ንትራምፕ ንምቕንጻል ኣቐዲሙ ወለዱ ዝቐተለ መንእሰይ

ካብ ኣመሪካ ዊስኮንሲን ዝዀነ ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ፡ ከም ኣካል ናይቲ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንምቕታል ዝተወጠነ ዝዓበየ ውዲት ንወለዱ ከምዝቐተለ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣፍሊጡ።
ወዲ 17 ዓመት ኒኪታ ካሳፕ፡ ብ28 ለካቲት 2025 ኣብ ገዛኦም ሞይቶም ንዝተረኽቡ ጓል 35 ዓመት ኣደኡ ታቲያና ካሳፕ ከምኡ'ውን ንወዲ 51 ዓመት ሰብኣይ ኣደኡ ዶናልድ ማየር ብምቕታል ተኸሲሱ።
ኣብ ተሌፎን እቲ ጥርጡር፡ ምስ ጕጅለ ኒዮ-ናዚ ዝተኣሳሰር ንኣዶልፍ ሂትለር ዝንእድ መልእኽቲ ዝሓዘ ጽሑፍ ከምዝተረኸበ ይገልጽ።
መርመርቲ፡ እቲ ተኸሳሲ ንትራምፕ ንምቕታል ዝሓንጸጾ መደብ ከም ኣካል ናይቲ ንመንግስቲ ንምውዳቕ ዝዓለመ ሰፊሕ ውጥን ብዝርዝር ዝገለጸሉ ጸረ-ሴማውያን ጽሑፋት እውን ከምዝረኸቡ ሰነድ ቤት ፍርዲ ይሕብር።
እቲ ጥርጡር ብቐዳማይ ደረጃ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ቅትለትን ካልኦት ሸውዓተ ገበናትን ተኸሲሱ ኣሎ። እዚ ድማ ሬሳ ምሕባእን ስርቂ መንነትን የጠቓልል።
ኣስከሬን ወለዱ ክርከብ ዝኸኣለ ከኣ እቲ መንእሰይ ንኽልተ ሰሙን ናብ ቤት ትምህርቲ ብዘይምኻዱ፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ናብ ገዛኦም ኣብ ዝኸዱሉ እዋን'ዩ።
ሚስተር ማየር ኣብ ርእሱ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ክመውት እንከሎ፡ ሚስ ካሳፕ ድማ ኣብ 11 ለካቲት ወይ ከባቢኡ ብብዙሕ ጥይት ተወቒዓ ከምዝሞተት ገበናዊ ክስታት የመልክት።
ሬሳኦም ኣብ ዝተረኽበሉ መዓልቲ፡ እቲ ተኸሳሲ መንእሰይ'ውን ናይ ሚስተር ማየር መኪና እናዘወረ እንከሎ ብፖሊስ ግዝኣት ካንሳስ ከምዝተትሓዘ መርመርቲ ገሊጾም።
ኣብታ መኪና፡ ሽጉጥ ስድራኡ፡ ኣርባዕተ ናይቶም መጻምድቲ ክረዲት ካርድ፡ ብዙሕ ክቡር መጋየጽታት፡ 14 ሽሕ ዶላር ጥረ ገንዘብን ከምዝተረኸበ ኣብ ክስታቱ ተጠቒሱ።
መርመርቲ ኣብ ዝረኸብዎ ጽሑፋት፡ እቲ ጥርጡር እምነታት ልዕልና ጸዓዱ ከምዘሰጕም ዘመልክቱ ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ ሰውራ ንምጅማር ትራምፕ ንኽቕተል ዝጽውዑ መልእኽትታት ተረኺቦም ተባሂሉ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ወለዱ ፈጺምዎ ዝተበሃለ ድርብ ቅትለት ከኣ "ውጥናቱ ንምፍጻም ዘድሊ ፋይናንሳዊ ዓቕምን ምሉእ ናጽነትን ንምርካብ ብዝብል ከምዝመስል" መርመርቲ ይገልጹ።
ሰነዳት ቤት ፍርዲ ከም ዝሕብርዎ፡ እቲ ጥርጡር ምስ ኣብ ሩስያ ዝርከቡ ሰባት ብዛዕባ ወለዱ ንምቕታል ዝሓንጸጾ መደባት ይዘራረብ ነይሩ።
እቲ መንእሰይ ኣብ መጥቃዕቲ ንዝጥቀመሎም ሰብ ኣልቦ ነፋሪትን ነተጕትን ክፍሊት ከም ዝፈጸመን፡ ድሕሪ ተግባራቱ ከኣ ናብ ዩክረይን ክሃድም መደብ ከምዝነበሮ ሰብመዚ ሓቢሮም።
መርመርቲ፡ "ብዛዕባ እቲ ንፕረዚደንት ናይ ምቕታልን ንመንግስቲ ኣመሪካ ምውዳቕን ዝሓንጸጾ መደብ ምስ ካልኦት ኣካላት ይራኸብ ነይሩ" ክብሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
እቲ ጥርጡር ብ9 ሚያዝያ መባእታዊ መስርሕ ቤት ፍርዲ ነይርዎ። ነቲ ዝቐረበሉ ክሲታት ግን ጥርዓን ኣይኣተወን።
ቀጻሊ ኣብ 7 ግንቦት ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑን ኣብኡ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲታት ብወግዒ ከምዝወሃቦን ቤት ፍርዲ ሓቢሩ'ሎ።
ኣብዚ ሕጂ ብሓደ ሚልዮን ዶላር መሰል ዋሕስ ተታሒዙ ይርከብ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
