'ማዕረ ደሞዝ የለን' ብምባል ቀዳማይቲ ሚኒስተር ኣድማ ምቍራጽ ስራሕ ገይራ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኣይስላንድ ካትሪን ጃኮብስዶቲር

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

Published

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኣይስላንድ ካትሪን ጃኮብስዶቲር ትርከበን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸራ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ሰሉስ ኣድማ ምቍራጽ ስራሕ ገይረን።

"ክቬናፍሪ" ወይ መዓልቲ ዕረፍቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ነቲ ኣብ ጾታ ዘሎ ዘይምዕሩይ ደሞዝን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ንምቅዋም እዩ ተጸዊዑ።

ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ዝበዝሓ ሰራሕተኛታት ዝዀናሎም ከም ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ስራሕ በዚ ጸገም ዝተጸለዉ እዮም።

እዚ ኣድማ ምቍራጽ ስራሕ ድሕሪ 1975 ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ናይ ምሉእ መዓልቲ ኣድማ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝዀነ ተፈሊጡ።

ብደቂ ኣንስትዮን 'ጾታ-ኣልቦ ['ነን-ባይነሪ' - ብኣንስታይ ወይ ተባዕታይ ጾታ ዘይጽውዑ] ሰባትን ኣብ ዝቐረበ ጻውዒት ኣድማ ንዝኽፈሎን ዘይክፈሎን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ክካየድ ተሓቢሩ’ሎ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኣይስላንድ ጃኮብስዶቲር ቅድሚ እቲ ተቓውሞ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ሎሚ መዓልቲ ኣይሰርሕን እየ። ኵለን ደቂ ኣንስትዮ [ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ዘለዋ] እውን ከምኡ ክገብራ ትጽቢት ኣለኒ" ኢላ።

መንግስታ፡ እቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝዕብለል ሞያታት ምስቲ ብልሙድ ብደቂ ተባዕትዮ ዝዕብለል ዓውድታት ስራሕ ክነጻጸር እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከምዘለዎ ይምርምር ምህላዉ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ትገልጽ።

ማሕበር መምህራን ኣይስላንድ ከምዘመልክቶ፡ 94 ሚእታዊት መምህራን መዋእለ ህጻናት ዝርከቦም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃታት ትምህርቲ እታ ሃገር ካብ ዘለዉ መምህራን እተን ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ኣብታ ሃገር እቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ኣይስላንድ እውን ኣስታት 80 ሚእታዊት ካብ ሰራሕተኛታቱ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ይዝረብ።

ኣይስላንድ ብዓለምለኸ ቍጠባዊ ፎረም (World Economic Forum - WEF ) ን14 ዓመታት ብተኸታታሊ ብጾታዊ ማዕርነት ኣብ ዓለም ዝበለጸት ሃገር ተባሂላ ክትስራዕ ጸኒሓ’ላ።

ግን ከኣ ምሉእ ብምሉእ ማዕርነት ዝተረጋገጸላ ኣይኰነትን።

ኣስታት 90 ሚእታዊት ካብ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ኣይስላንድ ኣብ 1975 ዘካየዳኦ ኣድማ ምቍራጽ ስራሕ እቲ ዝዓበየ ኰይኑ ተመዝጊቡ ነይሩ። እቲ ኣድማ ድማ፡ ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ንሕጊ ማዕረ ደሞዝ ከጽድቕ ደሪኽዎ።

ፕረዚደንት ኣይስላንድ ነበር ቪግዲስ ፊንቦጋዶቲር ኣብ 2015 ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ እቲ ኣብ 1975 ዝተኻየደ ኣድማ፡ "ኣብ ኣይስላንድ ንሓርነት ደቂ ኣንስትዮ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ" ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ 1980 ኣብ ዓለም ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መራሒት ሃገር ኰይና ዝተመርጸት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ክትከውን መንገዲ ከምዝጸረገላ ገሊጻ።