ትግራይ፡ ኣብ መኾኒ ዝተፈጥረ ተዅስን ዕግርግርን፡ ጠንቁ እንታይ እዩ?

ህዝቢ ከተማ መኾኒ ዘካየዶ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, SM

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ደቡብ ትግራይ ከተማ መኾኒ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን መናእሰይን ብዝተፈጥረ ግጭት፡ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተጐድኡ ቢቢሲ ካብ ነበርቲ፡ ስድራ ግዳያትን ሰብ ሞያ ሕክምናን ብዝረኸቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ሰኑይ 18 ነሓሰ [ኣ.ኤ] ዝተልዓለ ግጭት፡ ካብ ሓይልታት ትግራይ - ኣርሚ 43፡ ኮር 2 ዝተላእኩ ዕጡቓት ኣባላት፡ "ንሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምሊሻ እቲ ከባቢ ንምሓዝ ኣብ ዝተንቀሳቐሱሉ ድሕሪ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ" ዘበገሶ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

እዚ ድማ እቶም ሲቪል ተኸዲኖም ምንባሮም ዝተገልጹ ዕጡቓት፡ ንሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምልሻ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኮሎኔል ሓለፎም መሓሪ [ተንሽን] ንምሓዝ ኣብ ዝፈተኑሉ፡ ኣብታ ከተማ ምስ ዘለዉ ውዳበ 'መንእሰያት ሓመድ መኾኒ' ከምዝተጓነጹን፣ ነዚ ስዒቡ ብዝተተኯሰ ጠያይቲ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጉድኣት ከምዝወረደ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ትግርኛ ይገልጹ።

ኣቶ ሃብቶም፡ እቲ ክስተት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ጨንፈር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበሩ መሰኻኽር ዓይኒ ሓደ እዩ።

ንሱ፡ ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ [11:00 ንግሆ] ንኮሎኔል ሓለፎም ክሕዙ ዝመጹ ዕጡቓት ኰይኖሞ፡ እቲ ግጭት ድማ "ብሕጊ ዝድለ እንተዀይኑ ወረቐት ኣምጽኡ፣ ክተሓዝ እንተዀይኑ ድማ ባዕልና ክንሕዞ፡ ንስኻትኩም ሰራዊት ኢኹም፡ ከምዚ ዝበለ ስራሕ ድማ ናይ ሰራዊት ኣይኰነን፣ እቲ ጉዳይ ናይ ህዝባዊ ምልሻ ወይ ከኣ ናይ ፖሊስ እዩ፣ ገበነኛ ወይ ተጠርጣሪ እንተዀይኑ ብኣና እዩ ክተሓዝ ዘለዎ፡" ብዝብል እቲ ምስሕሓብ ኣብ መንጐ እቶም መናእሰይ እቲ ከባቢን ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይን ከምዝተፈጥረ ይገልጽ።

እቶም ዕጡቓት፡ ገጾም ተሸፊኖም ከምዝነበሩ'ውን ነበርቲ ይገልጹ።

እቲ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምልሻ ኮሎኔል ሓለፎም፡ ብሓይልታት ትግራይ ክእሰር ዝተደለየሉ ምኽንያት ኣመልኪቱ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ይስማዕ'ኳ እንተሎ፡ ቢቢሲ ነዚ ንምርግጋጽ ዝገበሮ ጻዕሪታት ዛጊት ኣይሰመረን።

እንተዀነ፡ እቲ ሓላፊ ምልሻ፡ ኣብቲ ፍጻመ ከምዘይተታሕዘን፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት፡ "ከምልጥ ከምዝኸኣለን" ይንገር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካልኦት ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እታ ከተማ፡ በዚ ምኽንያት ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ዘስዓቦ ጐንፂ ንሓደ ሰዓት ከምዝቐጸለን፡ በቲ ኵነታት ዝሰንበዱን "እንታይ ኣጋጢሙ ክፈልጡ ዝወጽኡን" ነበርቲ ግዳያት ከምዝዀኑ እውን ሓቢሮም።

በዚ መሰረት ሓሙሽተ ሰባት ግዳያት ኰይኖም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን፡ ካብኣቶም እቶም ክልተ ብኸቢድ ተሃሪሞም ንላዕለዋይ ሕክምና ናብ መቐለ ከምዝተወስዱን ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።

መዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል መኾኒ ዶ/ር ዳኒኤል በርሀ ኣብቲ ኵነታት ብጥይት ዝተሃርሙ ሓሙሽተ ሰባት ናብቲ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ዶ/ር ዳኒኤል፡ "ሓሙሽተ እዮም መጺኦም ነይሮም፡ እቶም ክልተ ብኸቢድ ዝተወቕዑ፣ እቶም ሰለስተ ግን ማይነር [ፈኲስ] ማህረምቲ እዩ ነይርዎም፡" ይብል።

ንኵነታቶም ዝያዳ እንከብርህ ድማ፡ "እቲ ሓደ ኣብ እግሩ እቶም ክልተ ድማ ኣብ ኢዶም ኰይኑ ዝዀነ መስበርቲ ኣይነበሮምን፤ እቶም ክልተ ግን ብኡ ንብኡ ንመቐለ ሪፈር ኢልናዮም፡" ኢሉ።

ዶክተር ዳኒኤል ንኣድላይነት ላዕለዋይ ሕክምና ከነጽር እንከሎ፡ "ካብቶም ክልተ እቲ ሓደ ከቢድ ማለት ጥይት ብኽሳዱ ኣትያ ብሕቘኡ እያ ወጺኣ፤ ናይ እግሪ ድኻም ነይርዎ። ስለዚ ናይ ዓንዲ ሕቘ ማህረምቲ ከይህልዎ ንምርግጋጽ ናይ ሲቲ ስካን መርመራ የድልዮ፤ እቲ ሓደ'ውን ኣብ ደረቱ ስለዝነበረ ማህረምቱ፡ ቱቦ ጌርናሉ፣ ብዙሕ ደም ይፈሶ ስለዝነበረ'ውን ደም ሂብናዮ። ናይ ሲቲ ስካን መርመራ ኸኣ ስለዘድልዮ - ንኽልቲኦም ናብ መቐለ ሪፈር ኢልናዮም፡" ክብል ኣብሪሁ።

ነባሪት እታ ከተማ ወይዘሮ ትዕግስቲ ሃይለ፡ በዓል ቤታ ሓደ ካብዞም ግዳያት ዝዀነ ኣቶ ዝናቡ ኣስረ ብጥይት ብኸቢድ ተሃሪሙ ናብ መቐለ ከም ዝተላእከን ኣብ ሆስፒታል ሪምና ክንክን ይግበረሉ ከምዘሎን ንቢቢሲ ተዛሪባ።

በዓልቤታ ኣቶ ዝናቡ፡ መምህር ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ምዃኑ እትገልጽ ወ/ሮ ትዕግስቲ፡ "ብጐረሮኡ ዝኣተወት ጥይት ብሕቘኡ ወጺኣ" ክትብል ብምሕባር፡ ሕጂ ኣብ ሆስፒታል ሪምና መቐለ ይሕከም ከምዘሎ ገሊጻ።

ኣጋጣሚ ኣብቲ ከባቢ ስለዝነበረ ተዅሲ ሰሚዑ ምስ ወጸ እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠሞ ድማ ወሲኻ ኣረዲኣ።

ኮሎኔል ሓለፎም መሓሪ

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ኮሎኔል ሓለፎም መሓሪ

ዶክተር ዳኒኤል ንሓፈሻዊ ኵነታት እቶም ግዳያት ክገልጽ እንከሎ፡ ኵሎም እቶም ግዳያት ደቂ ተባዕትዮ ኰይኖም ካብ 20-30 ዝዕድመኦም መንእስያት ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ሓደ ኣርበዓታት ዕድመ ምዃኑ ኣነጺሩ።

እቲ ኵነታት ሰብ ነናብ ዋኒኑ ወፊሩ ኣብ ዝነበረሉ ሰዓታት ቀትሪ ብምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝያዳ ዕግርግርን ምርባሽን ከምዝፈጠረ ነበርቲ ሓቢሮም።

ነዚ ፍጻመ'ዚ ስዒቡ ህዝቢ፡ ኣብቲ ከባቢ ዓስኪሮም ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ካብቲ ከባቢ ክወጽእ ዝጽውዕ ሰልፊ ኣካይዱ።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ብተመሳሳሊ ፍጻመ ስሙ ክልዓል ዝጸንሓ ኣርሚ 43፡ ህይወት ሰባት ኣብ ዝወሰደን ምስ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣብ ዝተኣሳሰር ክልተ ሰራሕተኛታት ሓይሊ መብራህቲ ግዳያት ዝዀኑሉን ጉዳይ'ውን ኢድ ከምዝነበሮ ይኽሰስ እዩ።

ነዚ ምርኩስ ብምግባር ንኣዛዚ እቲ ኣሃዱ ኮሎኔል ትንሳኤ ብርሃነ ቢቢሲ ትግርኛ ተወኪስዎ እዩ።

ኮሎኔል ትንሳኤ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣሃዱኡ ዝቐርብ ክሲ "ጸለመ እዩ" ኢሉ ብምንጻግ "ንሕና ንህዝቢ ዝጋደል እምበር ንህዝቢ ዝወቅዕ ሰራዊት የብልናን፡" ክብል ምላሽ ሂቡ።

እቲ ኮሎኔል ስዒቡ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ግን ክምልስ ፍቓደኛ ኣይኰነን።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ "ለውጢ ኣመራርሓ" ክገብር ድሕሪ ምፍታኑ፡ ኣብ ከተማ መዀኒ ሓዊሱ፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እቲ ዞባ ተመሳሰልቲ ግጭታትን ህዝባዊ ተቓውሞታትን ክለዓሉ ጸኒሖም እዮም።