ኮሶቮ - ሰርብያ፡ ታርጋ መኪና ዘልዓሎ ምትፍናን ከይዓርግ የስግእ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብሰንኪ ቍጽሪ ሰሌዳ - ታርጋ - መኪና ሰርብያ ዝተላዕለ ምስሕሓብ ንምፍታሕ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ዘማእዘኖ ዝርርብ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ሰርብያን ኣብ ኮሶቮ ጐነጽ ክለዓል ከም ዝኽእል ኣጠንቂቘም።
ሰበስልጣን ኮሶቮ፡ ውሑዳት ብሄራት ሰርብያ፡ ነቲ ብሰርብያ ዝወጽአ ቍጽሪ ሰሌዳኦም ከረክቡ ይደልዩ።
ሰርብያ ንናጽነት ኮሶቮ ኣፍልጦ ኣይትህብን እያ።
ፖሊስ ኮሶቮ፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ መለለዪ ቝጽሪ ሰርብያ ዘለዎ ታርጋ ንዝሓዙ ሰባት 154 ዶላር ክቐጽዕ እዩ።
ኣሜሪካ እቲ ስጕምቲ ክድንጒ ስለ እትደሊ፡ ሰላም ንምዕቃብ ሕድገታት ክግበር ኣተሓሳሲባ።
ኮሶቮ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ 1999 ካብ ሰርብያ ንምንጻል ንናጽነት ዝተኻየደ ኲናት ዝነበረ ታርጋታት፡ ድሕሪ ሕጂ ቅኑዕ ክኸውን ከም ዘይክእል ትምጕት።
ንትካላት ውሽጢ ዓዲ ሰርብያ ጥራይ ዝቕበሉ ኣብ ሰሜናዊ ኮሶቮ ዝርከቡ 50 ሽሕ ሰርብያውያን፡ ሕጂ ኣብ ፕሪስቲና ዝወሃብ ናይ ኮሶቮ ታርጋታት ክጥቀሙ ኣለዎም ትብል።
ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ እቲ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ዝርርብ ከም ዝፈሸለ ገሊጹ።
"ንፍሽለት እቲ ሎሚ ዝተኻየደ ዝርርብን ኣብ መጻኢ ንዝፍጠር ዝዀነ ዓይነት ምጕህሃርን ዓመጽን መራሕቲ ክልቲኡ ሸነኽ ኣገዳሲ ሓላፍነት ኣለዎም” ኢሉ።
ፕረዚደንት ሰርብያ ኣሌክሳንደር ቩቺች፡ እቲ ኵነታት "ኣብ ኣፍ ደገ ጐንጺ’ዩ ዘሎ” ኢሉ።
ፍሉይ ፖሊስ ኮሶቮ፡ ነቲ ዝወጽአ መቕጻዕቲ ንምትግባር ከይፍትን ድማ ኣተሓሳሲቡ።
ተወለድቲ ሰርብያ ዝዀኑ ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ብብዝሒ ሓላፍነቶም ብምልቃቕ ንውሳነ ቍጽሪ ታርጋ ፕሪስቲና ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።
ፕረዚደንት ቩቺችን ቀዳማይ ሚኒስተር ኮሶቮ ኣልቢን ኩርቲን ኣብ ዙርያ እቲ ሰሌዳ መኪና ዝፈጠሮ ምስሕሓብ፡ ኣብ ብራስለስ ተዘራሪቦም’ዮም።
ድሒሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኩርቲ ንውድቀት እቲ ዝርርብ ንሕብረት ኣውሮጳ ነቒፉ።
ቦረል ብወገኑ፡ እቲ ሕብረት ኣውሮጳ ሕድገታት ክገብር ዘቕረቦ እማመ ዋላ’ኳ ሰርብያ እንተተቐበለቶ፡ መራሒ ኮሶቮ ግን ከም ዝነጸጐ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቩቺች፡ ሰርብያ ኣብ ሰሜናዊ ኮሶቮ ንዝርከቡ ሰርብያውያን ናይ ገዛእ ርእሳ ቍጽሪ ሰሌዳ መኪና ምሃብን ምሕዳስን ከም ዘይተቋርጽ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነድ ፕራይስ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ "እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ዝተገብረ ጻዕሪ ዝተረኽበ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ ንምርግጋጽ ሕድገታት ክገብሩ ከድልዮም'ዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ኮሶቮ፡ ሕጂ’ውን 'ኬፎር ፎርስ' ዝተባህሉ ኣስታት 3700 ዓቀብቲ ሰላም ኔቶ ተዋፊሮም ይርከቡ።
ሓላፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ፡ "ሕጂ፡ ሓላፍነት ዝውሰደሉን ግብራዊ መፍትሕታት ዝመጽኣሉን ግዜ’ዩ። ወጥሪታት ምዕራግ ክውገድ ኣለዎ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

