ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ቓዛ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ውዒሉ ኢሉ

Published

ኣብ ቓዛ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ከም ዝወዓለ ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ገሊጹ። ንሱ፡ ናብቲ ምምሕዳር ዝኣቱ ሓገዝ ዘይምህላዉ “ሰብ ዝሰርሖ” ሓደጋ ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን 200 ቶን ኣገደስቲ ቀረባት መግቢ ዝጽዓነት መርከብ ስጳኛ ካብ ሳይፕረስ እኳ እንተተበገሰት፡ እዚ ግን ነቲ ብመሬት ዝቐርብ ሓገዝ ክትክኦ ከም ዘይክእል ሕቡራት ሃገራት ይጠቅስ።

ብኻልእ ወገን፡ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ጸቕጢ ክገብር ምዃኑ ተዛሪቡ ኣሎ።

እቲ ዝቐልጠፈን ኣድማዒን መገዲ፡ ናብ ቓዛ ሓገዝ ብመሬት ምእታው እኳ እንተዀነ፡ ትካላት ረድኤት ግን እስራኤል እትገብሮም ዘላ እገዳታት ክንድ’ቲ ዝድለ ንከይኣቱ ይገብር ከም ዘሎ ይገልጹ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ መስመራት ባሕርን ኣየርን ዝርከቡዎም ካልኦት ኣማራጺታት ናብ ምእላሽ እዮም ኣትዮም።

እስራኤል ኣብ ደቡብ ብኽልተ ኮሪደር ሓገዛት ክኣቱ ትፈቅድ ብምህላዋ ኣብ ቓዛ ንዘጋጠመ ሕጽረት መግቢ ተሓታቲት ኣይኰንኩን ትብል።

ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ እቲ ኣብቲ ግዝኣት ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ብሰንኪ ሕጽረት ግብራዊ ዝዀነ ናይ መሬት መስመራት ዘጋጠመ’ዩ ኢሉ።

“ንህላውኡ ዝቃለስ ህዝቢ’ዩ ኣጋጢሙና ዘሎ። ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ክኣቱ ይግባእ፤ እዚ ንምስኻዕ ሕብረት ኤውሮጳ ብዝከኣሎ መጠን ይሰርሕ ኣሎ” ክብል ተዛሪቡ።

"[እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው] ሰብ ዝሰርሖ ኰይኑ፤ ሓገዝ ንምቕራብ ናይ ባሕሪን ኣየርን ኣማራጺ መገዲታት ክንደሊ ዝኣተናሉ ምኽንያት፡ እቲ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ደገፍ ዝቐርበሉ ጽርግያታት ሰብ ብዝሰርሖ ጸገማት ስለዝተዓጸወ መዃኑ ከነዘኻኽራ ይግባእ። ጥሜት ከም ቅልጽም ኣብ ኲናት ውዒሉ’ዩ፤ ነዚ ኣብ ዩክሬይን ዝፍጸም ዘሎ ክንኩንኖ እንከለና፡ ኣብ ቓዛ ንዝፍጸም ዘሎ ኸኣ ተመሳሳሊ ቃላት ክንጥቀም ኣለና።"

ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 576 ሽሕ (ርብዒ ብዝሒ ህዝቢ) ንጥምየት ተቓሊዑ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት መብዛሕትኦም ህጻናት ዝርከቡዎም ኣስታት 27 ሰባት፡ ብሕጽረት መግብን ማይን ኣብ ሆስፒታላት ከም ዝሞቱ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ቓዛ፡ ግዝያዊ ናይ ባሕሪ መሳገሪ መገዲ ንምህናጽ ዝሕግዙ ናውቲታት ዝጽዓነት ወተሃደራዊት መርከብ ኣመሪካ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ጉዕዞ ከም ዝጀመረት ሰራዊት እታ ሃገር ገሊጹ ምንባሩ ዝዝርከር'ዩ።

እታ ‘ጀነራል ፍራንክ ኤስ ቤሶን’ ዝተባህለት ናይ ደገፍ መርከብ ኣብ ግዝኣት ቨርጂኒያ ካብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር እያ ተበጊሳ።

ፔንታጎን፡ ነቲ ጽርግያ ንምህናጽ ብሓገዝ 1000 ወተሃደራት ክሳብ 60 መዓልታት ክወስድ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ገበርቲ ሰናይ ትካላት ግን ኣብ ቓዛ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ክሳብ ክንድኡ ክጽበዩ ከም ዘይክእሉ ይገልጹ።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብሰሉስ፡ እስራኤል ኣብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ግብጺ እትርከብ ደቡባዊት ከተማ ቓዛ ዝዀነት ራፋ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክትቅጽሎ ምዃና ኣረጋጊጹ።

ትማሊ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ደገፍ እስራኤል ብቪድዮ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ “ሰለማዊ ህዝቢ ከይተጐድ ክወጽእ ብምግባር ነቲ ኣብ ራፋ ዝጀመርናዮ ስራሕ ክንውድኦ ኢና” ኢሉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ሎርድ ካሜሮን፡ ናብ ቓዛ ብባሕሪ ሓገዝ ንምብጻሕ እስራኤል ንዓብዪ ወደብ ኣሽዶድ - ሓደ ካብቶም ካብ ተልኣቪቭ ቁሩብ ንኣንፈት ደቡብ ውጽእ ኢልካ ዝርከቡ ሰለስተ ቀንዲ ወደባት ጽዕነት እታ ሃገር - ክትከፍቶ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ዕጡቓት ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣስታት 1200 ሰባት ቀቲሎም 253 ጅሆታት ድሕሪ ምሓዞም ዝተጀመረ ምዃኑ ይዝከር።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 30,900 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ሓቢሩ።