እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካን እስራኤልን ዝፈላለየ ውሳነ ተዅሲ ደው ምባል ባይቶ ጸጥታ ጸዲቑ
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ትማሊ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ኣብ ቓዛ ብቕልጡፍ ተዅሲ ደው ክብል ዝጽውዕ ውሳነ ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቝ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ፡ ኣመሪካ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝጸንሓ መርገጺ ብምቕያር፡ ኣብቲ ባይቶ ንዘለዋ ንድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰል - ቀውፊ - ክትትግብር ብዘይምፍቃዳን እዩ።
ብተወሳኺ ባይቶ ጸጥታ፡ ኵሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኵነት ክፍትሑ ጸዊዑ።
እዚ ውሳነ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ጥቅምቲ ኲናት ግጭት እስራኤል-ሓማስ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ኣብቲ ባይቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ሓያለ ፍሹል እማመታት ተዅሲ ደው ምባል፡ ንፈለማ ግዜ እዩ ዝጸድቕ ዘሎ።
እዚ ብኣመሪካ ዝተወስደ ስጕምቲ፡ ኣብ መንጐኣን እታ ቀንዲ መሓዛኣ ዝዀነት እስራኤልን ኣብ ጉዳይ ቓዛ እናገፍሐ ዝመጽእ ዘሎ ፍልልይ ዘመልክት እዩ።
በዚ ሓድሽ መርገጺ ኣመሪካ ዝተቘጥዐት እስራኤል፡ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ ብዘይልሙድ ቃና ተሪር መግናሕቲ ልኢኻ።
እቲ መግለጺ፡ ኣመሪካ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበራ መርገጺ ‘ክሒዳ’ ምህላዋ ብምግላጽ ቅሬታኡ ኣንጸባሪቝ።
“እቲ ዘሕዝን፡ ኣመሪካ ነቲ ሓድሽ ውሳነ፡ ቀውፊ ኣይገበረትሉን” ድማ ይብል።
እቲ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ ነቲ ጅሆ ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ዝሃሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ እዚ ድማ ሓማስ ነቶም ጅሆ ዝሓዞም እሱራት ከይፈትሐ፡ ተዅሲ ደው ንምባል ክትግበር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣህጉራዊ ጸቕጢ ክጥቀም ዘኽእሎ እዩ ክብል ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ነታንያሁ ኣብ መንጐ ልኡኽ እስራኤልን ሰበስልጣን ኣመሪካን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ኣኼባታት ክስረዝ ከምዝወሰነ ተፈሊጡ።
ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እሱራት ክሳብ ዘይወጽኡ፡ እስራኤል ነቲ ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ኲናት ደው ከምዘይትብሎ ገሊጹ።
ወኪል ፍልስጤም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሪያድ መንሱር ነቲ ውሳነ ብሓጐስ ተቐቢልዎ፤ እንተዀነ ግዜኡ ዝሓለፈ ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ወኪል ፍልስጤም፡ “እዚ ቤት ምኽሪ ኣብ መወዳእታ ህጹጽ ተዅሲ ደው ምባል ንኽሓትት፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ፍልስጤማውያን ክቕተሉን ክስንክሉን፡ ክልተ ሚልዮን ተመዛቢሎም ንሃደጋ ጥሜት ክቃልዑን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ወሲዱሉ" ኢሉ።
ንቓዛ ዘመሓድርን ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ነቲ ኲናት ዘበገሰን ሓማስ እውን ነቲ ውሳነ ብሓጐስ ተቐቢልዎ። “ብኽልቲኡ ወገን እሱራት ንኽፍትሑ ዝመርሕ ቅልጡፍ መስርሕ ምልውዋጥ እሱራት ንኽግበር” ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።
ሓማስ ጅሆ ሒዝዎም ዘሎ ንምፍታሕ፡ እቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ተኣሲሮም ዘለዉ ፍልስጤማውያን ምፍታሕ ከም ቅድመ ኵነት ኣቐሚጥዎ ኣሎ።
ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ምሃብ ድምጺ ባይቶ ጸጥታ፡ ኣመሪካ ድምጻ ክትዕቅብ እንከላ፡ እተን ዝተረፋ 14 ኣባላት ነቲ ውሳነ ደጊፈን ድምጸን ሂበን።
ኣመሪካ ኣቐዲማ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝርርብ፡ ምፍታሕ ጅሆን ምቍራጽ ተዅሲን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ጌጋ ክኸውን እዩ ብምባል ተኹሲ ደው ምባል ዝጽውዕ ውሳነታት ክትዓግት ጸኒሓ እያ።
ዝሓለፈ ሓሙስ ድማ፡ ንመጀመርታ ግዜ ተዅሲ ደው ምባል ዝጽውዕ ናይ ገዛእ ርእሳ እማመ ኣቕሪባ፤ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘለዋ መርገጺ ምትዕርራያ ዘመልክት እዩ ኰይኑ።
ኣመሪካ ነቲ ውሳነ ክሓልፍ ምፍቃዳ፡ ኣብ ፖሊሲኣ ለውጢ ማለት "ከምዘይኰነ" ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጆን ኪርቢ ገሊጹ። ኣመሪካ ተዅሲ ደው ምባል ትድግፍ እኳ እንተዀነት እቲ ዝቐረበ እማመ ግን ንሓማስ ስለዘይኵንን፡ ነቲ ውሳነ ምሉእ ብምሉእ ብዘይምድጋፍ ድምጸ-ተዓቅቦ ክትገብር ከምዝወሰነት ገሊጹ።
ሚስተር ኪርቢ ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ኣዚና ንጹር ኴንና ኢና ጸኒሕና፤ ከም ኣካል ስምምዕ ምፍታሕ ጅሆ፡ ተዅሲ ደው ንምባል ኣብ ዝገበርናዮ ደገፍ ኣመና ቅኑዕ ኢና ነይርና። እቲ ስምምዕ ጅሆ ብኸምኡ እዩ ቅርጹ ሒዙ ዘሎ፤ እቲ ውሳነ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ኣፍልጦ ዝህብ እዩ፡” ኢሉ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ “እቲ ውሳነ ክትግበር ይግባእ” ብምባል፡ ተዅሲ ደው ምባል ንምርግጋጽ ድማ፡ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ብህጹጽን ብዘይቅድመኵነትን ክፍትሑ ጸዊዑ።
ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ማርክ ልያል-ግራንት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብመሰረት እቲ ውሳነን ኣብቲ ጽሑፍ ብንጹር ዝተመልከተ ነጥቢ ብምጥቃስ፡ “እስራኤል ንዝቕጽሉ 15 መዓልታት ቅዱስ ወርሒ ጾመ ሮሞዳን ወተሃደራዊ ወፍሪ ደው ከተብሎ ግዴታ ኣለዋ” ክብል ኣረዲኡ።
ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ጽሑፍ ብሕጋዊ መንገዲ ንእስራኤል ቀያዲ ምዃኑ፡ ሓማስ ግን ሃገረ-መንግስቲ ስለዘይኰነ ከምዘይቅይዶ ገሊጹ።
ኣመሪካ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መሰል ቀውፊ ተጠቒማ ንእስራኤል ክትከላኸል ጸኒሓ ብዝብል ትኽሰስ እያ።
ይዅን እምበር፡ ኣብ ቓዛ ብደብዳብ እስራኤል እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ መጠን ሞት - ብፍላይ ደቀንስትዮን ህጻናትን - ከምኡ’ውን ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝቐርብ ዓለምለኻዊ ጸቕጢን ኵነኔን እናሓየለ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
እስራኤል ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበጽሕ ዝያዳ ጻዕሪታት ክትገብር ኣመሪካ ጸቕጢ ክትገብረላ ቀንያ እያ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢኡን፡ ንቓዛ ዝያዳ ሓገዝ ንኽኣቱን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ መጻኢ ግዝኣት ቓዛ ዘረጋግጽ ውጥን ክቐርብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክገብርዎ ዝጸንሑ ጸቕጢ ብግልጺ እናትረርዎ ካብ ዝመጹ ሰሙናት ኣቝጺሩ እዩ።
እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሓማስ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ደቡብ እስራኤል ብዘካየዶ ትጽቢት ዘይተገብሮን ዝተወሃሃደን መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 1,200 ሰባት ምቕታሎምን፡ 253 ሰባት ድማ ጅሆ ተታሒዞም ቓዛ ድሕሪ ምውሳዶም ዝተባርዐ እዩ።
ካብቶም ዝተወሰዱ ሰባት ናይቶም 130 ዛጊት ዝዀነ ሓበሬታ የለን።
እስራኤል ድሕሪ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ናብ ዋሽንግተን ልኡኻ ክትሰድድ ዝሓሰበቶ መደብ ክትስርዞ’ኳ እንተወሰነት፡ ሚስተር ኪርቢ ግን ኣብ መንጐ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንትን ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጄክ ሱሊቫንን ክካየድ ዝተመደበ ኣኼባታት ከምቲ ዝተሓሰቦ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።
ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኪርቢ፡ “ኣመሪካ ኣብ ጐድኒ እቲ እስራኤል ኣንጻር ሓማስ ደው ኢላ ምህላዋ ንሚኒስተር ምክልኻል [እስራኤል] ከነረጋግጸሉ ብሃንቀውታ ንጽበ” ኢሉ።