እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያን ዩክረይንን ዝፈጸማኦ መጥቃዕቲታት ኣብ ከባቢ ጸሊም ባሕሪ ጉድኣት ኣውሪዱ
ሩስያ ዝተፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ዩክረይን ማይኮላይቭ ንዝርከቡ ኣባይትን ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓትን ከም ዘዕነወ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም።
ኣብታ ብተደጋጋሚ ብሓይልታት ሩስያ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ኣብ ጥቓ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ከተማ፡ ብውሕዱ ሰለስተ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቘሰሉ ተገሊጹ።
መንግስታዊ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ዩክረይን፡ ድሕሪ'ቲ ብሚሳይል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ዘርኢ ስእሊ ለጢፉ።
ሰበስልጣን ሩስያ ድማ፡ ሎሚ ሰንበት ንግሆ ኣብ ጥቓ መዘናግዒ ጸሊም ባሕሪ ሩስያ ሶቺ - ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ መኽዘን ነዳዲ መጥቃዕቲ ድሮናት ዩክረይን ከም ዝተፈጸመ ከሲሶም።
ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ - ኣውራጃ ኣድለር - ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ሶቺ በረራታት ደው ኣቢሉ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ክራስኖዳር ቬንያሚን ኮንድራትየቭ ኣብ ተሌግራም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስብርባር ድሮናት ንታንከር ነዳዲ ከም ዝሃረመን፡ 127 መጥፋእቲ ሓዊ ድማ ነቲ ንዕኡ ስዒቡ ዘጋጠመ ባርዕ ንምጥፋእ ይቃለሱ ከም ዘለዉን ገሊጹ።
እዚ መጥቃዕቲ ድሮናት ሓደ ካብቶም ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ብዩክረይን ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲ ኰይኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ሩስያ ከተማታት ርያዛን፡ ፔንዛን ቮሮነዝን ንዝርከቡ ትካላት ዒላማ ዝገበረ እዩ።
ኣመሓዳሪ ከተማ ቮሮነዝ፡ ብሓደ መጥቃዕቲ ድሮን ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝቘሰሉ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝያዳ ዓለምለኻዊ እገዳ ክግበር ጸዊዑ ነይሩ።
ሩስያ ኣብቲ ብሓሙስ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 300 ድሮናትን ሸሞንተ ክሩዝ ሚሳይላትን ከም ዝተወንጨፉ ሰበስልጣን ዩክረይን ገሊጾም።
እዚ መጥቃዕቲ ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካብ ዝፈጸሙ ቀተልቲ መጥቃዕትታት ሓደ ከም ዝዀነ ገሊጾም።
ፕረዚደንት ትራምፕ ንተግባራት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ብምኹናን ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ሓድሽ እገዳ ከም ዝስዕብ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ሩስያ፡ እዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ፍንፉን'ዩ ዝመስለኒ። ፍንፉን'ዩ ዝመስለኒ፡" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
ኣብ ሓምለ ትራምፕ፡ ፑቲን ነቲ ኲናት ከብቅዕ 50 መዓልታት ከም ዘለዎን፡ እንተዘይኰይኑ ሩስያ ነዳዲኣን ካልእ ሰደድን ዒላማ ዝገበረ ከቢድ ቀረጽ ከም ዘጋጥማ ገሊጹ ነይሩ።
ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ድማ፡ ሩስያ ኣብ ውሽጢ "ዓሰርተ ወይ 12 መዓልታት" ምስ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ኲናት ደው ከተብል ሓድሽን ሓጺርን ናይ ግዜ ገደብ ኣቐሚጡ።
ድሒሩ ሓድሽ ናይ ግዜ ገደብ ኣቐሚጡ፡ እዚ ድማ ኣብ 8 ነሓሰ ክውዳእ እዩ።