እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ናይጀርያ፡ ሕጹይ ገዛኢ ሰልፊ ቦላ ቲኑቡ ተዓዊቱ
ሕጹይ ተወዳዳሪ ገዛኢ ሰልፊ ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ ፕረዚደንት ኰይኑ ከም ዝተመርጸ ብወግዒ ተገሊጹ።
እቲ ወዲ 70 ዓመት ፍሉጥ ፖለቲከኛ፡ 37 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ'ዩ ተዓዊቱ ዘሎ።
ቀንዲ ነተሓናሒኡ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ህዝባዊ ደሞክራሲን ኣቲኩ ኣቡባካር ብወገኑ 29 ሚእታዊት ድምጺ ከምዝረኸበ ተገሊጹ።
ሕጹይ ሰልፊ ዕዮ ፒተር ኦቢ ድማ 25 ሚእታዊት ረኺቡ።
እንተዀነ ክልቲኦም ዝመርሑወን ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ እቲ ምርጫ ምጥፍፋእ ዝተሓወሶ'ዩ ነይሩ ብምባል ከም ብሓድሽ ክካየድ ጸዊዐን ኣለዋ።
ሓደ ካብ ኣዝዮም ሃብታማት ፖለቲከኛታት ናይጀርያ ዝዀነ ቲኑቡ፡ ኣመሓዳሪ ናይታ ዝዓበየት ከተማ ሌጎስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዘምጽኦ ለውጥታት ከም ኣብነት ብምቕራብ'ዩ ጎስጒሱ።
እንተዀነ፡ ከምቲ ዝሓሰቦ ዘይኮነስ ኣብታ ንግዳዊት ከተማ ብመራሒ ሰልፊ ዕዮ ፒተር ኦቢ ተሳዒሩ'ዩ።
ቲኑቡ፡ ኣብቲ ናቱ ዝዀነን "ፖለቲካዊ ኣቦ" ተባሂሉ ዝጽዋዓሉ ዞባታት ደቡባዊ-ምዕራብ ናይጀርያ ግን ዓቢ ዓወት ተጓናጺፉ።
ኣብተን ዞባታት ይኹን ኣብታ ዝተሳዕረላ ከተማ ሌጎስ ዝርከቡ ደገፍቱ ብሓጎስ 'ወጋሕ ትበል ለይቲ' ከም ዝሓደሩ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ዓወቱ ብወግዒ ምስተገልጸ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ነዚ ዕድል ተጠቒመ ንመቐናቕንተይ፡ ብሓባር ክንሰርሕ እምሕጸን። ሓንቲ ሃገር'ያ ዘላትና። ሓንቲ ሃገር'ያ ብሓባር ክንሃንጻ ኸኣ ኣለና" ኢሉ።
ተቓወምቲ ሰልፍታት ናብ ቤትፍርዲ ክጠርዑ መሰል ከም ዘለዎም ዝገለጸ ቲኑቡ፡ እቲ ዝብሃል ዘሎ ምጥፍፋእ ሒደት ምዃኑን ኣብ ውጽኢት ምርጫ ለውጢ ከም ዘየምጽእን'ውን ተዛሪቡ።
ወግዓዊ ውጽኢት ከም ዘርእዮ፡ ተሳታፍነት መረጽቲ 27 ሚእታዊት ዝነበረ ኰይኑ፡ ወተሃደራዊ ምሕደራ እታ ሃገር ኣብ 1999 ካብ ዘብቅዕ ንደሓር እቲ ዝተሓተ መጠን ተሳታፍነት'ዩ ተባሂሉ።
ቲኑቡ ዝረኸቦ 8.8 ሚልዮን ድምጺታት 10 ሚእታዊት ናይቶም 93 ሚልዮን ምዝጉባት ኣድመጽቲ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ተቓወምቲ ሰልፍታት ንሓድሕዶም ስለዝተወዳደሩ ግን ማዕሪኡ ድምጺ ዝረኸበ ወገን ብዘይምህላዉ'ዩ ክዕወት ክኢሉ ዘሎ።
ሓድሽ ዝተኣታተወ ኤለክትሮኒካዊ ስርዓተ-መረጻ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ናይ ምዕፋን ተግባራት ኣወጊድዎ'ዩ።
ኣብ ከለ ከባቢታት፡ መስርሕ ምድማጽ ኣብ ግዚኡ ዘምጅማሩ ሓደ ካብቶም ዝግለጹ ዘለዉ ጸገማት እዩ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሙሃማዱ ቡሃሪ፡ ድሕሪ ክልተ እብረ ስልጣኑ ከረክብ'ዩ።
ፕረዚደንትነት ቡሃሪ፡ በቲ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ቁጠባዊ ድስካለን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝተፈጥረ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእን'ዩ ዝግለጽ።
ስለዚ ድማ፡ ቀንዲ ዕማማት ምሩጽ ፕረዚደንት ቲኑቡ ነዞም ጸጋማት እዚኦም ፍታሕ ምርካብ'ዩ ክኸውን።
ኣንጻር ወተሃደራዊ ምሕደራ ዝተቓለሰን ናብ ስደት ከምርሕ ዝተገደደን ቲኑቡ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ 1999 ደሞክራሲ ኣብታ ሃገር ዝመስረቱ መራሕቲ ምዃኑ ይንገረሉ።
እቲ ብደገፍቱ "ጃጋባን" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቲኑቡ፡ ነቲ ናብ ሃይማኖታዊን ዞባውን ምምቕቓል ዘምርሕ ዘሎ ኣስታት 210 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ናብ ሓድነት ንምምጻእ ዓቢ ብድሆ ከይኰኖ ኣይተርፍን።