ቴክሳስ: ስደተኛታት ናብ መንበሪ ገዛ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ሰዲዳ

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK

Published

ግዝኣት ቴክሳስ: ክልተ ስደተኛታት ዝጸዓና ኣውቶቡሳት ናብ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ሰዲዳ።

ኣመሓዳሪ ሪፓብሊካን ቴክሳስ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዙርያ ስደተኛታት እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ክትዕ ኮነ ኢሉ እዩ ከምኡ ገይሩ።

እቲ ምምሕዳር፡ ነቶም ስደተኛታት ናብ መንበሪ ገዛ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራት ካማላ ሃሪስ ብምልኣኽ ፡ ክትክተሎ ዝግባእ ተሪር ፖሊሲታት ስደተኛታት ኣዘኻኺሩ።

እዞም ካብ ግዝኣት ቴክሳስ ዝመጹ ስደተኛታት፡ ኣብዚ ሰሙን ብሓሙስ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተላእኩ ኮይኖም፡ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ድማ፡ ፍሎሪዳ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብ ደሴት ማሳቹሰትስ ስደተኛታት ሰዲዳ እያ።

ክልቲአን ግዝኣታት ብሪፓብሊካውያን ፖለቲከኛታት ዝመሓደራ ኮይነን፡ ስደተኛታት ናብ ብዲሞክራት ዝመሓደራ ግዝኣታት ምልኣኽ ድማ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ መይላ ኮይኑ ኣሎ።

ቁጽሪ ናይቶም፡ ብዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ዝኣትዉ ስደተኛታት እናነሃረ ብምምጽኡ እቲ ፖለቲካዊ ወጥሪ እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ።

ብፍላይ ከም ቴክሳስን ኣሪዞናን ዝኣመሰላ ግዝኣታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ከም በዓል ቺካጎ፡ ኒውዮርክን ዋሽንግተን ዲሲን ዝኣመሰላ ከተማታት ብምልኣኽ፡ ሕጊ ኢሚግሬሽን ዕሽሽ ከምዝተብሃሉ ከርእያ ዝደለያ ይመስላ። እዚ መይላ ግን፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ክብዳሕ ከምዝኽእል ክኢላታት ሕጊ ይዛረቡ እዮም፡ እንተኾነ ግን ቀጺሉ እንታይ ከምዝግበር ንጹር ኣይኮነን። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ማሳቹሰትስን ዝርከቡ ተሓለቕቲ ጉጅለታት ስደተኛታት፡ ብዛዕባ እቲ ምስጓግ ኣቐዲሙ ከምዘይተነግሮም ገሊጾም። ፎክስ ኒውስ፡ ካብ 75 ክሳብ 100 ዝዀኑ፡ ካብ ቬንዙዌላ ዝመጹ ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ ኣውቶቡሳት፡ ኣብ ኣፍ ደገ መንበሪ ገዛ ምክትል ፕረዚደንት ጠጠው ኢለን፡ ሻንጣ ከራግፋ እንከለዋ ኣርእዩ። ጸኒሑ ድማ ሓደ ዘይመንግስታዊ ትካል መጺኡ ናብቲ ቤተክርስትያን ከም ዘግዐዞም ተገሊጹ። "ካማላ ሃሪስ 'ዶብና ውሑስ እዩ' ብምባል፡ ነቲ ቅልውላው ትኽሕዶ ኣላ" ክብል ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ግረግ ኣቦት ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ንሱ፡ ወሲኹ፡ "ምምሕዳር ባይደን ስርሑ ክሰርሕን ዶብ ከውሕስን ንምዝኽኻር ኢና፡ ስደተኛታት ናብ ሕጎኣ [ሃሪስ] ንሰደላ ዘለና" ኢሉ።

'ተረሲዕና ኢና ዘለና'።

ካብቶም ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝነበራ ኣውቶቡሳት ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ብማእከላይ ኣመሪካን ሜክሲኮን ኣቢሎም ድሕሪ ዝገበርዎ ኣጸጋሚ ጉዕዞ ናብ ኣመሪካ ዝኣተዉ፡ ዴሊንየር መንዶዛን መጻምዱ ማይቤልን ዝበሃሉ መንእሰያት ቬንዙዌላውያን ይርከብዎም።

ሰበስልጣን ቴክሳስ ነቶም መጻምድቲ ናብ ዋሽንግተን ከም ዘምርሑ ክነግርዎም እንከለዉ፡ እዞም መጻምዲ ኣብ መንበሪ ገዛ ምክትል ፕረዚደንት ከም ዘለዉ ብጋዜጠኛታት ምስ ተነግሮም ጥራይ እዮም ፈሊጦም።

ማይቤል፡ "ንሕና ይፈለጥኩን። ብዛዕባ እዚ ካባኻትኩም ኢና ንሰምዕ ዘለና... ተረሲዕና ኢና ዘለና፤ ኣበይ ከም ዘለና ኣብዚ ክንዛወር ኢልና ሓሲብና ነይርና" ኢላ።

እዞም ጽምዲ፡ ናብ ኣባላት ስድረኦም ቅድሚ ምኻዶም፡ ናብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ሰብኣዊ ትካል ክኸዱ መደብ ከምዘለዎም ገሊጾም።

ካልእ ስደተኛ ኩባዊ ዜጋ ሊዮናርዶ ፐርዶሞ፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሰበስልጣን ናብ ዋሽንግተን ‘ብነጻ’ ክሓልፍ ድሕሪ ምፍቃዶም፡ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ኣውቶቡስ ከምዝተሰቐለ ገሊጹ።

ነቶም ስደተኛታት እትሕግዝ ወለንተኛ ናይቲ ከባቢ ካርላ ቡስቲሎስ፡ ትካላት ስደተኛታት ብዛዕባ እቶም ዝመጹ ሰባት ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ጥራይ ከምዝተነግረን ገሊጻ።

 "እዚ ፖለቲካዊ ምርኢት ክንገብር ከለና፡ ደቂ ሰባት ስቓዮም ዝምዝመዝ ዘሎ ኮይኑ ይስመዐና ኣሎ" ኢላ።