ዝኽሪ ላምፐዱሳ፡ ህይወት ኣማኢት ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ህልቂት

ናብ ባሕሪ እናጠመቱ ንግዳያት ዝዝክሩ ሰባት
መግለጺ ስእሊ, እታ ጃልባ ድሕሪ መዓልታት ዝወሰነ ነዊሕ ጉዕዞ'ያ ኣብ ከባቢ ገምገም ባሕሪ እታ ደሴት ምስበጽሐት ጥሒላ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

መበል 12 ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ተዘኪሩ ውዒሉ።

ኣብቲ ኣብ ገማግም እታ ኢጣልያዊት ደሴት ዝተኻየደ ስነስርዓት ዝኽሪ፡ ሰብመዚ መንግስቲ፡ ተሓለቕቲ፡ መሓዙትን ቤተሰብን ግዳያት ተረኺቦም ነይሮም።

ክልዕ ከምዛ ሎሚ፡ 03 ጥቅምቲ 2013፡ ካብ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ቈሪጾም ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ዝተገበሱ፡ ቆልዑ ዝርከብዎም 368 ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝጠሓሉ ይዝከር።

ብዙሓት ሰባት ኣብ ዙርያ ንዝኽሪ ግዳያት ዝተሰርሐ ሓወልቲ፡ 03 ጥቀምቲ 2025
መግለጺ ስእሊ, ሓደ ክፉት ኣፍደገ ዘለዎ ንዝኽሪ ግዳያት ዝተሰርሐ ሓወልቲ በሪኽ ቦታ እታ ደሴት ቆይሙ ይርከብ
ሬሳታት ግዳያት ድሕሪ'ቲ ሓደጋ
መግለጺ ስእሊ, ሬሳታት ግዳያት ናብ ሃገሮም ክምለስ ዝተኻየደ ጻዕርታት ብዘይምስላጡ፡ ኣብ ኢጣልያ ክቕበሩ ከምዝተገደዱ ይዝከር
ብዙሓት ሰባት ኣብ ዙርያ ንዝኽሪ ግዳያት ዝተሰርሐ ሓወልቲ፡ 03 ጥቀምቲ 2025
ናይ ቆልዑ ዝርከብዎ ሳናዱቕ ሬሳታት
መግለጺ ስእሊ, ህጻናት ቆልዑ'ውን ግዳያት ናይቲ ዓለም ዘንቀጥቀጠ ዘሕዝን ሓደጋ እዮም ነይሮም
ንዝኽሪ ዝመጹ ኤርትራውያን ተሓለቕቲ ምስ ሰብመዚ ኢጣልያ ኣብ ዝተራኸብሉ
መግለጺ ስእሊ, ንዝኽሪ ዝመጹ ኤርትራውያን ተሓለቕቲ ምስ ሰብመዚ ኢጣልያ ተዘራሪቦም
ንዝኽሪ ዝመጹ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓደ ክፍሊ
መግለጺ ስእሊ, ህልቂት ላምፐዱሳ ካብ ኣእምሮ ብዙሓት ኤርትራውያን ክሕከኽ ዘይክእል ሓደጋ እዩ
ንዝኽሪ ዝኸዱ ሰባት ኣብ ገምገም ባሕሪ
ሰባት