ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ንሮማ ገይሹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ ንኽሳተፍ ሮማ ኣቲዩ።
ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ ዕለት 28ን 29ን ጥሪ ኣብ ከተማ ሮማ ክከየድ እዩ።
ኣብቲ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስልቀል ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ጉዕዞ: ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ፡ ከምኡ’ውን ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ዋዕላ ንፍስታፍ ብቐንዱ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ልዕሊ 50 መራሕትን ከምኡ’ውን መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳን ወከልቲ ኣህጉራዊ ትካላትን ናብ ርእሰ ከተማ ኢጣልያ ክኣትዉ እዮም።
ዕላማ እቲ ዋዕላ፡ እታ ሃገር ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለዋ ኣቀራርባ ንምግምጋም ዝዓለመ ስትራተጂካዊ ውጥን ኢጣልያ ንምቕራብ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ ሜሎኒ፡ እቲ ምትሕብብባር ኣብ ሽርክነት ዝተመርኮሰ እምበር ንባህርያዊ ጸጋታት ኣፍሪቃ ንምምዝማዝ ዝዓለመ ከምዘይኮነ ኣፍሊጣ’ላ።
ኢጣልያ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ጸዓት ምትሕብባርን ምዕባይን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ሓያሎ ዓውድታት ምሕጋዝ ኮይኑ፡ ቀንዲ ዕላምኡ ግን ሱር ቁጠባዊ ድኽመታትን ጃምላዊ ስደት መንእሰያት ኣፍሪቃን ንምፍታሕ እዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፋ ቀረባ ዓመታት ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ክገይሽ ንፈለማ እዋን እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ብሰንኪ እቲ ዝኸተሎ ዘሎ ምልካዊ ምሕደራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምስ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ሓርፋፍ ዝምድና ከምዘለዎ ጸብጻባት ይሕብሩ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

