ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ንፈለማ እዋን መቐለ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, TIGRAI TELEVISION
ፓትርያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ፡ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ንፈለማ እዋን ናብ ትግራይ ኣምሪሖም።
እቶም ፓትርያሪክ፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ትማሊ ብሞት ዝተፈለዩ ኣቡነ ዮሃንስ ክሳተፉ እዮም ናብ መቐለ ኣትዮም።
ሓላፊ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣባ ፍሬምናጦስ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን፡ ብጹዕ ኣቡነ ዮሃንስ ዳግማዊ ትማሊ 21 ለካቲት 2015 [ግእዝ] እዮም ዓሪፎም።
ኣቡነ ማትያስ፡ ኲናት ትግራይ ካብ ዝለዓል ንደሓር ናብ ትግራይ ከምርሑ ንፈለማ እዋን እዩ።
ቀዳማዊ ፓትርያሪክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ማትያስ፡ ብኻልኦት ብጹኣን ጳጳሳት ተዓጂቦም እዮም ከይዶም።
ፓትርያሪክ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ - መቐለ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን፡ ብመራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሎም ተሌቪዥን ትግራይ ሓቢራ ።
ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ኣክሱምን ኣብ መብዛሕትኦም ከባቢታት ትግራይ ዝርከቡ ኣብያተ እምነትን ቅርስታቶምን ዝምታን ዕንወትን ክፍጸም እንከሎ፡ ካህናት፡ ዲያቆናትን መዘምራንን ዝርከብዎም ኣመንቲ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝተፈጸመሎም ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብቲ እዋን ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፡ ብቪድዮ ኣብ ዝተቐድሐ መልእኽቶም፡ ቃሎም ንኸየስምዑ 'ተዓፊኖም' ምጽንሖም ጠቒሶም ነይሮም።
ጳጳሳትን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ፡ "ጠቕላይ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ነቲ ኲናት ደጊፉን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነትን ኣመንትን መጥቃዕቲ እንክወርድ ትም ኢሉን እዩ" ብዝብል ናይ ባዕሎም ቤተ ክህነት ከጣይሹ ወሲኖም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ምስ ኣብያተ ክርስትያናት ትግራይ ዳግማይ ርክብ ንኽጅመር ምሕታታ ዝዝከር ኰይኑ፡ ካብ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
እቶም ፓትርያሪክ ኣብ ናይ መቐለ ጻንሒቶም፡ ብዛዕባ እዚ ዝተበተኸ ርክብ ክዘራረቡሉ ድዮም ኣይኰነን ግን ዝተፈልጠ የለን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
