እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሪያድ፡ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ሊላ ኣቀባብላ ትራምፕ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ
ርእሰከተማ ርያድ ሎሚ ረፋድ ን ትራምፕ ኣብ ዝተቐበለትሉ ቀይሕ ዘይኮነስ ሊላ ምንጻፍ ክትዝርግሓሉ እያ ተራእያ።
ስዑዲ ኣብ 2021 እያ ናይ ጽምብል ሕብሪ ምንጻፍ ካብ ቀይሕ ናብ ሊላ ቀይራቶ። እዚ ድማ ካብቲ ተፈጥራዊ ጽባቐ እታ ሃገር ዝነቐለ ምዃኑ ይገልጹ።
ይኹን እንበር ንመራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝግበር ኣቀባብላ ፍልልይ ይረአ'ዩ።
ፕረዚደንት ኣሜርካ ነበር ጆ ባይደን ኣብ 2022 ናብ ስዑዲ ምብጻሕ ኣብዘካየደሉ እዋን ንኣብነት፡ ወራሲ ዘውዲ መሓመድ ቢን ሳልማን ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ልኡኻቱ ብምስዳድ እዩ ተቐቢልዎ።
ንትራምፕ ግን እቲ ስልጣን ናይቲ ብዕድመ ዝደፍአ ንጉስ ሳልማን ብምርካብ ብግብሪ መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ ዘሎ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ባዕሉ እዩ ተቐቢልዎ።
ንፕረዚደንት ትራምፕ ዝሓዘት ነፋሪት 'ኤርፎርስ ዋን' ኣብ ሪያድ ብናይ ስዑዲ በተን F-15 ዝተባህላ ነፈርቲ ወግእ ተስንያ እያ ዓሊባ።
ኣብዚ ንኣርባዓተ መዓልታት ዝጸንሕ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ትራምፕ ፡ ኣማኻሪኡ ኤሎን ማስክ ዝርከብዎም ሓያሎ ናይ ክብሪ ዓዱማት ድማ ብመሓመድ ቢን ሳልማንን ዝተኣንገደ ኣዝዩ ምዕሩግ ናይ ምሳሕ እንግዶት ተጌርሎም።
ምስ ትራምፕ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ መነመን እዮም?
ናይ ዓርሞሾሻዊ ትካላት ቦይንግን ጉግልን ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ከም ብላክስቶን ጉሩፕን ብላክ ሮክን ናይ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ናይ ወፍሪ ትካላት መራሕቲን'ውን ገለ ካብቶም ምስ ትራምፕ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣምሪሖም ዘለዉ እዮም።
እቲ ኣሜሪካዊ ፕረዚደንት ናይ 142 ቢልዮን ዶላር ኣብ ምክልኻልን ኣጽዋርን ዘቶከረ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሙ "ዝምድና ኣሜርካን ስዑዲ ዓረብን ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ደልዲሉ'ሎ'" ክብል ተዛሪቡ።
ትራምፕ ዝተፈላልዩ ዓበይቲ ናይ ንግዲ ስምምዓት ክገብር እዩ ተስፋ ጌሩ ዘሎ።
መራሕቲ ሃገራት አዕራብ ድማ ኣብ ቓዛ ዘሎ ጭንቂ ንከርሁ ጸቕጢ ክገብሩሉ ምዃኖም ተነተንቲ ይእምቱ።
ትራምፕ'ውን ኣብቲ ኣብ ቓዛ ኣመልኪቱ ዘስመዖ መደረ ትማሊ ጅሆ ተታሒዙ ዝነበረ ኣሜርካዊ እስራኤላዊ ኣዳን ኣለክሳንደር ከምዝተፈትሐ ብምግላጽ "ነቲ ኣብ 7 ጥቅምቲ ኣብ እስራኤል ዝተገብረ ግፊዒ፣ ኩሉ ሰባውነት ዘለዎ ሰብ ክኹንኖ ይግባእ" ብምባል ኣነ ኣብ ስልጣን እንትዝነብር ኔረ ኣይመጋጠመን ኔሩ ክብል ተሰሚዑ።
ትራምፕ "ህዝቢ ቓዛ ድማ ዝበለጸ መጻኢ ክረኽቡ እዩ ዝግቦኦም" ድሕሪ ምባሉ ብጨብጨባ ተናኢዱ። ይኹን እንበር 'መራሕቶም ንሰላማውያን ሰባት ክጨውዩ፡ ከሳቕዩን ዒላማ ክገብሩን ክሳብ ዝመረጹ" ከምኡ ክኸውን ከምዘይክእል ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ትራምፕ ናብ እስራኤል ስቲቭ ዊትኮፍ ነቲ ን19 ኣዋርሕ ጅሆ ተታሒዙ ዝጸንሐ ወዲ 21 ዓመት ኣሜርካዊ እስራኤላዊ ኣዳን ኣለክሳንደር ከምዝረኸቦን 'እንቋዕ ድሓን ወጻእካ' ከምዝበሎን ገሊጹ።
'ንማእከላይ ምብራቕ ወርቃዊ ዘበን ይጽበያ ኣሎ'
"ብሓባር ተራእዩ ዘይፈልጥ ስጉምትታትን ዓቢ ምዕባለን ኣመዝጊብና ኢና" ዝበለ ትራምፕ፡ "ወጋሕታ ናይቲ ድሙቕ ሓድሽ መዓልቲ" ንህዝቢ ማእከላይ ምብራቕ ይጽበዮ ከምዘሎ ተዛሪቡ።
"ንመጀመርያ ግዜ ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት፡ ዓለም ነዚ ዞባ ከም ቦታ ዕግርግር፡ ባእሲ፡ ኲናትን ሞትን ዘይኮነስ ከም ዓዲ ዕድልን ተስፋን ክትጥምቶ እያ" ብምባል "ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና፡ ብሓባር ክንዕወት ኢና፡ ኩሉ ግዜ ድማ ኣዕሩኽ ክንከውን ኢና" ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ሓደ ሰዓት ዝወሰደ መደረ ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ነታ ሃገር "ናይ ዕብየት ዕድል" ንምሃብ፡ ካብ ሶርያ እገዳ ከምዘልዕል ኣፍሊጡ።
ብዘይካዚ ትራምፕ ስዑዲ ዓረብ ናብ ስምምዓት ኣብርሃም ክትጽንበር ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ'ሎ።