ኣብ መንጐ መንግስትን ሃይማኖታትን ኢትዮጵያ ዘሎ ወጥሪ እንታይ ሳዕቤናት ይህልዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያውያን፡ ጽኑዕ ሃይማኖታዊ እምነታትን ባህላዊ ዝምድናታትን ዘለዎም፡ እዚ ኸኣ ኣብ ንቡር መዓልታዊ ህወቶምን ማሕበራዊ ግብሪታቶምን ዘንጸባርቝ ህዝብታት ምዃኖም ዝተፈልጠ እዩ።
ክሳብ ምውዳቕ ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሰ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ መንግስታት እታ ሃገር ብፍላይ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ጥቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮም ናይ ቀረባ ታሪኽ እዩ።
ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግን መንግስቲ ኢህወደግን ግን፡ መንግስትን ሃይማኖትን ዝተፈላለዩ ምዃኖም ኣብ ሕጊ ብምስፋር መሓውራቶም ካብ ዝዀነ ይዅን ሃይማኖት ብወግዒ ከርሕቍ’ኳ እንተፈተኑ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ምትእትታውን ጽልዋ ምፍጣርን ግን ኣይተረፈን።
ኣብ ካናዳ ዩኒቨርሲቲ ካልጋሪ መምህርን ተመራማሪን ፕሮፌሰር ጌታቸው ኣሰፋ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምፍልላይ ሃይማኖትን መንግስትን ብግብሪ ከምዘየለ ይጠቅስ።
"ብርግፅ ካብ ስርዓት ደርግ ጀሚሩ ሃይማኖትን መንግስትን ብሕጊ ተፈላልዮም እዮም። ብተግባር ግን የለን፡” ይብል።
መንግስትን ሃይማኖትን ክልተ ዝተፈላለዩ ትካላት ምዃን ቅድሚ ብወግዒ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ምስፋሩ’ውን እንተዀነ፡ ኣብ መንጐ መንግስትን ሃይማኖትን ምትሕውዋስ ጥራሕ ዘይኰነ ከም መሻርኽቲ ንሓድሕዶም ይተሓጋገዙ ምንባሮም’ውን ይዝክር።
"ብፍላይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ሰፊሕ መሬት ወኒና፡ ክሳብ ግብሪ ምእካብን ምስ ነገስታት ብምትሕብባር ትሰርሓሉ ዝነበረትን እዋን ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ’ሎ። መንግስትን ቤተክርስትያንን ንኽልተ ሽሕ ዓመታት ሱር ዝሰደደ ርክብ ጸኒሕዎም’ዩ” ይብል ፕሮፌሰር ጌታቸው።
ዋና ዳይረክተር ማእከል ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቶ ያሬድ ሃይለማርያም ብወገኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ስርዓታት ዕምሪ ስልጣኖም ንምንዋሕ ንትካላት ሃይማኖት ንምቍጽጻር ዝተፈለየ ስትራተጂታት ይጥቀሙ ምንባሮም ይገልፅ።
ነዚ ድማ ክልተ ምኽንያታት ይህብ።
“ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰዓብቲ ዘለወን ውዳበታት እተን ሃይማኖታዊ ትካላት ጥራይ እየን። ነዚአን ስዒበን ድማ እየን ንኣሽቱ ውዳበታት ዝመጽኣ። እቲ ካልኣይ ምኽንያት ከኣ ዓሚቝ እምነት ዘለዎ ሃይማኖታዊ ህዝቢ ምህላዉ እዩ” ይብል።
በዚ ምኽንያት ድማ ንሃይማኖታዊ ትካላት ምሓዝ ንፖለቲካዊ ልዕልና ረብሓ ከምዘለዎ ዝዛረብ ኣይተ ያሬድ፡ “ሃይማኖታዊ ትካላት ካብ ቍጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ብምዃን ንዝፍፀም ሕማቕ ንጥፈታት ዝነቕፋ እንተዀይነን ‘ሕማቕ’ ዝበሃል ስርዓት ክህሉ ኣይክእልን" ክብል የረድእ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ስርዓተ ምሕደራን ፈደራሊዝምን ዶክተር ተስፋየ ጂማ ምስቶም ብፕሮፌሰር ጌታቸውን ኣቶ ያሬድን ዝተልዓሉ ሓሳባት ዝሰማማዕ ኣረኣእያኡ የቐምጥ።
ዶክተር ተስፋየ “ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝብሎ ሃይማኖት ካብ ፖለቲካ ዝተፈለየ እዩ፤ ፖለቲካ ድማ ካብ ሃይማኖት ነጻ እዩ። እዚ ግን ኣይተፈጸመን” ክብል ንቢቢሲ ሓሳቡ ሂቡ።
እዚ ኣብ መንጐ መንግስትን ሃይማኖትን ዘሎ ምትእስሳር ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት እንተላሕለሐ’ኳ መሊኡ ግን ኣይተበተኸን።
ፕሮፌሰር ጌታቸው ከምዝበሎ ደርግን ኢህወደግን ካብ ሃይማኖት ዘለዎም ርሕቐት ክሕልዉ ፈቲኖም እዮም።
"ኣብዚ ሕጂ ኣብ ዘሎ መንግስቲ ግን፡ መራሕቲ ሃይማኖት ናብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ከምኡ'ውን ሰበስልጣን መንግስቲ ናብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ክኣትዉ ይርአ" ይብል።
ካብ ክልቲኡ ወገን ጥቕሚ ዝደልዩ ኣካላት ከምዘለዉ ዝሕብር እቲ ፕሮፌሰር፡ "ሓደ ነቲ ካልእ ከም ሽፋን ክጥቀመሉ ስለዝደሊ ብብዙሕ መንገዲ ምትሕውዋስ ኣሎ" ዝብል እምነት ከምዘለዎ ይገልፅ።
ካብ ግዜ ነገስታት ጀሚሩ እንተርኢና ሰበስልጣን ነተን ክሳብ ገጠር ቀበሌታት መዋቕር ዘለወን ትካላት ሃይማኖት ክቈጻጸሩ እንተኽኢሎም "ዝደለይዎ ነገር ክገብሩ ዕድል ከም ዝረኽቡ ይፈልጡ እዮም" ክብል’ውን የረድእ።
ነተን ትካላት ሃይማኖት ካብ ምቍጽጻር ሓሊፉ ኣብ ውሽጠን ምክፍፋል ዝፈጥር ተግባራት’ውን ከምዝረአ ዝገልፅ ኣቶ ያሬድ ብወገኑ፡ "ምሉእ ብምሉእ ብምፍራስ ፖለቲካዊ ኣወዳድባ ክሕዛ ከምዝተገብረ" ይሕብር።

“መንግስቲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከም ደጋፊ ሃይማኖት ኮይኑ ዝረአየሉ ኵነታት ኣሎ። ብሃንደበት ምጽእ ‘ናይ ሎሚ ዓመት መደብ ኢፍጣር [ኣብ ሮሞዳን] ኣነ እየ ዘዳልወልኩም’ ይብል፤ ካልእ እዋን ድማ ‘በዓል መስቀል ኣነ እየ ዘካይደልኩም’ ይብል። ስለዚ እቶም ፖለቲካዊ መራሕቲ ቀንዲ ፈፀምቲ ጉዳያት ሃይማኖት ይዀኑ ምህላዎም ነቲ ኵነታት ዘበላሽዎ ዘሎ እመስለኒ። ብፍላይ ኣብዚ እዋን ጠንቂ ግጭት ዝኸውን ዘሎ እመስለኒ" ይብል።
እሞ ደኣ መራሕቲ ሃይማኖት ድዮም ናብ ፖለቲካ ዝኸዱ ዘለዉ ወይስ እቶም ፖለቲከኛታት እዮም ናብ ሃይማኖታት ዝኸዱ? ንዝብል ፕሮፌሰር ጌታቸው ብኽልተ መንገዲ ይርእዮ።
"ቀዳማይ ነገር ንሃይማኖት ከም መሰጋገሪ ብምጥቃም ናብ ፖለቲካ ዝኣተዉ ኣለዉ። ካልኣይ ድማ መንግስቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣካላት ናብ ሃይማኖታት ዘዋፈረሉ ኵነታት እዩ ዝርአ” ይብል።
እቲ ፕሮፌሰር ከምዝብሎ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ምትሕውዋስ ሃይማኖትን ፖለቲካን ይርአ ብምህላዉ ንምፍላይ ኣፀጋሚ ኵነታት ተፈጢሩ’ሎ።
ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ
ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካን ሃይማኖትን ኣብ ነንሕድሕዶም ጽልዋ ከምዘለዎም ኣቶ ያሬድ ይገልጽ።
"ነቲ ፖለቲካ ክትዘርጐ እንተደሊኻ ነቲ ሃይማኖት ኢኻ ትትንክፍ። እዘን ትካላት ክትንከፋ ከለዋ ሰላም ይጠፍእ፤ ፖለቲካ ይፈርስ። ጠንቂ ብዙሕ ግጭታት ድማ ይኸውን” ክብል ንሓሳቡ የደልድል።
ብሰንኪ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝነበረ ጸገም ሰባት ከምዝተጐድኡን ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙን ብምዝኽኻር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድሕሪ ምፍራስ መሳጊድ ዝተራእየ ተቓውሞታት ይጠቅስ።
እዚ ምትእትታው’ዚ ብዙሕ ሕቶታት ንኽለዓልን ክሳብ ናብ ግጭት ዝመርሑ ፍልልያት ክፍጠሩን ምኽንያት ከምዝኸውን ’ውን ሓቢሩ።
"መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ መንግስቲ እንተሒዞም ወይ 'ናትና' ዝብልዎ ሰብ ኣብ ስልጣን መንግስቲ እንተሃልዩ፡ ዝደልይዎ ኵሉ ከውሕሱ ከምዝኽእሉ እዮም ዝኣምኑ" ይብል ፕሮፌሰር ጌታቸው።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረ ኲናት፡ “ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢና! ምስ መንግስቲ ደው ክንብል ኢና!” ክብሉ ዝተሰምዑ መራሕቲ ሃይማኖት ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር፡ እዚ "ሃይማኖታዊ ዘይኰነስ ፖለቲካዊ መርገጺ” ከምዝዀነ ይድምድም።
"ኣመንቲ [ኣብ ትግራይ ዘለዉ] 'ኣብ ሽግር ኣለና'፡ 'ተቐቲልና'፡ 'ጠፋእና' እናበሉ ክልምኑ ከለዉ ቤተክርስትያን ኣይሰምዓቶምን። መራሕቲ ሃይማኖት እውን ናብ ቅድመ ግንባር ክኸዱ ርኢና ኢና። ስለዚ መንግስትን መራሕቲ ሃይማኖትን 'ሕኸኸለይ ክሓከልካ' ክበሃሃሉ እዮም ዝረኣዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ፖለቲካ ኣብ ሃይማኖት

ምንጪ ስእሊ, EOTC
ኣቶ ያሬድ "ናይ መንግስቲ ሰባት ኣብ ዝደልይዎ እዋን ቀንዲ ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ይዀኑ፤ እንተደልዮም ድማ ቀንዲ ሃይማኖታዊ ተዋሳእቲ ይዀኑ። ስለዚ፡ ነዚ ስርዓት ንምትሓዝ ብሕጊ ክትምራሕ ኣለካ" ክብል የረድእ።
ንሃይማኖታዊ ትካላት ናጽነት ምሃብ ግቡእ ምዃኑ’ውን ይጠቅስ።
"ልክዕ ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝርከቡ ትካላት ሃይማኖት ምጥቃዕ ኣይኰነን ዝቝጸር። ኣብ ኢትዮጵያ ንሃይማኖታዊ ትካላት ክትትንክፍ እንከለኻ ቆፎ ንህቢ ከም ምውቃዕ ማለት እዩ። ስለዚ መንግስቲ ኣብ ትካላት ሃይማኖት ዘይሕጋዊ ነገራት ይፍጽሙ እንተሃልዮም’ኳ ምዝርራብ ቀዳማይ ኣማራጺ ክገብሮ ይግባእ” ይብል ዋና ዳይረክተር ማእከል ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቶ ያሬድ።
ኣስዒቡ፡ "ስቕ ኢልካ ‘ኣነ እየ ንሃገር ዝመርሕ’ ኢልካ ዝደለኻዮ ነገር ምግባር ዘይሕጋዊ እንተዀነ’ውን ንብረት ህዝቢ ምዕናው ዝከኣል ኣይኰነን። መንግስቲ ርጕእ ፖለቲካ እንተደልዩ ምስ ሕብረተሰብ ክመክር፡ ካብቲ ሕብረተሰብ መፍትሒ ሓሳባት ክምንጩ ክገብር ኣለዎ” ብምባል መንግስቲ ብልፅግና ግን ነዚ ምግባር ከምዝኸበዶ ከምዝኣምን ገሊጹ።
ካብዚ ጌጋታት’ዚ እንተዘይተማሂሩ ግን እቲ ስርዓት ንባዕሉ ኣብ ሓደጋ ከምዝወድቕ ይኣምኑ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ስርዓተ ምሕደራን ፈደራሊዝምን ዶክተር ተስፋየ ነቲ ኣብ መንጐ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዘሎ ዘይምስምማዕ ምፍታሕ ዝከኣል ልዕልና ሕጊ ብምኽባር ጥራሕ ከምዝዀነ ይምጕት።
መንግስቲ ኣብ ጉዳይ እምነት ኢዱ ኣእትዩ ንህዝቢ ክህውኽ ከምዘይግባእ ዝሕብር እቲ ምሁር፡ ናብ ፖለቲካ ንዝኣትዋ ሃይማኖታዊ ትካላት እውን ዶብ ከቐምጥ ከምዝግባእ የዘኻኽር።
ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ንዝፍጠር ፍልልያት ንምሽምጋል ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ምትእትታው ክገብሩ ተራእዩ እዩ።
"ኣብተን ሃይማኖታዊ ትካላት ዝለዓሉ ሕቶታት መበቆሎም ሃይማኖታዊ ድዩ ወይስ ፖለቲካዊ ንዝብል ሕቶ መልሲ ንምሃብ ሰፊሕ መጽናዕቲ የድሊ" ይብል ፕሮፌሰር ጌታቸው።
‘ደወል መጠንቀቕታ’
ብፍላይ መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኢዱ ምእታዉ ግጭታት ንኽውስኹ ከም ምኽንያት ዘቐምጥ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ካልጋሪ ጌታቸው፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ምስ ሰዓብቲ እስልምና ክጋጨዉ ዝተራእየሉ ኣጋጣሚ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
መንግስቲ፡ "ኣብታ ሃገር ምርግጋእን ሰላምን ዘይምህላዉ ወይ ግጭታት ምውልዑ ንኣገዛዝኣይ ይጠቕመኒ እዩ” ኢሉ እንተኣሚኑ ኣዝዩ ሓደገኛ ሳዕቤን ከኸትል’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
ኣብ ሃይማኖት ምእንተ እምነትካ መስዋእቲ ምኽፋል ዓቢይ ቦታ ዝወሃቦ ምዃኑ ብምዝኽኻር ድማ መንግስቲ ብጉልባብ ሃይማኖት ፖለቲካዊ ድሌታቱ ከማልእ ከይፍትን ይምዕድ።

ምንጪ ስእሊ, MINBER TV/FB
ብተመሳሳሊ፡ “መራሕቲ ሃይማኖት’ውን ብስም እምነት ፖለቲካዊ ድልየታቶም ንምፍፃም ክፍትኑ የብሎምን” ክብል ጸዊዑ።
ኣቶ ያሬድ ብወገኑ፡ ፖለቲከኛታት "ዝርስዕዎ ወይ ንሓንሳብ ደው ኢሎም ዘይሓስቡሉ ጉዳይ”፡ ኢትዮጵያ ጸኒዓ ደው ዝበለትሉ ምስጢር፡ ብሰናይ ፍቓድ ወይ ብሰናይ ስራሕ መራሕታ ዘይምዃኑ እዩ።
"እዚ ኵሉ ዓሌታዊን ናይ ጽልኢን ፖለቲካ ኣብ ዝስበኸላ ሃገር፡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ሓደ ክሕቈፍ ገይረን ዘንበራኦ እዘን ሃይማኖታዊ ትካላት እምበር ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ መንግስቲ ወይ ካልእ ኣይኰነን" ክብል ይምጕት።
ኣብ ኵለን ሃይማኖታዊ ትካላት ዝርከቡ ብሄራትን ዝተፈላለየ ፍልልያት ዘለዎም ሰዓብቲን ንዅሉ ነገር ረሲዖም እዮም በብወገኖም ኣብ ቅድሚ ሓባራዊ ፈጣሪኦም ዝቐርቡ።
ኣቶ ያሬድ ካብዚ ብምብጋስ "ነቲ ኢትዮጵያ ጸኒዓ ደው ዝበለትሉ ዓምዲ ካብ ሱሩ ከም ምምሓው እዩ ዝሕሰብ” ክብል ነቲ ኣብ ሃይማኖታት ዝረአ ፖለቲካዊ ምትእትታው ይገልጾ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ትካላት ሃይማኖትን ሰዓብተንን፡ ምስ መንግስቲ ናብ ከቢድ ግጭትን ክትዕን ኣትየን ዝነበራሉ ምኽንያት፡ ሰበስልጣን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ጣልቃ ብምእታዎም ከምዝዀነ ይዝከር።
ኣብ ናይ ኢህወደግ ናይ መወዳእታ ዓመታት፡ ሰዓብቲ እስልምና፡ ነቲ መንግስቲ ኣብ ምምሕዳር እምነቶም ፈጺምዎ ዝበልዎ ኢድ ኣእታውነት ንምዅናን "ድምጽና ይሰማዕ!" ብዝብል ጭርሖ ተኸታታሊ ተቓውሞታት ከምዘካየዱን ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ከምዝተኣስሩን ይዝከር።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ መንጐ መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ንዝተፈጠረ ፍልልይ ስዒቡ፡ መንግስቲ ከምቲ ትጽቢት ዝተነብረሉ ኣይፈጸመን ብዝብል ኣብቲ ጉዳይ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኢድ ኣለዎ ዝብሉ ክስታት ክስምዑ ጸኒሖም እዮም።
ኣብዚ ቀረባ ድማ ብሰንኪ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ከተማ ሸገር፡ ክልል ኦሮምያ፡ ምዕናው ብዙሓት መሳጊድ ዝጠንቁ፡ ሰዓብቲ እስልምና መንግስቲ ንሃይማኖታዊ ትካላቶም ሓለዋ ኣይገበረን ብዝብል ይወቕሱ ኣለዉ።
ኣቶ ያሬድ ከምዚ ዓይነት ኣብ መንጐ መንግስትን ኣመንትን ዝፍጠር ዘይምትእምማንን ምፍጣጥን ካልኦት ፖለቲካዊ ጸገማት ክጓሃሃሩ፡ ካልእ ናዕቢን ካልእ ክሳራ ህይወት ደቂ ሰባትን ከስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ኣለዎ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓተይ ምትእትታው ኣሎ ብምባል ተቓውሞኣ ዘስምዓትሉ ኣገባብ ድማ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ኣብዚ እዋን ከኣ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተቓውሞ ኣብ ምስማዕ ይርከቡ።
"እዚኦም ንመንግስቲ ዝተወሃቡ ደወላት መጠንቀቕታ ከምዝዀኑ ክቘጽሮም ይቐለኒ፤ እወ ኣላርም ወይ ደወል እዮም” ኢሉ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

