መርከብ እስራኤል ኣብ ማያዊ ግዝኣት ናሚብያ ከይተዕርፍ ተኸልኪላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንእስራኤል ዝዓለመ ወተሃደራዊ ጽዕነት ሒዛ ክትከይድ ተባሂላ ዝተጠርጠረት መርከብ ብሰበስልጣን ናሚብያ ኣብ ማያዊ ግዝኣት እታ ሃገር ንኸይተዕርፍ ተኸልኪላ።
ሚኒስተር ፍትሒ ናሚብያ ይቮን ዳውሳብ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እታ መርከብ “ንእስራኤል ዝዓለመ ነታጒ” ስለዝነበራ ደው ከምዝበለት ገሊጻ።
ካብ ቬትናም ዝተበገሰት ኤምቪ ካትሪን፡ ኣብ ወደብ ዋልቪስ ቤይ ክትዓርፍ ፍቓድ ሓቲታ ምንባራ ተሓቢሩ።
ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፡ ናሚብያ ነታ መርከብ ክትዓርፍ እንተትፈቅድ ኣብ ክህሉ ዝኽእል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሳትፎ ክህልዋ ከምዝኽእል ኣጠንቂቘም ነይሮም።
እታ መርከብ ንምንታይ ክትዓርፍ ከም ዝደለየት ኣይፍለጥን፡ እንተዀነ ነዊሕ ጕዕዞ ዝገብራ መራኽብ ንቐረብ፡ ንዕረፍቲ ወይ ጽዕነት ንምውራድ ወይ ንምውሳድ ደው ዝብላ እየን።
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ጐረቤትን መሓዛን ናሚብያ ዝዀነት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ኣላ ብምባል ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀጻሊ ክሲ ኣበጊሳ ነይራ። እስራኤል ነቲ ክሲ ምጽናት ዓሌት “መሰረት ዘይብሉ” ኢላ ትነጽጐ።
ዋልቪስ በይ ዝዓበየ ንግዳዊ ወደብ ናሚብያ ኰይኑ፡ ኣስታት 900 መራኽብ ዝቕበልን ኣብ ዓመት ኣስታት ሸሞንተ ሚልዮን ቶን ጽዕነት ከም ዝሕዝን በዓል መዚ ወደባት ናሚብያ ይሕብር።
ብሰኑይ ካብ ቬትናም ኣብ ዋልቪስ በይ ክትዓርፍ ዝተመደበት መርከብ ኤምቪ ካትሪን፡ ብመሰረት ናሚብያ ንህዝቢ ፍልስጤም እትህቦ ደገፍን እታ ሃገር ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብል እትገብሮ ጻውዒትን ጽንዕቲ ምዃና ሚስ ዳውሳብ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ኒው ኢራ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ።
ሚስ ዳውሳብ መርመራ ፖሊስ ጠቒሳ፡ እታ መርከብ “ብሓቂ ናብ እስራኤል ዝዓለመ ነታጒ ሒዛ ከምዝነበረት፡ በዚ ድማ ናብ ማያት ናሚብያ ከይትኣቱ ተኸልኪላ” ኢላ።
“ናሚብያ ኣብ ገበናት ኲናት እስራኤል፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ምጽናት ዓሌት፡ ከምኡ’ውን ዘይሕጋዊ ጐበጣ ፍልስጤም ናይ ዘይምድጋፍ ግዴታ ኣለና” ኢላ።
ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ናሚብያ ቍጠባውን ማሕበራውን ፍትሒ ትራስት ነቲ ስጕምቲ ብሓጐስ ተቐቢልዎ።
“መንግስትና ኣህጉራዊ ሕጊ ከኽብር ብምውሳኑን ኣብ ምጽናት ዓሌት ተሓባባሪ ከይከውን ምውሳኑን ሕጉሳት ኢና” ክብል ጋዜጠኛ ሀርበርት ጃውች ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
በዓል መዚ ወደባት ናሚብያ ብዛዕባ ዕግታ እታ መርከብ ኣድሂቡ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።
እቲ ትካል ግን፡ “ውጽኢታዊ ድሕነት ግዝኣታዊ ማያትናን ወደባትናን ንምሕላው” ክብል ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ ናሚብያ “ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ፕሮቶኮላትን ዘለዋ መርገጺ” ከምዝድግፍ ገሊጹ።
በዓል መዚ ወደባት ናሚብያ ኣብ ቀረባ እዋን ካልእ “ሓደገኛ ጽዕነት” ዝጸዓነት መርከብ ብማያት ናሚብያ ክትሓልፍ ከምዝፈቐደት’ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ወደብ ግን ከምዘይትዓርፍ ገሊጹ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
