እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቀን ንልመና ዘዋፈራ ኣደታት ተፈሪደን
ኣብ ዩጋንዳ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ንልዕሊ 100 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ደቀን ንልመና ከምዘዋፈራ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ነፍሲ ወከፈን ንሓደ ወርሒ ናይ ማሕበረሰብ ኣገልግሎት ክህባ ፈሪድወን።
ብተወሳኺ እቲ ቤት ፍርዲ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ናብታ ከተማ ከይምለሳ ኣጊዱ ኣሎ።
ኣብ ክንድኡ፡ ናብታ ኣብ ሰሜን ኡጋንዳ እትርከብ ናፓክ እትበሃል መበቆል ዞባአን ክኽዳ ከምዝኣዘዘ ጋዜጣ ዳይሊ ሞኒተር ሓቢራ።
እተን ኣደታት ምሕረት ክግበረለን ከምዝለመና፡ ገሊአን መበለታት ገሊአን ድማ ዘይተመርዐዋ ኣደታት ምዃነን ከም ዝገለጻ ድማ፡ ብመንግስቲ ዝውነን ጋዜጣ ኒው ቪዥን ሓቢራ።
"ብኽያተን ሰሚዐዮ ኣለኹ፡ [ናይ ማእሰርቲ] ፍርዲ ግቡእ ኣይኰነን። እንተዀነ ንማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት ክፈርደን እየ። ከምኡ እንተዘይገይርክን፡ ናይ ሓደ ወርሒ ማእሰርቲ ከተሕልፉ ኢኽን" ኢሉ እቲ ጉዳይ ዝተመልከት ዳኛ ኤድጋር ካራኪረ።
ንህጻናት ምጽዋት ክሓቱ ወይ ክልምኑ ምልኣኽ ኣንጻር ሕጊ ሓለዋ ህጻናት ዩጋንዳ ኮይኑ፡ ዝለዓለ ክሳብ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ዘፍርድ እዩ።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቅድሚ ኣብኡ ዝተኣንገዱ ሰለስተ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ዋዕላታት፡ ለመንቲ ካብ ርእሰ ከተማ ንምስጓግ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዋ እየን።
እቶም ህጻናት ናብታ ኣብ ማእከላይ ዩጋንዳ እትርከብ፡ ዝደሓኑ ህጻናት ዘዕቑቡሉ መካነ ህጻናት ማሱሊታ ተወሲዶም ኣለዉ።