እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩጋንዳ፡ ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ዝወሃብ ስነልቦናዊ ምኽሪ ከመይ ይመስል?
ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት መንእሰያት ብፍላይ ስደት ብዝፈጠሮ ኵነታት ኣብ ዘይርጕእ ኵነተ ኣእምሮ ክነብሩ ይስትውዓል እዩ።
ካብቲ ዝዓበዩሉን ነዖኦም ኢሉ ዝተፈጥረን ተፈጥሮኣውን ማሕበራውን ከባቢ እናረሓቝ ኣብ ዝኸዱሉ ድማ፡ እቲ ጸገማት እናበኣሰ፤ ምስቲ ናብ ድሌታቶምን ሕልምታቶም ንምብጻሕ ዝሓልፍዎ መገዲን ብድሆታቱን ክተሓላለኽ ይርአ እዩ።
ብዙሓት ግን ግዳይ ስነኣእምሮኣዊ ነውጺ ኰይኖም ከብቅዑ፡ ንጸገማቶም ብግሁድ ዝዛረበሉን መፍትሒ ከናድዩሉን ኣይረኣዩን።
ጠንቂ'ዚ፡ ብሓፈሻ እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዝጸንሐ ምስ ስነኣእምሮኣዊ ጸገማት ዝተኣሳሰሩ ነገራት ከም ኢንታ ወይ ኣበር ጌርካ ናይ ምውሳድ ግጉይ መረዳእታ ምዃኑ ሞያውያን ይገልጹ።
ስለዚ፡ ዝዀነ ሰብ ሓገዝ ኣክንዲ ክሓትት ክሕባእ ይቐሎ። ምኽንያቱ፡ እቲ ከይብሉኒ ዝብል ስክፍታ ኣብቲ ሕሙምን መቕርቡን ስለዘሎ፡ ቤተሰቡ እውን ሕብረተሰብ ከይንጽሎም ስለዝሰግኡ ክሰትርዎ ይረኣዩ።
ብርግጽ እዚ ጸገም ኣእምሮ ኣብ እዋኑ ሓገዝ ምስ እንሓትት ከም ዝዀነ ካልእ ሕማም ተሓኪሙ ክፍወስ ዝኽእል ግዝያዊ ናይ ጥዕና ጉድለት እዩ።
ምናልባት ግዜ እናወሰደን ክረኽቦ ዝግባኦ ሞያዊ ሓገዝ ምስ ዘይረክብ ግን ከቢድን ብቐሊሉ ዘይፍወስን ሕማም ክኸውን ከም ዝኽእል እያ ሞያዊት ሓኪም ስነልቦና ዝዀነት ሞና ዮሴፍ ትመክር።
እቲ ዘሕዝን፡ ኣብዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ስደት ኣብ ዝርከቡ መንእሰያት ብተደጋጋሚ እቲ ጸገም ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ እናገነነን ኣደዳ ከቢድ ሳዕቤናት እናገበሮምን ይኸይድ ምህላዉ'ውን እታ ሞያዊት ትመክር።
ሞና ዮሴፍ፡ ኣብዚ እዋን ኣብቲ ብኤርትራዊት ሄለን ሃብተስላሰታብ ካምፓላ ዝተመስረተ ክሊኒክ ሓፈሻዊ ሕክምና ኢስት ኣፍሪቃ፡ ፍወሳዊ ምኽርን ማዕዳን ትህብ ዘላ 'ሳይኮተራፒስትን' ኣማኻሪትን እያ።
ነቲ ምስ ስደት ዝተሓሓዝ ስነኣእምሮኣዊ ጸገማት ኣመልኪትና ኣብ ካምፓላ ረኺብና ኣዘራሪብናያ።
ሞና፡ ኣብታ ብዙሓት ኤርትራውያን ተሰዲዶም ዝነብሩላ ዘለዉ ዩጋንዳ ትነብር ብምህላዋ፡ ብቐረባ ነቲ ኣብ ስደኛታት ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ምስ ስነኣእምሮ ዝተተሓሓዘ ጸገማት ብግብሪ'ውን ትነብሮ ብምህላዋ፡ ሞያ ሓፈሻዊ ምኽሪ ብፍቕሪ ከም እተካይዶ እያ ትገልጽ።
ሓላፍነት እቲ ሞያ
ኣብ ዝዀነ ሕክምና፡ ክፍሊ 'ሳይኮተራፒ' ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ "ብፍላይ ኣብ ናትና ማሕበረሰብ ስደት ዘምጽኦ ቅዛነት (ኣንዛየቲ)፡ ድሕሪ ጭንቀት/ስንባደ ዘሎ ወጥሪ ኣእምሮ (post-traumatic-stress-disorder)፣ ጸቕጢ (ዲፕረሸን) ስለዘጋጥም እዩ፡" ብምባል ተረድእ።
ሞና ኣተሓሒዛ፡ እቲ ኣገልግሎት ምኽሪን ማዕዳን ኣብ ምስ ስደትን ሳዕቤናቱን ዝመንቀሊኦም ስምዒታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኢስት ኣፍሪቃ ሓፈሻዊ ክሊኒክ፡ ንነፍሰጾር ኣደታት ዝወሃብ ኣገልግሎት ምኽሪ ከም ዘሎ'ውን ተረድእ።
እዚ ግን እንታይ እዩ?
"ነፍሰጾራት እውን ኣገልግሎት ምኽሪ የድልየን እዩ፤ ምኽንያቱ ምስ ምልውዋጥ ሆርሞናት ዝህልወን ቅዛነት ወይ ምስ ሕርሲ ዝመጽእ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ፡ (postpartum depression) ስለዘጋጥም፡ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ቅድሚ ምብጽሐን፡ ቅድሚ ዝኣገረ ሓበሬታ ወሲደን ኣፍልጦአን ከዕብያ ኣብዚ ክሊኒክ ሓገዛት ይረኽባ እየን፡” ትብል።
ምስዚ ኣተሓሒዛ ንኵነታት ስነኣእምሮኣዊ ጸገማት ከተረድእ እንከላ፡ ሞና፡ ሓደ ሰብ ብዘጋጥሞ ሓደ ኵነት ተደሪኹ ወይ ከም ሳዕቤኑ ንሓሳቡ ምጥርናፍን ኣእምሮኡ ምግንዛብን ክስእን እንከሎ፡ ዝወሃቦ ኣገልግሎት ምኽሪ ኣሎ፡ ብምባል፡ እቲ ከምዚ ዝበለ ስምዒታት ምልክታት ምጅማር ስነኣእምሮኣዊ ጸገም ምዃኑ ተገንዝብ።
ንኵነታት እቶም በዚ ጸገማት'ዚ ዝጥቅዑን ፍወሳኡን ኣመልኪቱ ዝወሃብ መድሃኒታትን ኣወሳስዳኡን ኣመልኪታ ከተረድእ እንከላ፡ ብዙሓት መድሃኒቶም እናተኸታተሉ ሓገዝ ይግበረሎም እዩ።
ምኽንያቱ መድሃኒት ምውሳድ ጥራይ ዘይኰነስ ከይተጨነቍ ነቲ ጸገሞም ተቐቢሎም ብኸመይ፡ ምስቲ ጸገሞም ክነብሩ ይኽእሉ ኣብ ዝብል'ውን ሓገዝ ምኽርን ማዕዳን ከምዝህቡ ትጠቅስ። ዝዀነ ይዅን ዘጋጠመና ነገር ብኸመይ ከም እንቕበሎን ንርድኦን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጥቢቓ ብምግላጽ፡ ኵሉ ነገር ኣብ ርእስና ከም ዝስራሕን ነቲ ጸገማት ከመይ ንቕበሎ ዝብል ከግድዶ ወይ ከቕልሎ ከም ዝኸእል ትመክር።
ሞና፡ "ዓቢዱ፡ ተጸሊሉ" ዝብሉ ቃላት ክትጥቀመሎም ኣሰከፍቲ ስለዝዀኑ፡ ብሓፈሻ ነቲ ጸገማት "ብሬክዳውን" ብምባል እያ ትግልጾ።
እዚ ማለት ሓደ ሰብ ብዘጋጥሞ ሓደ ነገር ወይ ስለዘይተሓገዘ ንሓሳቡ ምጥርናፍን ኣእምሮኡ ምግንዛብን ክሰእን እንከሎ እዩ።
ከምዚ ጸገማት ዘጋጥሞ ናብ ንቡር ንምምላስ ድማ ስነኣእምሮኣዊ ፍወሳን መድሃኒትን ኣብ ምሕጋዙ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እታ ሞያዊት ትመክር።
ኣብ ርእሲ'ዚ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ምስ ስደት ተኣሳሲሩ ዝወርድ ጸገማት ዝግበር ፍወሳ፡ ነፍሰጾራት'ውን ተመሳሳሊ ጸገማት ከጋጥመን ከምዝኽእልን ዝፍወስ ምዃኑን እያ ተዘኻኽር።
ኣደታት፡ ቦካራት ክዀና እንከለዋ ዋላ'ውን ካልኣየን ወይ ሳልሳየን ዝወልዳ ኣደታት እንታይ የጋጥመን? ንኣብነት ብኸመይ ከዕብዮም እየ ካብ ዝብል ፍርሒ ክኸውን ይኽእል ወይ'ውን፡ ቈልዓ ንምውላድን ንምዕባይን ስነልቦናዊ ድሉውነት ካብ ዘይምግባር ክኸውን ይኽእል ወይ ካልእ ዝተፈላለየ ምኽንያትን ናብ ቅዛነት ክኣትዋ ይርአ እዩ።
ከምዚ ዓይነት ፍርህን ራዕድን ዘለዎም ወይ ዘለወን ገሊኦም ስድራቤቶም ስለዝርድእዎም ናብ ሕክምና ዘምጽዎም ኣለዉ። ገለ ግና እንታይ ምዃኑ እቲ ጸገም ሓኪም ጥራይ እዩ ከለልዮ ዝኽእል፣ ብምባል እቲ ስነኣእምሮኣዊ ጸገማት ብዙሕ ግዜ ብቐሊሉ ዝልለ'ውን ከምዘይኰነ ትእምት።
"ድሕሪኡ ድማ ኢኻ ብውሳነኦም ናብ ምሕጋዞም ትቕጽል፤ ምኽንያቱ ክሕድሶም ስለዝኽእል ንሳቶም ሓገዝ ከም ዘድልዮም ክፈትውን ክርድኦምን ኣለዎ።
“ኣብ ሕብረተሰብና ምስቲ ዘሎ ድሑር ርድኢት ብግልጺ ናይ ምዝራብ ሽግር ስለዘሎ ኣይክፈተልካን እዩ፤ ሰብ ሽግርካ እንድሕር ፈሊጡ ኵሉ ዘውርየካ እዩ ዝመስለካ፡" ትብልሞ፡ ሽግርካ ምክፋል ግን ጾርካ ኣራጊፍካ ሕማምካ ምፉዃስ ምዃኑ ክንፈልጥ ኣለና፡ ኢላ ተዘኻኽር።
እዚ እንተዘይኰይኑ ግን ክትሕግዞም'ውን ከምዘይከኣል፡ እቲ ክትፍለጥ ናይ ዘይምድላይ፡ ሓንሳብ ናብ ደገ ምስ ትወጽእ ኵሉ ሰብ ዝፈልጠካን ዘውርየልካን ኰይኑ ከም ዝስማዓካ ዝገብር ኣረኣእያን ተነጽሎን ስለዘሎ፡ ከምቲ ካልእ ኣካሉ ዝሓመመ ሰብ ተጊሆም ሕክምናዊ ሓገዝ ክሓቱ ኣዝዩ እዩ ዘሸግሮም፡ ብምባል እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ኣረኣእያ ክቕየር ከም ዝግባእ ትመክር።
ስለዚ ዋላ'ኳ ብዙሕ ዝተርፎም ነገር እንተሃለወ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ እዚ ጸገም'ዚ ስለዘሎ ንዕኦም ጥራይ ዘይኰነ ንስድራቤቶምን ነቲ ሕብረተሰብን ካብቲ ዝጸንሐ ድሑር ኣተሓሳሳባ ንምውጻእ ወይ ኣፍልጦኡ ብኸመይ ክብ ይብል ዘተኰረ ጻዕርታት ከም ዘካይዱ፡ ሞና ዮሴፍ ተረድእ።
ጠንቂ'ቲ ኣብ ስደተኛታት ዘጋጥም ስነኣእምሮኣዊ ጸገማት
ምስ ስደት ተዛሚዱ ዝምዕብል ስነኣእምሮኣዊ ጸገማት፡ መምስኵነታቱ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ዝኽእል ይዅን እምበር፡ እቲ ሓፈሻዊ ምኽንያታት ተመሳሳሊ እዩ።
ኤርትራውያ መንእሰያት ስደተኛታት፡ ካብቲ ካብ ሃገሮም ኣትሒዞም ንስደት ኢሎም ክነቕሉ እንከለዉን ክሳብ ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማኦም ዝበጽሑ ዝሓልፍዎ ብዙሕ ዝቐጸላታቱ ዝተፈላለየ ማሕለኻታትን ብድሆታትን ዝፈጥረሎም ጸቕጢ ቀሊል ከምዘይኰነ እዮም ዝዛረቡ።
ብፍላይ ከኣ ኣብ ከም ዩጋንዳ ዝኣመሰላ ሃገራት ንኻልእ ስደት ዘማዕድዉለን መጽንሒ ብምዃነን፡ ኣብ ሰንፈለል ምንባር ንባዕሉ ዝፈጥሮ ኵሉ ዓይነት ስነኣእምሮኣዊ ስምዒታት ዓሚቝ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
ሞና ዩሴፍ፡ ነቲ ኣብ ኵሉ ሰብ ብፍላይ ግን ኣብ ስደተኛታት ዘጋጥም ስነኣእምሮኣዊ ጸገማት ጠንቁ ክትገልጽ እንከላ፡ “መበገሲኡ ዝተፈላልየ ነገራት ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ኣእምሮና ዝተሓሓዝ ኣተዓባብያና፡ ብበእዋኑ ኣብ ሂወትና ዘጋጥም ዝተኣኻኸበ ነገር እዩ፡ ብምባል እቲ ኣብ ሓደ እዋን ዝግሃድ፡ ውጺኢት ውህሉል ነገራት ምዃኑ ትገልጽ።
እዚ ኣብ ግዚኡ እንተዘይተፈወሰ ድማ እናዓበየን እናወሰኸን ክኸይድ ከሎ፡ ከምቲ ኵሉ ግዜ ዘይተሓከመ ቁስሊ መመሊሱ እናገደደ ስለዝኸይድ እናተጋደደ ከም ዝኸይድ ብምግላጽ፡ ናብ ክፍወሰሉ ዘይክእል ከቢድ ሳዕቤናት ከምርሕ ከምዝኽእል'ውን ተጠንቅ።
ቅዛነት፡ ንብሎ ዘለና ድማ ገለ ካብዞም ኣብ ዝተፍላለዩ እዋናት ዘጋጥሙ ቃንዛታት እዩ። እዚ ምስ ተኣኻኸበ ድማ ናብ ጭንቀት ይምዕብል፣ ብምባል ብሞያዊ ዓይኒ ትገልጾ።
እቲ ትራውማ [ስንባደ] ንብሎ ድማ ሓደ ግዜ ኣብ ሂወትካ ዘጋጥም ሕማቅ ነገርን ምስኡ ዝተሓሓዝን ኣብ ሂወትካ ክመጽእ እንከሎ ዘይንቡር ተርእዮ ከተርኢ እንከሎኻ እዩ፤ ነዚ ኸኣ እቶም ግዳያት ብስቕታ፡ ብምንፍጥፋጥ ወይውን ብኣውያት ክገልጽዎ ይኽእሉ፡ ብምባል ንምልክታቱ ትሕብር።
"ነዚ ንምፍዋስ ድማ 'ኒውሮ ፕሮሰሲን ተራፒ' ዝበሃል ኣሎ። እዚ ነቲ ምዝንባዓት ገይሩ ዘሎ ኣእምሮ ንኽትመልሶ ዝሕግዝ መስርሕ ፍወሳ እዩ፡” ብምባል ሓፈሻዊ ስእሊ ኣገባብ ፍወሳ ትህብ።
ኣብ መወዳእታ እዛ በዓልቲ ሞያ ስነልቦና ሞና ዮሴፍ፡ እቲ ማሕበረሰብ ከይብሉኒ ዝብል ስቅቕታ ስለዘሎዎ ነቲ ዘሎ ኣገልግሎት ከምቲ ዝድለ ከምዘይጥቀመሉ ብምግላጽ፡ ከም ሞያዊት ዘለዋ ስክፍታ ትገልጽ።
ብተወሳኺ. . .
“ስነ ኣእምሮኣዊ ነውጺ ንዝዀነ ሰብ ኣብ ዝዀነ ግዜ ከጋጥሞ ዝኽእል ስለዝዀነ፡ ሕብረተሰብና ምንጻል ኣውጊዱ ብሓልዮትን ፍቕርን ክሕግዞም፡ እቶም በቲ ጸገም ዝሓልፉ ሰባት'ውን መፍትሒ ስለዘለዎ ሕክምናዊ ሓገዝ ክሓቱ" ከም ዝግባእ ተዘካኽር።
ሞና፡ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ካባላጋላ - ካምፓላ ዝርከብ ክሊኒክ ኢስት ኣፍሪቃ እናመጽኡ ኣገልግሎት ፍወሳ ዝረኽቡን ናብ ንቡር ኵነታቶም ዝተመልሱን ተሓከምቲ ሓያለ ከምዘለዉ፡ ብምግላጽ፤
"እዚ ጸገማት ልክዕ ከምቲ ኩሊትና፡ ልብናን ዝተፈላልየ ኣካላትናን ዝሓምም እሞ ብዘይስክፍታ እንሕከሞ ምዃኑ ርእስና እውን ክሓምም ስለዝኽእል፡ ተቢዕና ካብ በዓል ሞያ ምኽርን ሓገዝ ንሕተት” ብምባል፡ ብፍላይ ናብ መንእሰያት ዝቐንዐ ለበዋኣ ተመሓላላፍ።