መርማሪ ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናይ ስራሕ ግዜኡ ተናዊሑ

Published

መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ዘይሻራዊ ኣይኮነን’ ኢሉ ተቓውሞኡ ዘስመዐሉ፡ መርማሪ ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ንመጻኢ ሓደ ዓመት ስርሑ ክቕጽል ስልጣኑ ተናዊሑ።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ዓርቢ 27 መስከረም 2015 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ እቲ ኮሚሽን ነቲ ዝጀመሮ ገበናት ናይ ምጽራይ ስራሕቱ ክቕጽል ብድምጺ ብልጫ ወሲኖም።

ኢትዮጵያ፡ እቲ መርማ ኮሚሽን ካብ ዝምስረት ኣትሒዛ ተቓውሞኣ ክተስምዕ ዝጸንሐት ኰይና፡ ብፍላይ ባጀት ከይምደበሉ ዝገበረቶ ጎስጓስ ከምዘይሰመረ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ሰለስተ ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ፡ ምስ’ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር ዝተፈጸሙ ገበናት ኣመልኪቱ፡ ፈላማይ ጸብጻቡ ድሕሪ ምቕራቡ ድማ ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።

መርማሪ ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስርሑ ክቕጽል ዝሓትት ውሳነ፡ ቸክ ሪፓብሊክ ብስም ሕብረት ኣውሮጳ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ብጸቢብ ፍልልይ እዩ ጸዲቑ።

ካብተን ኣርብዓን ሸውዓተን ኣባል ሃገራት፡ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ እተን 21፡ ንቐጻልነት ስራሕ ናይቲ መርማሪ ጉጅለ ዝደገፋ ኾይነን፡ እተን 19 ድማ ተቓዊመን።

ኩለን ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ውሳነ ተቓዊመንኦ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ነቲ ውሳነ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ገጹ ከም ዘስፈሮ፡ "ነዚ ፖለቲካዊ ተልእኾ ዘለዎ ኮሚሽን ስርሑ ንክቕጽል፡ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር’ኳ ዝደገፈት የላን" ኢሉ።

 

መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸሙ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ብቐንዱ መንግስቲ ኢትዮጲያ ተሓታቲ ምዃኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ገሊጹ ነይሩ።

እሙን ንዝበሎ ምንጪ ሓበሬታ ምርኩስ ዝገበረ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘመልክቶ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጲያ ንኣባጽሕ ደቂ ተባዕትዮ ተጋሩ ዒላማ ዝገበረ መጠነ ሰፊሕ ቅትለት ፈጺሞም ኣለው ይብል።

እቲ መርመሪ ጕጅለ ፡ ጥሜትን ጾታዊ ዓመጽን ከም መሳርሒ ኲናት የገልግል ምህላው መርትዖ ከም ዘለዎ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣስፊሩ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ነቲ ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ጸብጻብ ነጺግዎ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ “ህዉኽ፡ ደረጅኡ ዘይሓለወን ናቱ ኣጀንዳ ዘለዎን’ዩ” ብምባል ከምዝነጸጎ ይዝከር።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ክልተ ዓመት ዝመልኦ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ፡ ኲናት ትግራይ፡ ብኹሎም ዝተሳተፉ ወገናት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ቅትለትን ከምዝተፈጸመ ብዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ መሰላት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ነዚ ብዝምልከት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝሓለፈ ዓመት ሰፊሕ ፀብፃብ ኣውፂኦም ነይሮም። እቲ መርማሪ ኮሚሽን፡ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ስልጣኑ ክሳብ ታሕሳስ 2016 ዓ.ም [ግእዝ] እዩ ተናዊሑ ዘሎ።