ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዅሲ 'መራሕቲ ፋኖ' ተቐቲሎም

ከተማ ኣዲስ ኣበባ
Published

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከባቢ ቦሌ፡ ፖሊስ ኣባላት ፋኖ ምስ ዝበሎም ውልቀሰባት ሎሚ ዓርቢ ምልውዋጥ ተዅሲ ተኻይዱ ከምዝነበረ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ፖሊስ ዝሃቦ መረዳእታ፡ ኣብቲ ምልውዋጥ ተዅሲ ክልተ ኣባላት ፋኖ ዝበሎም ተቐቲሎም።

ዓርቢ 12 ሚያዝያ 2024 ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምክትል ኣዛዚ ማርቆስ ታደሰ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ፖሊስ ድሕሪ ዝወሰዶ ስጕምቲ መራሒ እቲ ጕጅለ ዝተባህለ ውልቀሰብ ከምዝተቐተለ ኣመልኪቱ።

እቲ ሓላፊ ፖሊስ፡ ፖሊስ እታ ከተማ ነቶም ውልቀሰባት ብጥርጣረ ግብረሽበራዊ ንጥፈታት ክከታተሎም ከምዝጸንሐ ጠቒሱ።

ካብኣቶም ክልተ ምስ "መራሕቲ ፋኖ" ብዝተፈጸመ ተዅሲ ከምዝተቐትሉ፡ እቲ ሓደ ድማ ብዘይ መጕዳእቲ ከምዝተታሕዘ ገሊጹ።

ፖሊስ እታ ከተማ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ተዅሲ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቘሰሉ ኣፍሊጡ።

ምክትል ኣዛዚ ማርቆስ ከምዝበሎ ኣባላት ፋኖ ዝነበሩ ናሁሰናይ ኣንዳርጌ ታሪኩን፡ ኤበንዘር ጋሻው ኣባተን ሃብታሙ ኣንዳርጌ ተሰማን ብፖሊስ ክትትል ይግበረሎም ከምዝነበረ ሓቢሩ።

ኢዶም ንዘይምሃብ ብመኪና ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ተዅሲ ከምዝተኸፍተ ይዛረብ።

እቶም ጥርጡራት፡ መኪና ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ እቶም ፖሊስ ተዅሲ ከምዝኸፈቱ፤ ምስዚ ድማ መራሒ ፋኖ እዩ ዝበሎ ናሁሰናይ ኣንደርጌ ኣብቲ ተዅሲ ተሃሪሙ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ፤ ኣብኡ ሞይቱ ክብል ፖሊስ ሓቢሩ።

ምክትል ኮማንደር ማርቆስ፡ “ናሁሰናይ ኣንዳርጌ ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ንምእታው ኣብ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ኢዱ ከይህብ ኣበርቲዑ ተቓሊሱ’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ጠንቂ ሞት ኣብቲ ከባቢ ዝኸይድ ዝነበረ ሰብ ኰይኑ’ዩ።ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ተዅሲ ብምኽፋት ከቢድ መጕዳእቲ ክወርዶም ምኽንያት ኰይኑ እዩ” ኢሉ።

ኤበነዘር ጋሻው ኣብ ማእከል እቲ ምልውዋጥ ተዅሲ ከምዝተቐትለ’ውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ብተወሳኺ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ሳልሳይ ጥርጡር ሃብታሙ ኣንዳርጌ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት መግለጺ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ብዘይካ እቶም ሰለስተ ጥርጡራት፡ ሓደ ሰለማዊ ሰብ ክመውት እንከሎ፡ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።

ኣብቲ ተዅሲ ሳጅን ኣራርሳ ተሾመን ኮንስታብል ማትያስ ጴጥሮስን ዝተበሃሉ ኣባላት ፖሊስ ከምዝቘሰሉ ክግለጽ እንከሎ እንዳሻው ጌትነት ዝተባህለ ሰብ፡ ምስቶም ዝድለዩ ሰባት ኣይንተሓባበርን ብምባሎም በቶም “ኣኽረርቲ አባላት ተቐቲሎም" ኢሉ።

ብቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ እቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ክልተ ተጓዓዝቲ እውን ጉድኣት ከምዝበጽሐ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እቲ ተዅሲ ኣብቲ ናብ ቦሌ መድሃኔዓለም ዘምርሕ ኣዳራሽ ሚለንየም ናብ ሳንሻይን ቪላ ቤቶቸ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ከምዝተፈጸመ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ንቢቢሲ ሓቢሮም።