ቢንያም ግርማይ፡ ንቻምፕዮን ዓለም ክዕወቱ ካብ ዝኽእሉ 5 ተቐዳደምቲ ተገሚቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ሰንበት 25 መስከረም ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ዎሎንጎንግ ዝካየድ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2022፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ብድምጺ ህዝቢ ካብቶም ሓሙሽተ ነቲ ውድድር ክዕወትሉ ዝኽእሉ ተቐዳደምቲ ተባሂሉ ተገሚቱ ኣሎ።
ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን መትከል እዮብን ብቐዳምነት ከተሰልፍ ምዃና ተፈሊጡ'ሎ።
መርሃዊ ቅዱስ - ቻምፕዮን ኤርትራ 2022፣ ቢንያም ግርማይ - ቻምፕዮን ኤርትራ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር 2022፣ ሄኖክ ምሉብርሃን - ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን - ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ 2022 ምዃኖም ይፍለጥ።
በዚ መሰረት፡ ቢንያም ግርማይ በዞም ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉራዊ ውድድራት ዓቢ ሽም ዘለዎም ተቐዳደምቲ ተሓጊዙ ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ከምዝኽል እዩ ብኣጋኡ ግምታት ተዋሂብዎ ዘሎ።
ብመሰረት'ቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዩሲኣይ ዝተኻየደ ክፉት ድምጺ ህዝቢ፡ ንቻምፕዮን ዓለም 2022 ክዕትሉ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሎም ድምጺ ዝተዋህቦም ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ፣ ቤልጅማዊ ውት ቫንኣርት፡ ሆላንዳዊ ማትዮ ቫንደርፖል፡ ስሎቬንያዊ ታደጅ ፖጋካር፡ ቤልጅማዊ ሬምኮ ኢቨንፖልን ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይን ተረቝሖም ኣለው።
ኣብቲ ሰንበት ዝካየድ 266.9 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ውድድር፡ ካብቶም ነንሃገሮም ወኪሎም ዝወዳደሩ 160 ተቐዳደምቲ ክሳብ ሕጂ ኣዋህሊለሞ ብዘለዉ ነጥቢ ስሎቬንያዊ ታደጅ ፖጋካር 3246 ነጥቢ ብምውህላላል ኣብ ቅድሚት ክስራዕ እንከሎ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ 1188 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ሻሙናይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብዞም ንኤርትራ ወኪሎም ኣብዚ ንመበል 89 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ቻምፕዮና ዓለም ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ መርሃዊ ቅዱስ ንሓሙሻይ ግዜኡ ኣብ ቻምፕዮን ዓለም ብምስታፍ ዝለዓለ ተመኵሮ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ንራብዓይ ግዜኡ፡ መትከል እዮብ ኸኣ ሳልሳይ ግዜኡ ይሳተፉ ኣለዉ።
እቲ ካብ 18 መስከረም ጀሚሩ ንሸሞንተ መዓልታት ጸወታታት ብምክያድ ሰንበት 25 መስከረም ዝዛመም ቻምፕዮን ዓለም፡ 11 ዓይነታት ውድድር፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ደቂ ተባዕትዮን ኤሊት ናይ ግዜ ውድድር፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ግዜ ውድድር፡ ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ናይ ግዜ ውድድር ዘጠቓልል እዩ።
ከምኡ’ውን ብደቂ ኣንስትዮን ብደቂ ተባዕትዮን ተሓናፊጹ ዝካየድ ናይ ግዜ ውድድር፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ናይ ደቂ ኣንስትዮን ኤሊት ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ናይ ጽርግያ ውድድርን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ጽርግያ ውድድርን’ዩ።
25 መስከረም፡ ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር ኤሊት ደቂ ተባዕትዮ፡ 266.9 ኪሎሜትሮ ዝሽፍን ኰይኑ፡ ተቐዳደምቲ 3945 ሜትሮ ብራኸ ክሓዅሩ’ዮም።
እዚ ብዩሲኣይ ዝካየድ ቻምፕዮን ዓለም ካብ 1927 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ካልኣይ ኵናት ዓለም፡ ካብ 1939 ክሳብ 1945 ምብኳሩ እንተዘይኰይኑ፡ ዓመታዊ ብዘይ ምቁራጽ ክካየድ ጸኒሑ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ንቻምፕዮን ዓለም ዝተዓወትሉ ተቐዳደምቲ [ኤሊት ደቂ ተባዕትዮ]
2021፡ ጁልያን ኣላፒሊፒ [ፈረንሳ]
2020፡ ጁልያን ኣላፒሊፒ [ፈረንሳ]
2019፡ ማድስ ፔደርሶን [ዴንማርክ]
2018፡ ኣሌሳንድሮ ቫልቨርደ [ስጳኛ]
2017፡ ፒተር ሳጋን [ስሎቫክያ]
2016፡ ፒተር ሳጋን [ስሎቫክያ]
2015፡ ፒተር ሳጋን [ስሎቫክያ]
2014፡ ማይክል ክዋትኮወስኪ [ፖላንድ]
2013፡ ርዮ ኮስታ [ፖርትጋል]
2012፡ ፍሊፐ ጂልበርት [ቤልጅም]
ገለ ካብ ዓበይቲ ዓወታት ቢንያም ግርማይ 2022
![ቢንያም ግርማይ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዙር ዲ ዋሎይነ [26 ሓምለ 2022]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/4eb8/live/79c2a120-3b0f-11ed-9ae9-959994b8a64c.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዘላ ዓመተ 2022 ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት 53 መዓልታት ውድድራት ብምክያድ 8919 ኪሎሜተር ዘዊሩ፤ ኣብ ዩሲኣይ 1895 ነጥቢ ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብዚ ዓመት ካብ ዘካየዶ ውድድራት ካብ ዘመዝገቦ ዓወታት እቲ ኣውራ፥
14 መስከረም ኣብ ቤልጅም ኣብ ዝተኻየደ ግራንድ ፕሪክስ ዲ ዋሎኒ ንቫንደርፖል ተኸቲሉ፡ ካልኣይ
9 መስከርም ኣብ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ ግራንድ ፕሪክስ ሳይክሊስተ ፕሪክስ ዲ ኵቤካ፡ ሳልሳይ
25 ሓምለ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ዋሎይነ፡ ካልኣይ
24 ሰነ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ።
17 ግንቦት ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታል፡ ቀዳማይ ብምውጻእ ቀዳማይ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ኣብ ሻሙናይ ሓሙሻይን መድረኽ ሓሙሻይ፡ ኣብ ሻዱሻይ ሳልሳይን መድረኽ ራብዓይ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ካልኣይ ወጺኡ።
27 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ገንት ውቨልገን ቀዳማይ ወጺኡ
ኣብዚ ውድድር ክሳብ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘሎ ውጽኢት
ኣብ 19 መስከረም ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ፡ ኖርወጃዊ ሶረን ንውድድሩ ብ34 ደቂቕን 13 ካልኢትን ብምዝዛም ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ክኸውን እንከሎ፡ ቤልጅማዊ ኣሌክ ሰጋረተን ብሪጣንያዊ ልዮ ሃይተርን ካልኣይን ሳልሳይን ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብዚ ውድድር ንኤርትራ ወኪሉም ዝተወዳደሩ ኣማኑኤል መሓርን ሳይሞን ተስፋጋብርን ብቕደም ተኸተል መበል 39 ከምኡ’ውን መበል 42 ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብ 23 መስከረም፡ ተወዳደርቲ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዘካየድዎ 135.6 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝሸፈነ ውድድር ጀርመናዊ ኢሊለ ሄርዛግ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ክኸውን እንከሎ፡ ፖርቱጋላዊ ኣንቶንዮ ሞርጋዶ ካልኣይ፡ ቤልጅማዊ ቭላድ ቫን መቸሊን ሳልሳይ ወጺኦም።
ኣብዚ ውድድር ካብቶም ንኤርትራ ዝወከሉ ሰለስተ ተጻወትቲ፡ ዩኤል ገብረገርግሽ መበል 28፡ ዮናስ ኣብርሃም መበል 60 ክወጽኡ እንከለዉ፡ ኣኽሊሉ ገብረትንሳኤ ግን ውድድሩ ክውድእ ኣይክኣለን። ኣብዚ ውድድር ካብቶም ጸወታ ዝጀመሩ 108 ተቐዳደምቲ እቶም 48 ነቲ ውድድር ክዛዝምዎ ኣይክኣሉን።
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ፡ እቲ ውድድር 168.9 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ኰይኑ፡ ካዛኪስታናዊ የቨገኒ ፈዶሮቭ ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ወዲ ቸክ ሪፖብሊክ ማትያስ ቫሰክን ኖርወጃዊ ሶረን ዋረንክስጆልድን ካልኣይን ሳልሳይን ወጺኦም።
ኣብዚ ውድድር ኤርትራ ብሓሙሽተ ተጻወትቲ፣ ኣማኑኤል መሓሪ፡ ዳኒኤል በርሀ፡ ሚልክያስ ቅዱስ፡ ሳምሳን ሃብተን ሳይሞን ተስፋጋብርን’ያ ተወኪላ። ሓሙሽተኦም ከኣ ነቲ ውድድር ክፍጽምዎ ኣይከኣሉን።
ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ካብ ዝተወዳደሩ 132 ተቐዳደምቲ፡ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 62 ተቐዳደምቲ ነቲ ውድድር ክዛዝምዎ ኣይከኣሉን።
ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር እቶም ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ወኪሎም ዝተወዳደሩ ኪያ ሮጎራን፡ ሃይሉ ኣብርሀ ነጋስን’ውን ነቲ ውድድር ኣይዛዘምዎን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
