መረጻ ኣመሪካ፡ ኣብ ኮሎራዶ ንቤት ምኽሪ ከተማ ዝተዓወተ ሕጹይ ሪፐብሊካን ኣምሳሉ ጸጋዬ

ንባይቶ ከተማ ኣውሮራ ዝተዓወተ ኣቶ ኣምሳሉ

ምንጪ ስእሊ, Amsalu

መግለጺ ስእሊ, ንባይቶ ከተማ ኣውሮራ ዝተዓወተ ኣቶ ኣምሳሉ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኢትዮጵያዊ መበቖል ዘለዎ ኣመሪካዊ ኣቶ ኣምሳሉ ጸጋዬ፡ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኮሎራዶ ከተማ ኣውሮራ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ቤት ምኽሪ ተዓዊቱ።

እዚ ድማ፡ ኣብታ ግዝኣት ፈላማይ ኢትዮጵያዊ ከምኡ'ውን ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ኣባል ባይቶ ይገብሮ።

ኣቶ ኣምሳሉ፡ ኣብቲ ባይቶ ንሓደ ዓመት ከገልግል እዩ። ነቲ ዝተመረጸሉ ኣርባዕተ ዓመታት ከይወድአ ካብ ሓላፍነቱ ዝወረደ ኣባል ባይቶ ፕሮ ተም ደስተን ዘፋነክ ተኪኡ ክሰርሕ'ዩ።

ባይቶ ከተማ ኣውሮራ፡ ካብ 37 ተወዳደርቲ ሰለስተ ሕጹያት ናብ ናይ መወዳእታ ውድድር ከቕርብ እንከሎ፡ ዳንኤል ሌሞን፡ ጆናታን መክሚለንን ኣምሳሉ ካሳውን ኣብቲ ባይቶ ቃለ መጠይቕ ተገይሩሎም።

ከንቲባ እታ ከተማ ማይክ ኮፍማን ካብ መንጐ ዘቕረቦም ሕጹያት ኣቶ ኣምሳሉ ሓደ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።

ኣብ መስርሕ እዚ ሕርያ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕን ርእይቶ ሕብረተሰብን ሓዊሱ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ዝወሰደ መስርሕ ተኻይዱ።

ኣባላት ባይቶ እታ ከተማ ድማ ድምጾም ብምሃብ ነቲ ተዓዋቲ ወግዓዊ ገይሮም።

ብመሰረት ጸብጻብ 'ዘ ዴንቨር ጋዜት' ካብ 10 ኣባላት ባይቶ እቶም ሽዱሽተ ብዝሃቡዎ ድምጺ ኣቶ ኣምሳሉ ክዕወት ክኢሉ።

ኣቶ ኣምሳሉ፡ ንሓደ ዓመት ምስ ሰርሐ ኣብቲ ዝቕጽል መረጻ ከም ዝወዳደር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህርዳር ዝተወልደ ኣቶ ኣምሳሉ፡ ንዝሓለፉ 17 ዓመታት ኣብ ኮሎራዶ እዩ ተቐሚጡ።

ኣብታ ግዝኣት ልዕሊ 40 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ከም ዝነብሩ ይግመት።

ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ ዝዀነ ኣምሳሉ፡ "ጕዕዞይ ጽንዓት፡ ማሕበረሰብን ተስፋን ዘሰነዮ'ዩ" ክብል ኣብቲ መረጻ ይጕስጕስ ነይሩ።

ስጳኛ ሓዊሱ ኣርባዕተ ቋንቋታት ናይ ምዝራብ ክእለት ስለ ዘለዎ፡ ብዙሓት ተዛረብቲ ስጳኛ ኣብ ዝርከቡላ ከተማ ጐስጓስ ንግምባርን ኣብቲ መረጻ ንምዕዋትን ሓጊዙዎ።

ኣቶ ኣምሳሉ ጸጋዬ

ምንጪ ስእሊ, Amsalu

መግለጺ ስእሊ, ኣምሳሉ ኣብ መንጐ ኣውሮራን ኣዳማን ርክብ መሓዙት ከተማታት ክግበር ከም ዝሰርሐ ይዛረብ

'ኣውሮራ ልዕሊ ከተማ እያ'

ሰለስቲኦም ደቁ ኣብታ ከተማ እዮም ተወሊዶም።

ከተማ ኣውሮራ፡ ሳልሰይቲ ዝዓበየት ከተማ ኮሎራዶ እያ።

"ኣብ 2007 ፖለቲካዊ ዕቑባ ሓቲተ ምስ መጻእኩ ኢዳ ዘርጊሓ ተቐቢላትኒ፤ ኣውሮራ ንዓይ ልዕሊ ከተማ'ያ፤ ኣብነት ዕድልን ብዙሕነትን እያ" ዝብል ኣቶ ኣምሳሉ ኣብ እዋን እቲ ጐስጓስ መረጻ፡ "ንዝሓለፉ 17 ዓመታት ኣብ ኣውሮራ'ያ ተቐሚጠ፤ ንነብሰይ ኣመሪካውን ነባሪ ኣውሮራን ኢለ ክጽውዕ እንከለኹ ይሕበን" ክብል ተዛሪቡ።

"ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስዅምን እንፈልጦ ሕልሚ ኣመሪካ (American dream) ዝምልከት ዝተፈለየ ኣጠማምታ ኣለኒ። ዓመታዊ ኣነን ደቀይን ኣብ በዓል ልደት ንግዳም ሓደር ድራር ነብልዖም። ብቤተክርስቲያን ዝተኣከበ ክዳውንቲ ክኣ ነከፋፍል" ኢሉ።

በዚ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ንደቁ ልግሲን ካልኦት ክብርታትን ከም ዘምህሮም ይገልጽ።

ምስ ኣመራርሓን ነበርትን ብምዃን ድማ፡ ናኣሽቱን ትካላትን ማሕበራዊ ተሳትፎን ከም ዘተባብዕ ዝገልጽ ኣቶ ኣምሳሉ፡ "ዘተኣሳስሩና ገመዳት ክሕይሉን ንዅሉ ዕድል ስራሕ ክፈጠርን እየ ዝሕልን" ኢሉ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ውሽጢ ኣማኻሪ ኮሚቴ ኣባል ኮንግረስ ማይክ ኮፍማን ሰሪሑ እዩ።

ማይክ ኮፍማን፡ ካብ 2019 ዓ.ም ጀሚሩ ከንቲባ ከተማ ኣውሮራ እዩ።

ኣቶ ኣምሳሉ፡ ኣብ መንጐ ኣውሮራን ኣዳማን ርክብ መሓዙት ከተማታት ክግበር ከም ዝሰርሐ ይዛረብ።

ንሕብረተሰብ እታ ከተማ ብዝህቦ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክኣ ተሸላሚ 'Spirit Award' ናይ 2024 ኰይኑ።

ብተወሳኺ፡ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ሲቪክ ካውንስል ኣመሪካን ኢትዮጵያን እዩ።

ኣምሳሉ  ኣብ መንጐ ኣውሮራን ኣዳማን ርክብ መሓዙት ከተማታት ክግበር ከም ዝሰርሐ ይዛረብ

ምንጪ ስእሊ, Amsalu

ካብ ድቁና ክሳብ ፖለቲካ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

'ኣብ ቤተ ክህነት'የ ዓብየ' ዝብል ኣቶ ኣምሳሉ ኣብ ከተማ ባህርዳር ዲያቆን ከም ዝነበረን ኣብ ኮሎራዶ ቤተክርስቲያን ቅድስቲ ማርያም ከም ዘገልግልን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።

ካብዚ ብዝሰገረ ኣባል 11 ኣባላት ዘለውዎ ናይ ከተማ ቤት ምኽሪ ኰይኑ።

ኣብታ ከተማ ንዝግበሩ ህዝባዊ ኣገልግሎታት፡ ቀረብ ኣባይቲ፡ ትካላት ደቐቕትን ንኣሽቱን፡ ምምሕዳራዊ ጕዳያትን ባጀትን ዝምልከቱ ጕዳያት እታ ከተማ በቲ ቤት ምኽሪ'ዮም ዝሓልፉ።

"መብዛሕትኦም ፖለቲከኛታት ካብ ታሕተዋይ ክፋል እታ ከተማ ተላዒሎም'ዮም ናብ ኮንግረንስ ዝድይቡ" ይብል ኣቶ ኣምሳሉ።

'ዘ ዴንቨር ጋዜት' ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ንኣቶ ኣምሳሉ ደጊፉ ዝተዛረበ ኣባል ባይቶ ስቴፋኒ ሀንኮክ "ኣብዛ ሃገር ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ትውልዲ ሃገሩ'ውን ጽቡቕ መሪሕነት ኣርእዩ'ዩ። ናብዚ መጺኡ'ውን ነዚ'ዩ ኣርእዩና፥ ንዕኡ ምምራጽ ከተማ ኣውሮራ ዓሌታዊት ከም ዘይኰነት ግልጺ መልእኽቲ'ዩ ዘሕልፍ፤ ንዕኡ ናብ ባይቶና ምጽንባር እምነት ሕብረተሰብና የደልድሎ'ዩ" ኢሉ።

ካልእ ዳንኤል ጁሪንስክያርድ ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ድማ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ "ኢዱ ዘርጊሑ'ዩ ተቐቢሉና" ብምባል ምስ ኣቶ ኣምሳሉ ብፖለቲካ'ኳ እንተዘይተሰማምዑ ምምራጹ ከም ዝድግፍ ተዛሪቡ።

ኣብታ ግዝኣት፡ ላቲን ኣመሪካውያን ሓዊሱ ካብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሰኔጋል፡ ሶማልያ፡ ሩዋንዳ፡ ግብጽን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጽኡ ስደተኛታት ከም ዝነብሩ ጠቒሱ።

"ኣፍሪቃውያን ኣብዚ ባይቶ ቦታ ክንሕዝ ይግባእ። ኣውሮራ ዝተፈላለዩ ህዝብታት ዝነብሩላ እያ እንተይልና፡ ወኪል ክህሉ ኣለዎ" ብምባል ኣብቲ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ ከም ዝሓገዙዎ ሓቢሩ።

ሕጂ "ማሕበራዊ ድሕነት ስደተኛታት፡ ቤት ኣልቦነት፡ ገበናትን ካልኦት ጸገማትን" ኣብ ምቅላስ ትዅረት ከም ዝገብር'ውን ተዛሪቡ።