታት ከም ዝወሰደ’ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ 380 ሽሕ ስደተኛታት ብ”ዘይሕጋዊ መገዲ” ናብ ኣውሮጳ ከም ዝኣተውን እዚ ድማ ድሕሪ 2016 ዝተራእየ ዝዓበየ ቍጽሪ ከም ዝዀነን ጸብጻባት የመልክቱ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
