ኣዲዳስ፡ ክሳራ ካንዬ ዌስት የዚ ከምዝጐድኦ ኣሚኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣዲዳስ፡ ምስ ካንዬ ዌስት ዝነበሮ ምትሕብባር ብምቁራፁ ንስራሕቲ ንግዱ ይጐድኦ ከም ዘሎ ተኣሚኑ። ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝነበሮ መሸጣ ኣዝዩ ከም ዝተሃሰየ ድማ ሓቢሩ።
እዚ ስፖርታዊ ዕጥቂ ዘፍርይ ገዚፍ ትካል፡ እቲ ብ ዬ ዝፍለጥ ዲዛይነርን ራፐርን ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝሃቦ ፀረ-ሴማዊ ርኢቶታት ስዒቡ ዝነበሮ ርክብ ከም ዘቋረፀ ይፍለጥ።
ኣካያዲ ስራሕ ኣዲዳስ ዮርን ጉልደን፡ እቲ ዝነበረ ንግዳዊ ምትሕብባር ብምቁራፁ፡ ኣብ መፈለምታ ርብዒ ዓመት ክሳራ 400 ሚልየን ዩሮ ከም ዘጋጠመ ገሊፁ። ሓፈሻዊ ኣታዊ ድማ ብ ሓደ ሚእታዊት ነክዩ።
እዚ ምንቁልቋል ሽያጥ ከም ዘሎ ኰይኑ፡ እቲ ኣሃዛት ግና ተንተንቲ ትፅቢት ካብ ዝገበርሉ ዝሓሸ ከም ዝኾነ እዩ ዝግለፅ።
ኣዲዳስ፡ ፅልዋ ንግዲ የዚ ኣብ ዝተገለሉ እዋን መሸጣ ብ ትሽዓተ ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ገሊፁ።
ኣዲዳስ፡ ካብቲ ሕዚ ተጠላቢ ኰይኑ ዘሎ ጫማታት ‘ቴራስ’ ተጠቃሚ ከምዝኾነን፡ ሳምባ፣ ጋዘልን ካምፓስን ኣብ ዝተብሃሉ ሕላገታት እውን “ዘይተለመደ ጠለብ” ይርእይ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ቅድታት ጫማ ቴራስ፡ ኣብ መፈለምታ 1980ታት ብዝነበሩ ኣፍቀርቲ ኵዕሶ እግሪ ኣመና ተፈታውቲ ዝነበሩ እዮም።
ንግዲ የዚ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብምብቅዑ፡ መሸጣ ኣዲዳስ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብ20 ሚእታዊት ነክዩ እዩ።
እቲ ኩባንያ፡ ዌስት ዝሃቦም ፀረ-ሴማዊ ርኢቶታት ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ 2022 ምስቲ ራፐር ዝነበሮ ርክብ ከም ዝበተኸ ይዝከር። ኣብቲ እዋን እቲ ትካል፡ “ኣዲዳስ ፀረ-ሴማውነትን ካልእ ናይ ፅልኢ ዘረባታትም ኣይፃወርን” ኢሉ ነይሩ።
ኣዲዳስ፡ እንተድኣ ነቶም ዘይተሸየጡ ጫማታት የዚ መሊሱ ክጥቀመሎም ወሲኑ፡ ኣብዚ ዓመት ንዝተፃረየ ትርፉ ብ 500 ሚልየን ዩሮ ከምዝሃስዮ ገሊፁ።
ኩባንያ ኣዲዳስ፡ ነዞም ዝተረፉ ፍርያታት የዚ ክሸጦም ድዩ ክጕሕፎም ዝብል ግና ገና ክውስን እዩ።
ተጠቃዓይ ሕማም ምልውዋጥ ስምዒት (ባይፖላር ዲስኦርደር) ዝኾነ ዬ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ምስ ብዙሓት ፍሉጣት ትካላት ናብ ምስሕሓብ ዝኣተወ እንትኾን፡ ብዙሓት ምስኡ ዝነበሮም ርክብ ከም ዘቋረፁ ይፍለጥ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
