ፖሊስ ኬንያ ኣብ ሓደ ገዛ ብኣሰጋገርቲ ዝተዓጸዋ 26 ኢትዮጵያውያን ረኺቡ

Published

ፖሊስ ኬንያ ብዘካየዶ ፈተሻ፡ ብኣሰጋገርቲ ኣብ ዘይተወደአ ህንጻ ዝተዓጸዋ 26 ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ረኺቡ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ፖሊስ ብሰኑይ ለይቲ ኣብ ማእከላይ እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ሙራንጋ ኣብ ዘካየዶ ፈተሻ ዝተረኸባ ኮይነን ኣብታ ሓንቲ ፍራሽ ጥራሕ ዘላታ ገዛ ንልዕሊ ሰሙን ከምዝጸንሓ ተሓቢሩ።

እተን ኢትዮጵያውያን ብዶብ ሞያለ ከምዝኣተዋን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ የምርሓ ከምዝነበራን ተገሊጺ ኣሎ።

ፖሊስ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኣሰሩን ፓስፖርተንን ተንቃሳቓሲ ስልከንን ከምዝሓዙን እውን ኣፍሊጦም።

ወናኒ እቲ ገዛ ብተመሳሳሊ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኮይኑ ነቶም ኣሰጋገርቲ ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ኣለሻ ከምዝቐጸለ ተገሊጹ።

ፖሊስ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ እታ ሃገር ጥሒሶም ዝኣተዉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ልሙዳት እዮም።

ኬንያ ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገብርዎ ሓደገኛ ጉዕዞ ዘቋርጽዋ ፈለማይቲ ሃገር እያ።

ንባዕላ እውን ኣማኢት ኣሻሓት ስደተኛታት ኣዕቊባ እትርከብ ኮይና፤ ኣብ 2021 ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ምስ ዝነብሩ ስደተኛታት ሓዊሱ ልዕሊ 500 ሽሕ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ሒዛ ምንባራ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

እዚኦም መብዛሕትኦም፡ ካብ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሶማሊያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ብሩንዲ፣ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ሩዋንዳን ካልኦትን ዝመጽኡ'ዮም።

ካብዚኦም እቶም ልዕሊ ፍርቂ ሶማላውያን ኮይኖም፡ ልዕሊ 29 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከም ዝኾኑ ሓበሬታ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።