ትግራይ: 13 ሰባት ዝቐተለ ሓደጋ መኪና ወራዶ-መርዓ ጠንቁ እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ ክልል ትግራይ፡ ዞባ ማእከል ወረዳ ኣሕፈሮም ብሓደጋ መኪና 13 ሰባት ከምዝሞቱ ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ሓደጋ ሰንበት 19 ነሓሰ 2017 [ግ] ንግሆ 11፡20 ኣብ ጣብያ ሴሮ፡ ፍሉይ ስሙ መቐይሕ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ከም ዘጋጠመ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን እቲ ወረዳ ሓቢሩ።
ኣዛዚት ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ወረዳ ኣሕፈሮም ምክትል ኮማንደር ፀጋብርሃን ኣብርሃ፡እቲ ሓደጋ ካብ ወረዳ እገላ ናብ እንትጮ ኣብ እትጓዓዝ ዝነበረት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ከምዘጋጠመ ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪባ።
ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እታ ቅጥቅጥ ዓይነት ኣውቶቡስ ካብቲ ቀንዲ ጽርግያ ወጺኣ ኣብ 80 ሜትሮ ዕምቈት ዘለዎ ገደል ምስ ኣተዎት እያ፡ ኣብ ልዕሊ ተሳፈርቲ ሓደጋ ሞትን መጕዳእትን ኣጋጢሙ።
ካብቶም ብሞት ዝተጐድኡ ብተወሳኺ፡ ካልኦት ተሳፈርቲ ቀሊልን ከቢድን ማህሰይቲ ከምዘጋጠሞም'ውን እታ ኣዛዚት ተዛሪባ።
በቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝወረዶም ኣስታት 30 ዝዀኑ ተሳፈርቲ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ይረኽቡ ከምዘለዉን፡ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ዛጊድ ከምዘይተፈልጠን እታ ኣዛዚት ወሲኻ ሓቢራ።
"እታ ሓደጋ ዘጋጠመ ወራዶ መርዓ ለይቲ ክጓዓዙ ምስ ሓደሩ እዩ፤ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ግን ክንፈልጥ ኣይከኣልናን፤ ኣብ ምፅራይ ኢና ዘለና፡" ክትብል ኣፍሊጣ።
እታ መኪና ልዕሊ 45 ሰባት ኣሳፊራ ትጓዓዝ ዝነበረት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ምዃና ድማ እታ አዛዚት ሓቢራ።
"እቲ ቦታ ሕማቕ፡ ኮሮኮንቺ እዩ፤ ሓደገኛ መንገዲ እዩ" እኳ እንተበለት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ከባቢ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከመዘየጋጠመ እያ ትገልፅ።
ቅድሚ ሕጂ ግን ልዕሊ ዓቐን ምፅዓንን ካልእን ፀገማት ዘስዓቦ፡ ኣብቲ ከባቢ ሓደጋ የጋጥም ከምዝነበረ ኣዘኻኺራ፡ "እቲ ናይ ሕዚ ግን ጠንቁ እንታይ ከምዝዀነ ገና ነፃሪ ኢና ዘለና" ኢላ።
ድምፂ ወያነ ግን፡ ኣብ እዋን እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ለይቲ፡ ድምፂ ተዅስን ጠያይትን ከምዝተሰምዐ፡ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ ጠቒሳ እታ ሓላፊት ምዝራባ ኣቃሊሓ እያ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
