ካናዳ፡ ኣብ ከባቢ ዊኒፐግ ብዘጋጠመ ሓደጋ ብውሕዱ 15 ሰባት ሞይቶም

Published

ኣብ ካናዳ ግዝኣት ማኒቶባ ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ መኻይን ብውሕዱ 15 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም።

እቲ ሓደጋ ኣብ መንጐ ናይ ጽዕነት መኪናን መብዛሕትኦም ኣረጋውያን ዝጸዓነት ኣውቶቡስን ከምዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ፖሊስ እቲ ከባቢ፡ እቲ ሓደጋ ኣብ ትራንስ-ካናዳ ሃይወይ ኣብ ጥቓ ካርቤሪ፡ ካብ ዊኒፐግ ንምዕራብ ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ።

ፖሊስ ማኖቶባ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ "ኣዝዩ ከቢድ... ጃምላዊ ሓደጋ" ኢሉ ዝገለጾ ምግጫው ምላሽ ይህብ ከምዘሎን፡ ኵሉ ጸጋታቱ ናብቲ ቦታ ከምዝተዋፈረን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓንቲ ናይ ኣየር ኣምቡላንስን 12 ኣምቡላንሳትን ዝርከብኦም ናይ ህጹጽ እዋን መካይን፡ ናብቲ ቦታ ተላኢኸን ኣለዋ።

መብዛሕትኦም ኣብታ ኣውቶቡስ ዝነበሩ ኣረጋውያን ካብ ዳውፊን፡ ማኒቶባን ከባቢኣን እዮም።

ክልተ መራሕቲ መካይን ዝርከብዎም ብውሕዱ 10 ሰባት፡ በቲ ሓደጋ ከቢድ መጕዳእቲ በጺሕዎም ኣብ ሆስፒታል ከምዘለዉ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም።

ፖሊስ ኣብ ከባቢ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ሓያሎ ኪሎሜተራት ናይቲ ጽርግያ ተዓጽዩ ስለዘሎ፡ መራሕቲ መካይን ካልእ ኣማራጺ ጽርግያ ክጥቐሙ ሓቲቱ’ሎ።

ሓደ ምስክር ዓይኒ ንሲቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ጉድጓድ ትነድድ መኪና ከም ዝረኣየን እቲ ትርኢት "ዘሰንብድ" ምንባሩን ሓቢሩ።

ወሲኹ'ውን "ከምዚ ዓይነት ከቢድ ሓደጋ ርእየ ኣይፈልጥን" ኢሉ።