'መጥቃዕቲ ሩስያ ምጽዋር ስለዘይከኣልና ካብ ግንባራት ኣንሳሒብና’- ኣዛዚ ሰራዊት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ዩክረይን፡ ብሰንኪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሩስያ፡ ኣብ ግንባር ዘሎ ኵነታት እናኸፍአ ከምዝመጸ ገሊጹ።
ኦሌክሳንድር ሲርስኪ፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶነስክ ካብ ቦታኦም ከምዝሰሓቡ’ውን ተዛሪቡ።
እቲ ኣዝዩ ዝድለ ቀረብ ሓደስቲ ኣጽዋር ኣመሪካ ቅድሚ ምብጽሑ፡ ሩስያ ኣብ ሓይሊ ሰብን መዳፍዕን ዘለዋ ብልጫ ክትጥቀመሉ ትፍትን ከምዘላ እዩ ዝገልጽ።
ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዩክረይን 61 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትህብ ተሰማሚዓ ኣላ።
ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ምትዕንቓፍ ኮንግረስ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብዚ ሰሙን ንዩክረይን፡ እስራኤልን ታይዋንን ዝውዕል 95 ቢልዮን ዶላር ፓኬጅ ሓገዝ ፈሪሙ።
ሰነት ኣብ ለካቲት ተመሳሳሊ ናይ ሓገዝ ፓኬጅ ኣጽዲቑ'ኳ እንተነበረ፡ ንሓድሽ ደገፍ ዩክረይን ዝቃወሙ ዓቃባውያን ጕጅለ ግን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናብ ድምጺ ንኸይቀርብ ከልኪሎምዎ ነይሮም።
ብዓርቢ ፔንታጎን ከም ኣካል ናይቲ ሓድሽ ወተሃደራዊ ሓገዝ ፓኬጅ ንፓትሪዮት ናይ ምክልኻል ኣየር ሚሳይላትን መዳፍዕን ናብ ዩክረይን "ክጓየየሉ" ምዃኑ ገሊጹ።
እንተዀነ፡ ሓደስቲ ኣጽዋር ኣመሪካ ናብቲ ብሕጽረት ተተኮስቲ ወተሃደራት ዝሳቐ ዘሎ ሰራዊት ዛጊድ ክበጽሐሉ ኣይከኣለን።
ጀነራል ሲርስኪ፡ ብሰንበት ኣብ ኣገልግሎት መልእኽቲ ተሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ኣብ ግንባር ዘሎ ኵነታት እናኸፍአ'ዩ" ኢሉ።
ንሱ፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ሓደ ኣካል ናይቲ ኣብ ለካቲት ብሩስያ ዝተትሓዘ መስመር ምክልኻል ዝዀነ ከባቢ ዶነስክ፡ ካብ ዝነበሮም ቦታታት ከምዝተሰሓቡ ኣረጋጊጹ።
ጀነራል ሲርስኪ ወሲኹ፡ ኣብቶም ከባቢታት ዝዓስከራ በራጊድ ዩክረይን ይቕየራ ከምዘለዋን፡ ክሳራ ዘጋጠመን ኣሃዱታት ንምትካእ ይረባረባ ከምዘለዋን ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣቐዲሙ ትማሊ ሰንበት ሰራዊታ ነታ ካብ ኣቭዲቭካ ንሰሜን ኣስታት 10 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ቁሸት ኖቫባክሙቲቭካ ከምዝተቘጻጸረ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣዛዚ ሃገራዊ ሓለዋ ዩክረይነ ኦሌክሳንድር ፒቭነንኮ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ሩስያ እትርከብ ካልአይቲ ከተማ ዩክረይን ዝዀነት ካርኪቭ ንምቍጽጻር፡ ፈተነ ክገብሩ ትጽቢት ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብለካቲት እዩ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ኮይኑ ዝተሾመ ጀነራል ሲርስኪ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ኩነታት ዓውደ ውግእ ምብራቕ እታ ሃገር "ከምዝተጋደደ" ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ቅድም ክብለ፡ ኣብ መንጎ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣዛዚን፡ ፕረዚደንት ዩክረይንን ቮሎድሚር ዘለንስኪን ፍሕፍሕ ከምዝነበረ ሕሜታት ነይሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
