ፍልልይ ዕድመ ኣብ ሓዳር ስለምንታይ ከም ነውሪ ይቝጸር?

ፍልልይ ዕድመ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ 2019 ሓደ ብዙሕ ተመልከትቲ ዝረኸበ ትሕዝቶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ነይሩ - ንሊዮናርዶ ዲካፕሪዮ ዝምልከት’ዩ።

ሊዮናርዶ ኣብቲ እዋን ወዲ 44 ዓመት’ኳ እንተነበረ፡ ዕድሚአን 25 ዓመትን ትሕቲኡን ጥራይ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ከም መጻምድቲ ዝሕዝን ኵሉ ግዜ መበል 26 ዓመት ልደተን ቅድሚ ምብጽሑ ዝፈላለን ይመስል።

እቲ ትሕዝቶ ዝተሓዋወሰ ርእይቶ ረኺቡ፤ ገሊኦም ዲካፕሪዮ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምስሓብ ክእለቱ ክንእዱ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ምስ ዕድመኡ ዝመጣጠና ደቂ ኣንስትዮ ክደሊ ተማሕጺኖም።

እቶም ርእይቶታት፡ ኣብ ዙርያ መጻምድቲ ዝህሉ ፍልልይ ዕድመ ብዝምልከት ዘሎ ኣካታዒ ኣረኣእያታት ዘንጸባርቑ’ዮም።

ከምዚ ዓይነት ርክባት ንገሊኦም፡ ምንጪ ኣድናቖት ክዀኑ ይረኣዩ፤ ገሊኦም ድማ፡ ቅቡል ዘይኰነ ባህሪ ዘመልክቱ’ዮም ይብሉ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ 2014 ማእከላይ ፍልልይ ዕድመ መጻምድቲ 2.3 ዓመት’ዩ ነይሩ። ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኣስታት 8 ሚእታዊት መጻምድቲ ናይ ዕድመ ፍልልዮም 10 ዓመትን ልዕሊኡን እዩ።

ኣብ ገለ መጻምድቲ እቲ ፍልልይ ብዙሕ’ዩ፤ ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 1 ሚእታዊት መጻምድቲ ናይ 28 ዓመትን ልዕሊኡን ናይ ዕድመ ፍልልይ ኣለዎም።

ኣብ ዝምድናታት ኣብ ዝህሉ ፍልልይ ዕድመ ዝምልከት ዘለና ኣረኣእያታት ንኣሽሓት ዓመታት ብዝጸንሐ ፍልቀት ስነ-ልቦና፡ ከምኡ’ውን ብወለዶታት ማሕበራውን ባህላውን ስርዓታት ዝተጸልወ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመታት ዝተረኣየ ቍጠባዊ ለውጥን ምውሳኽ ጾታዊ ማዕርነትን ነቲ ከም ‘ንቡር’ ዝቝጸር ፍልልይ ዕድመ ቀይርዎ።

ይዅን’ምበር መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሕ ፍልልይ ዕድመ ዘለዎም መጻምድቲ ሕጂ’ውን ብዙሕ ተቐባልነት ኣይረኽቡን።

ገለ ክኢላታት እዚ ክቕየር ከም ዝኽእል ይኣምኑ፤ ካልኦት ግን መንእሰያት ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ፍቕሪ ዝህሉ ዝተሓዋወሰ ዕድመ ዘይቅበሉ እናዀኑ ክኸዱ ከም ዝኽእሉ ይምጕቱ።

ማሕበራዊ ድፍኢት

እቶም ባህሪ ዕርክነት ዲካፕሪዮ ዘይቅቡል እዩ ዝብሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኰኑን።

ናይ ዕድመ ፍልልይ ዘለዎም ርክባት ዘይምፍታው ኣዝዩ ልሙድ እዩ፤ ከም መብዛሕትኦም ነውሪ ባህርያት፡ ንኣሽሓት ዓመታት ካብ ዝጸንሐ ፍልቀት ከምኡ’ውን ካብ ናይ ቀረባ እዋን ማሕበራውን ባህላውን ምልክታት ዝምንጩ እዩ።

“ኣብ ብዙሕ ባህልታት፡ ምስ ብዕድመ ኣዝዩ ዝበልጸካ ሰብ ኣብ ፍቕሪ ምውዳቕ ቅቡል ኣይኰነን" ትብል ኣብ ዘ ቸልሲ ሳይኮሎጂ ክሊኒክን ሓባራዊት መስረቲትን ኣማኻሪት ስነ-ኣእምሮን ዝዀነት ዶክተር ኤሌና ቱሮኒ።

“ስድራቤት ንኽህልወና ዝግበር ድፍኢት፡ ምስ መን ርክብ ክንገብር ከም እንመርጽ ክጸሉ ይኽእል'ዩ - ብዓይኒ ስነ-ህይወት ከምኡ’ውን ክልቲኦም ወለዲ ነቲ ቈልዓ ንምዕባይ ብሓባር ብህይወት ንኽጸንሑ ብዝብል ክኸውን ይኽእል።"

ፍርያምነት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ካብ ኣስታት 35 ዓመት ዕድመኦም ጀሚሩ ክንኪ ይኽእል’ዩ፤ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ኣዝዩ ብቕልጡፍ ናይ ምጥናስ ዓቕመን ስለዝስእና መጻምድተን ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ክዀኑ ድሌት ክህልወን ዘገርም ኣይኰነን።

ብተወሳኺ ምስ ተመሳሳሊ ዕድመ ዘለዎ ሰብ ዝህሉ ርክብ ነዊሕ ክጸንሕ ተኽእሎ ከም ዘሎ መጽናዕትታት ይሕብሩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት እቶም መጻምድቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ህይወት ብድሆታትን ተመኵሮታትን ክሓልፉ ስለዝኽእሉ’ዩ።

ይዅን’ምበር እዞም ረቛሒታት ከም ዘለዉ ኰይኑ ማሕበረ-ቍጠባዊ ኵነታት ብዙሕ ናይ ዕድመ ፍልልይ ዘለዎም ሰባት ርክብ ክጅምሩ ክደፍኦም ይኽእል’ዩ።

ናይዚ ምኽንያታት ስነ-ህይወታውን ቍጠባውን እዮም።

ወዲ 50 ዓመት ሰብኣይ ውላድ ክረክብ እንተደልዩ፡ ምስታ ገና ኣብ ፍርያምነት ዕድመኣ ዘላ ርክብ ክምስርት ኣለዎ።

ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ብቍጠባዊ ሓይሊ ዝዕብልልዎም ሕብረተሰባት ድማ፡ እዚ ኣማራጺ ቀሊል እዩ።

ንምንታይ'ዩ ከም ነውሪ ዝርአ?

ደቂ ኣንስትዮ ዝዓበየ ቍጠባዊ ሓይሊ ኣብ ዝረኽባሉ ዘለዋ እዋን ግን፡ ስሕበት ናይ ሓደ ኣዝዩ ዝዓበየ መጻምድቲ ቀኒሱ እዩ።

ምስ ኣዝዩ ብዕድመ ዝበልጸና ሰብ ርክብ ምምስራት ሕጂ’ውን ከም ነውሪ ምርኣይ ቀጺሉ ኣሎ።

ከምዚኦም ዝበሉ መጻምድቲ ብሓጐስ ብሓባር ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ካብ ምግማት፡ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ዘይምዕሩይነት ርክብ ናይ ምጭናቕ ዝንባለ ኣሎ።

ብተወሳኺ እቲ ሓደ ወገን ንማሕበራዊ ደረጃ ወይ ንሃብቲ ኢሉ ናብቲ ርክብ ከም ዝኣተወ ምሕሳብ ልሙድ’ዩ።

ንኸምዚ ዝበለ ርክብ ዝገልጹ ፍሉይት ቃላት ከይተረፉ ኣለዉ፤ ዓቢ ሰብኣይ ‘ሹገር ዳዲ’፣ ንእሽቶ ሰበይቲ ‘ጎልድ ዲገር’ ከምኡ’ውን ዓባይ ሰበይቲ ‘ሹገር ማሚ’ ወይ ‘ኩጋር’ ንእሽቶ ወዲ ‘ቶይቦይ’ ፡ ብዝብሉ ቃላት ክግለጹ ምስማዕ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን።

ኣብ 2007 ሓዳር ዝመስረቱ ኢማኑኤልን ብሪጂት ማክሮንን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣዘራራቢ ኰይኑ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2007 ሓዳር ዝመስረቱ ኢማኑኤልን ብሪጂት ማክሮንን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣዘራራቢ ኰይኑ እዩ

ምስ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ርክብ ክምስርታ ዝመርጻ ዕብይ ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ከም ነውረኛታት ዝቝጸራ ይመስል።

“ንሕና ደቂ ሰባት ፈረድቲ ኢና” ትብል ፕሮፌሰር ግሬስ ሎርዳን። “ሓደ ሰብ ዝገብሮ ነገር ምስቲ እንጽበዮ ዘይሰማማዕ እንተዀይኑ ድማ ትኹረት ንገብረሉ።”

ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ደቂ ኣንስትዮ ወቐሳ ከም ዘጋጥመን እታ ፕሮፌሰር ትጠቅስ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ምስታ ካብኡ ብ24 ዓመት እትዓቢ ሰበይቱ ምምርዓው ኣዘራራቢ ኰይኑ ነይሩ። ርክብ ጓል 41 ዓመት ኪም ካርዳሽያንን ወዲ 28 ዓመት ፒት ዳቪድሰን እውን ከምኡ።

ከም ነውሪ ምቝጻር ክተርፍ ይኽእል ድዩ?

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝያዳ ናጽነትን ተዓጻጻፍነትን ዝረኣየሉ ዘመን ስለዘለና ኵሉ ዝምድናታት ዝተፈላለየ እዩ ዝብል እምነት ተቐባልነቱ ይውስኽ ኣሎ።

ብዙሕ ዓይነት ዝምድናታት ከም ንቡር እናተቘጽሩ ምስ ዝኸዱ፡ ሰባት መሰል ናይቶም ናይ ዕድመ ፍልልይ ዘለዎ ርክብ ክምስርቱ ዝመረጹ መጻምድቲ ከኽብሩ ከም ዝጅምሩ ክኢላትት ይእምቱ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ከምዚኦም ዝበሉ ርክባት ከም ነውሪ ምቝጻር እናነከየ ይኸይድ ከምዘሎ ዘርኢ መርትዖ ውሑድ’ዩ።

ብፍላይ መንእሰያት ኣብ ርክብ ዝህሉ ፍልልይ ዕድመ ዝተቐበልዎ ኣይመስሉን።

ማሕበራዊ ለውጥታት ብመንእሰያት ከም ዝምራሕ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ንሳቶም እንተዘይተቐቢሎምዎ እቲ ነውሪ’ዩ ዝብል ሓሳብ ዝያዳ ሱር ክሰድድ ተኽእሎ ኣሎ።