ጋምቤላ፡ ሕሙማት ኣእምሮ ዝርከብዎም 50 ሰላማውያን ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተቐተሉ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, GAMBELLA PRESS SECRETARIAT OFFICE
ብ7 ሰነ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ከተማ ጋምቤላ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ክልል፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ግንባር ሓርነት ጋምቤላን ዘጋጠመ ውግእ ስዒቡ፡ ሕሙማት ኣእምሮ ዝርከብዎም ብውሑዱ 50 ሰላማውያን ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኮሰመኢ] ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሽን፡ ትማሊ ረቡዕ 18 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ካብ ፍርዲ ወጻኢ ቅትለት ዝፈጸሙ ሰበስልጣን ሕጋዊ ተሓታትነት ክረጋገጽ ፀዊዑ።
ኮሰመኢ፡ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሰነ ኣብታ ከተማ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ፀጥታ እቲ ክልልን ዕጡቓትን ብሰንኪ ዘጋጠመ ውግእ ዝወረደ ቅትለት፡ መጉዳእትን ዝምታን መርሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።
13 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ’ቲ ኮሚሽን፡ ካብ 07 ክሳብ 09 ሰነ 2014 ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍፀም ቅትለት፡ መጕዳእትን ዝምታ ንብረትን ብሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዕጡቓት ሓይልታትን ከምዝተፈፀሙ ኣመልኪቱ።
ፍሉይ ሓይሊ ክልል ጋምቤላ፡ ፖሊስ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ግንባር ሓርነት ጋምቤላ፡ ምልሻታትን መሓዙት መናእሰይን ነቲ ተግባር ኣብ ምፍጻም፡ ምምራሕን ምፍጻምን ኢድ ከምዝነበሮም ሓቢሩ።
ኣብተን ሰለስተ መዓልታት፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ዞባ፡ ደቂ ኣንስትዮን ሕሙማት ኣእምሮን ዝርከብዎም ብውሕዱ 50 ሰላማውያን ሰባት ብዘይ ፍርዲ ብውልቂን ብጅምላን ከምዝቐተሉ እቲ ኮሚሽን ኣረጋጊጹ።
እቶም ዕጡቓት ካብታ ከተማ ምስ ወጹ፡ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ድሕሪ ምእታዉን’ውን ቅትለት ከምዝተፈጸመን፡ ነዚ ድማ ተሓታቲ ሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ክልል ምዃኖም፡ እቲ ኮሚሽን ይገልጽ።
እቲ ኮሚሽን፡ ክልላዊ ሓይልታት ጸጥታ ዝብሎም፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል፡ ስሩዕ ፖሊስን ምልሻን ኰይኖም፡ ገለ መናእሰይ ድማ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ተሓባቢሮም ኢሉ።
ብመሰረት እቲ ምርመራ፡ እቶም ሓይልታት ፀጥታ ኣብ መንበሪ ገዛውቶም፡ ኣብ ጐደናታትን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ኣኽበርቲ ሕጊ እናሀለዉን፡ ብውሕዱ 50 ሰባት ከምዝቐተሉ እቲ ኮሚሽን ኣረጋጊጹ።
ብተወሳኺ ኣስታት 25 ሰባት ቀሊልን ከቢድን መጕዳእቲ ከምዘጋጠሞምን፡ ቍጽሮም ዘይተገልጸ ካልኦት ሰባት ከምዝተጋፍዑን ከምዝተሳቐዩን ጸብጻብ ኮሰመኢ የመልክት።
እዚ ድማ፡ "ኣብ ገዛኹም ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ኣለዉ፣ ኣፅዋር ከምዘለኩም ተሓቢሩና ኣሎ” ብዝበሉ ምኽንያታት ከምዝተፈጸመ ይገልጽ።
እቶም ብሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዝተቐትሉ፡ ብፍሉይ ሓይልታትን ፖሊስን መካይን ጽዕነት ተኣኪቦም ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ተወሲዶም ብጅምላ ተቐቢሮም ምህላዎም እቲ ኮሚሽን ኣቃሊዑ።
እቲ ጸብጻብ፡ ሬሳ ክወሃቦም ዝሓተቱ ስድራ መዋቲ ከም ዝተኸልኡ እውን ኣረጋጊጹ።
ኢስመኮ፡ ንፖሊስ እቲ ክልል ንምንታይ ሬሳ ናይቶም ዝሞቱ ንስድራ ዘይተወሃበን ንምንታይ መቓብር ቦታታት ንስድራ ዘይተገለጸን ክብል ሓቲቱ።
ብኣንጻሩ ምምሕዳር ከተማ፡ ኢሰምኮ ምስ ፌደራልማ ፖሊስ ክራኸቡ ዝሓተተ ኾይኑ፡ ፖሊስ ፌደራል ድማ ብኣንጻሩ እቶም ሬሳታት ተኣኪቦም ኣብ ቀጽሪ ምምሕዳር እታ ከተማ ከምዝተቐብሩ ገሊጹ።
ብዘይካ ሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ዞባ፡ ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ግንባር ሓርነት ጋምቤላን፡ ኣብታ ውግእ ዝተኻየደላ መዓልቲ ብውሕዱ 7 ሰባት ቀቲሎም- ይብል እቲ ጸብጻብ።
ኣብቲ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ሽዱሽተ ሰባት ቀታሊኦም ከይተነጸረ፡ ከምዝሞቱ’ውን እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ድሕሪ እቲ ውግእ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ብ8ን 9ን ሰነ 2014 ዓ.ም ውጸኢት መርመራኡ ዕላዊ ገይሩ።
ብሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት እታ ከተማ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ገሊጹ፡ ክውሰዱ ዝግባኦም ሕጋዊ ስጕምትታት እውን ኣመልኪቱ።
7 ሰነ ሰዓት፡ መንግስቲ ግብረሽበራ ኢሉ ዝሰየሞ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ግንባር ሓርነት ጋምቤላን፡ ናብ ከተማ ጋምቤላ ኣትዮም መጥቃዕቲ ብምኽፋት፡ ምስ ፌደራላዊ ፖሊስ ምስ ፍሉይ ሓይሊ፡ ፖሊስን ምልሻን ናይቲ ክልል ውግእ ኣካይዶም ነይሮም።
እቶም ዕጡቓት፡ ንገለ ክፋል እታ ከተማ ተቘጻጺሮም ምንባሮምን፡ ድሕሪ እቲ ውግእ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ነታ ከተማ መሊሶም ከም ዝተቘጻጸርዋ ይዝከር።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
