ኣብያተ ትምህርቲ 'ብቅልጡፍ' መጽሓፍ ቅዱስ ክምህራ ዝኣዘዘት ግዝኣት ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ትምህርቲ ኦክላሆማ፡ ኣብያተ ትምህርቲ እታ ግዝኣት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ትምህርቲ ክምህራ ኣዚዙ።
እዚ ብሪፓብሊካ ተቖጻጻሪ እታ ግዝኣት ራያን ዋልተርስ ዝወጸአ መምርሒ፡ እቲ ሕጊ ግዴታ ምዃኑን "ህጹጽን ጽኑዕን" ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ሕጊ ንኹሎም ካብ ከባቢ 11 ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ተማሃሮ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝወሃብ ትምህርቲ ዝምልከት ክኸውን እዩ።
ሚስተር ዋልተርስ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መጽሓፍ ቅዱስ "መተካእታ ዘይብሉ ታሪኻውን ባህላውን መምርሒ" ክብል ገሊጽዎ።
"ተማሃሮ ኦክላሆማ ብዛዕባኡ መሰረታዊ ኣፍልጦ እንተዘይሃልይዎም ንመሰረት ሃገርና ብግቡእ ኣዛሚዶም ክርድእዎ ኣይክእሉን እዮም" ክብል ኣረዲኡ።
ዋልተር፡ ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ መምህር ታሪኽ ኮይኑ ዘገልገለን ኣባል ሰልፊ ሪፐብሊካን ኮይኑ፡ ኣብ 2022 ኣድልዎን ተነጽሎን ኣብ ምቅላስ ከምኡ’ውን "ኣኽረርቲ ጸጋማውያን" ካብ ስርዓተ ትምህርቲ ኦክላሆማ ንምውጋድ ኣብ ዝዓለመ መድረኽ፡ ድሕሪ ዘካየዶ ጎስጓስ እዩ ተመሪጹ።
እዚ ካብ ሓምሻይ ክሳብ 12 ክፍሊ ዘጠቓልል መምርሒኡ፡ ካብቶም ቤተክርስትያንን መንግስትን ዝተፈላለዩ ክኾኑ ኣለዎም ብዝብል ዝጣበቑ ትካላት ሲቪላዊ መሰላትን ጉጅለታትን ነቐፌታ ኣስዒቡሉ ኣሎ።
መራሒት ናይቲ ቤተክርስትያንን መንግስትን ክፈላለዩ ዝጉስጉስ ‘ኣሜሪካንስ ዩናይትድ ፎር ሴፓሬሽን ኦፍ ቸርች ኤንድ ስቴት’ ዝተብሃለ ምንቅስቓስ ዝኾነት ራቸል ሌዘር "ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ኣይኮናን" ምባላ ማዕከን ዜና ኤፒ ጠቒሱ።
"ዋልተር ሃይማኖታዊ እምነቱ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኩልና ንምጽዓን ንህዝባዊ ስልጣኑ ብዘይግቡእ ይጥቀም ኣሎ" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ዋልተርስ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ኣመሪካ ዓለማውያን ንኣምላኽ ካብ ዘይምእማን ተበጊሶም፡ ንእምነት ካብ ህዝባዊ ኣደባባይ ብምስጓግ መንግስታዊ ሃይማኖት ከም ዝፈጠሩ ይምጉት ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ጽሑፍ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ማሕበራት መማህራንን፡ ክብርታት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝጻረር መገዲ "ተማሃሮ ንደቂ ክፍሎም ከከም ዓሌቶምን ጾታኦምን ዝተፈላለየ ኣተሓሕዛ ክገብሩ ከም ዘለዎም ከምኡ'ውን ገና ኣብ ንእስነቶም ብዛዕባ ጾታዊ ርክባት ክምሃሩ ከምዝተገበረ” ነቒፉ ነይሩ።
ንሱ ኣብታ ግዝኣት ንዘሕለፎ መምርሒ ስዒቡ፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምሕላው ዝጽዕር ኣመሪካዊ ጉጅለ ‘ኪዳን ሃይማኖታት’ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ መምርሒ "ግሁድ ሃይማኖታዊ ግደታ" ኢሉዎ።
"ሓቀኛ ሃይማኖታዊ ናጽነት ማለት ዝኾነ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣሜሪካውያን ኣረኣእያኡ ክጽዕን ከምዘይፍቀደሉ ምርግጋጽ እዩ" ክብል ኣብ መግለጺኡ ወሲኹ።
ሉዊዚያና ኣብ ዝተብሃለት ግዝኣት ኣመሪካ ዘለዋ ኩለን ክሳብ ደረጃ ዩኒቨርሲቲ ዝርከባ ትካላት ትምህርቲ፡ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዘ ጽሑፍ ኣብ ውሽጢ መምሃሪ ክፍልታት ክጥቅዓ ካብ እትእዝዝ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝመልኦ እዩ እዚ መምርሒ ግዝኣት ኦክላሃማ ወግዓዊ ኮይኑ ዘሎ።
ድሕሪ መዓልታት ከኣ ኣብታ ግዝኣት ዝርከባ ትሽዓተ ስድራቤታት ንምምሕዳር ሉዊዚያና ዝኸሰሳ ኮይነን፡ እዚ ድማ ገለ ሰባት ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል ሕጋዊ ክትዓት ከምዝጅምር ዘመልክት ምዃኑ ይገልጹ ኣለዉ።
ቅድሚ ሕጂ’ውን ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ኣብያተ ፍርዲ፣ መደበራት ፖሊስን ኣብያተ ትምህርትን ሓዊሱ ኣብ ህዝባዊ ህንጻታት ምጥቅዑ ሕጋዊ ክትዕ ንኽካየድ ምኽንያት ኮይኑ ምንባሩ ይግለጽ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ 1980 ነቲ 10 ትእዛዛት ዝሓዘ ጽሑፍ ኣብ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ኣብያተ ትምህርቲ ክጥቃዕ ዝጠልብ ሕጊ ኬንታኪ ኣፍሪስዎ ነይሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
