እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዘካይዶ ዑደት እንታይ ዝዓለመ እዩ?
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝገብሮ ዑደት፡ ንቝጠባ ኣመሪካ ወሳኒ ኣብ ዝዀነ ሓድሽ ወፍሪ ዘተኵር ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ኢንስቲትዩት ማእከላይ ምብራቕ እትሰርሕ ክኢላ ስነቝጠባ ካረን ያንግ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ወሽመጥ ዓረብ ብመንገዲ ወፍሪ ብዙሕ ገንዘብ ናብ ኣመሪካ ንምምጻእ ዘለዎ ድሌት ከፍልጥ ትጽቢት ከም ዝግበር ትገልጽ።
"ኣብቲ ኣኼባ ነዞም ወፍሪታት ክዀኑ ዝኽእሉ ቦታታት ዘርኢ ዓቢይ ስእሊ ከቕርብ ይደሊ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ቍጠባ ኣመሪካ - ኣብ ከም ምፍጣር ዕዮን ምዕባይ ማኑፋከቸሪንን ዝኣመሰሉ - ብኸመይ ጽልዋ ከሕድሩ ከም ዝኽእሉ ግምቱ ከቐምጥ ተስፋ ኣሎ።"
ትራምፕ ንሰሉስ 13 ግንቦት ናብ ሪያድ ብምእታው ምስ መራሒ እታ ሃገር ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ክራኸብ ምዃኑ ይፍለጥ።
ብድሕሪኡ፡ ን14 ግንቦት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ መራሕቲ ወሽመጥ ዓረብ ክሳተፍ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ድማ ናብ ቐጠር ዝገይሽ ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ናይ ሳልስቲ ዑደቱ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክዛዝሞ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ዞባ ንትራምፕ ብመዳይ ቍጠባ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ፕረዚደንት፡ ዳግማይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ ካብ ሃገሩ ክወጽእ እዚ ንኻልኣይ ግዜ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንምስታፍ እዩ ፋልማይ ዑደት ኣይካዪዱ።
ፕረዚደንታት ኣመሪካ ናብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምእታዎም ዝበዝሕ ግዜ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካናዳ ወይ ሜክሲኮ እዮም ፈላማይ ዑደቶም ዘካይዱ። ትራምፕ ግና ዋላ ኣብቲ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክገይሽ እዩ ተራእዩ።
ኣመሪካ ካብ ሃገራት ውሽመጥ ዓረብ ሓደስቲ ወፍርታት ምርካብ ማለት፡ ነቲ "ቀዳምነት ኣመሪካ፡" ዝብል ውጥኑ ንምስኻዕ ዝሓግዝ ምዃኑ ይግለጽ።
እዚ ፕረዚደንታዊ ዑደት ንላዕለዎት መራሕቲ ዎል ስትሪትን ሲሊኮን ቫሊን ናብ ስዑዲ ዓረብ ገጾም ክጥምቱ ገይሩዎም ኣሎ። ኣብ 13 ግንቦት ኣብ ሪያድ ዝካየድ ዋዕላ ወፍሪ ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን፡ ዋና ኣካየድቲ ስራሕ ናይ ብላክሮክ፡ ፓላንቲር፡ ሲቲግሩፕ፡ ኣይቢኤም፡ ኩዋልኮም፡ ኣልፋቤትን ፍራንክሊን ቴምፕልተንን ክሳተፉ እዮም።
ኣመሪካ፡ እዚ ተካይዶ ዘላ ጻዕርታት ከቢድ ቍጠባዊ ፈተና ጐኒፉዋ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ። ፕረዚደንት ትራምፕ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ኣቝሑ ዝሰልዖ ሓድሽ ቀረጽ፡ ኣብ ንግዲ ዓለም ምትእምማን ኣጥፊኡ ንቝጠባ ኣመሪካ ሃስዩዎ ይርከብ። ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ ቍጠባዊ ዕብየት ኣመሪካ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንፈለማ እዋን ምዝሕሓል ኣርእዩ።
ኣብ ጥሪ፡ ልኡል መሓመድ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ኣብ ኣመሪካ 600 ቢልዮን ዶላር ከም እተውፍር እኳ እንተ ገለጸ፡ ትራምፕ ግን እዚ ኣሃዝ ንምግዛእ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ካብ ኣመሪካ ሓዊሱ ናብ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ክዓቢ ከም ዝደሊ ይሕብር።
ብመሰረት ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ጥቡቕ ቅርበት ዘለዎ ደራሲ ዓሊ ሺሃቢ፡ ኣብቲ ጕዕዞ ብርክት ዝበሉ ቍጠባዊ ስምምዓት ክኽተሙ እዮም።
925 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ዝቈጻጸር ፋንድ ልኡላዊ ሃብቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ማዕከን ህዝባዊ ወፍሪ (PIF) ድሮ ኣብ ኣመሪካ ብዙሕ ወፍሪ ኣለዎ። ካብዚኦም፡ ኡበር፡ ናይ ጸወታ ትካል ኤሌክትሮኒክ ኣርትስን ናይ ኤለክትሪክ መካይን ትካል ሉሲድን ይርከቡዎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢማራት ዓረብ ድሮ ኣብ ዝቕጽሉ 10 ዓመታት ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ከም ኪነታዊ-ብልሒ (AI)፡ ሰሚኮንዳክተራት፡ ጸዓትን ማኑፋክቸሪንን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ወፍሪ ክትገብር ቃል ኣትያ ኣላ። እዚ ኣብ መጋቢት ብዋይት ሃውስ ዝተገልጸ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኢማራት ዓረብ ሸኽ ታህኑን ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ኣብ ዋሽንግተን ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ምርኻቡ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ያንግ ካብ ኢንስቲትዩት ማእከላይ ምብራቕ፡ ዓቐን ናይዞም ወፍሪታት ኣብ ሓጺር ግዜ ክውንነታዊ ከም ዘይኰነ ትዛረብ። ኣብ ክንድኡ ንነዊሕ እዋን ዝወስድ ስትራተጅያዊ ስጕምትታት ምዃኖምን እቶም ኣሃዛት "ከም ትኽክል፡" ክውሰዱ ከም ዘይግባእን ትዛረብ።
ኣብ እዋን ዑደት ትራምፕ ክግለጹ ዝኽእሉ ፍሉያት ስምምዓት ብዝምልከት፡ ስዑዲ ዓረብ ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ኣጽዋር ኣመሪካን ካልእ ወተሃደራዊ መሳርሒታትን ክትገዝእ ከም እትሰማማዕ ብሰፊሑ ይግለጽ።
እዚኦም ድማ ሚሳይላት፡ ስርዓት ራዳርን መጓዓዝያ ነፈርትን ከም ዘጠቓልሉ ይንገር።
ኣመሪካ ንነዊሕ እዋን ንስዑዲ ዓረብ ኣቕራቢት ኣጽዋር ኰይና እኳ እንተ ጸንሐት፡ ኣብ 2021 ግን ናይ ሽዑ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ጐረቤት ሃገር የመን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት እታ ሃገር ንዝነበራ ግደ ስክፍታታቱ ብምጥቃስ፡ ኣጽዋር ክሸጠላ ኣቋሪጹ ነይሩ።
ኣብ 2018 ኣብ ልዕሊ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ዝተፈጸመ ቅትለት እውን ዓቢይ ረቛሒ ምንባሩ ብሰፊሑ ይግለጽ። ጸብጻብ ኣመሪካ፡ ልኡል መሓመድ ነቲ ቅትለት ከም ዘጽደቖ እዩ ዝሕብር።
እንተዀነ፡ ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መሸጣ ኣጽዋር ናብ ስዑዲ ዓረብ ዳግማይ ጀሚሩ እዩ። እቲ ምኽንያት፡ ስዑዲ ኣብ ልዕሊ የማን ደብዳብ ብምቝራጻ ዝብል እኳ እንተዀነ፡ ገለ ኣካላት ግን ስዑዲ ዓረብ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ክትሕግዝን ኣብ ዳግመ-ህንጸት ክትሳተፍን ዝዓለመ ምዃኑ ይገልጹ።
ደራሲ ሺሃብ ከም ዝገለጾ፡ ስዑድ ዓረብ "ስሉጥ ስርዓተ-ዕድጊ፡" ንምትግባር ንኣመሪካ ክትሓትት ምዃና ይዛረብ። እዚ ድማ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ተተኰስትን ወተሃደራዊ መሳርሒታትን ብኣዝዩ ቅልጡፍን ቀሊልን መንገዲ ንምርካብ ከም ዘኽእሎ ይገልጽ።
ምምሕዳር ትራምፕ ነዞም ስምምዓት ንምፍጻም ዘኽእሉ ሜላታት ከም ዘበገሰን እቲ መስርሕ ብቕልጡፍ ክመሓየሽ ትጽቢት ከም ዝግበርን ይሕብር።
ኪነታዊ-ብልሒ እቲ ካልእ ኣብ እዋን ዑደት ትራምፕ ነቲ ኣጀንዳ ዝዕብልል ኣርእስቲ ክኸውን እዩ።
ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን ካብ ነዳዲ ርሒቐን ቍጠባአን ንምስፋሕ ኣብ ዝጽዕራሉ ዘለዋ እዋን፡ ኣብ ጽላታት ቴክኖሎጅን ኪነታዊ ብልሕን ቢልዮናት ዶላር ከውፍራ ጸኒሐን እየን።
ኢማራት ዓረብ ማእከል ኪነታዊ-ብልሒ ንምዃን ዝተፈላለየ ጻዕርታት ከተካይድ ጸኒሓ ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምምሕዳር ትራምፕ ዝተራቐቐ ናይ ኣመሪካ 'ቺፕስ' ንልዕሊ 120 ሃገራት (ንሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝሓወሰ) ከይሽየጥ ብባይደን ንዝተቐመጠ መምርሒታት ኣልዒሉዎ እዩ።
ኣመሪካ ምስ ከም ኢማራት ዓረብ ዝኣመሰላ ሃገራት ብቐጥታ ክትዘራረበሉ ዘኽእላ ሓድሽ መምርሒታት ክትነድፍ ትጽቢት ይግበረላ።
ሓያሎ ሰባት ትራምፕ ገንዘብ ወሽመጥ ዓረብ ክረክብ ክፍትን ክዕዘቡ እንከለዉ፡ ስዑዲ ዓረብ እውን ወፍሪ ኣመሪካ ናብቲ ዓቢይ ውጥን ራእይ-2030 ከተእቱዎ ኣበርቲዓ ትጽዕር ኣላ።
ራእይ-2030 ብቐንዱ ብዛዕባ ሓደስቲ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ህንጻ እዩ፤ ከም ምህናጽ 'ዘ ላይን' እትበሃል ከተማ። ኣካል ናይቲ ስዑዲ ዓረብ ቍጠባኣ ካብ ነዳዲ ወጻኢ ክትሃንጾ ወጢናቶ ዘላ እዩ።
ዑደት ትራምፕ ንንግዳዊ ትካላት ኣመሪካ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብፍላይ ኣብ ከም ኪነታዊ-ብልሒ (AI)፡ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ዝያዳ ዕድላት ክድህስሱ ክደፍኦም ተስፋታት ኣሎ።
"መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብዞም ዓውድታት ወፍሪ ንምግባር እናቋመተ ይርከብ። ኩባንያታት ስዑዲ ዓረብ ምስ ኩባንያታት ኣመሪካ ንምትሕብባር ኣዝዩ ዓቢይ ድሌት ኣሎ፡" ክብል ሑታይም ኣል ጀላል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ኣብ እዋን ዑደት ትራምፕ ኣብዞም ዓውድታት ዝተገብረ ገለ ውዕላት፡ ውሑስ ከም ዝኸውን ምትእምማን ከም ዘለዎም ይግለጽ።
ንስዑዲ ዓረብ፡ ዑደት ትራምፕ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዝምድናኣ ምስ ምዕራባዊ ዓለም ዘሐይል እዩ። እዚ ዝምድና ኣብ እዋን ምምሕዳር ባይደን እናደኸመ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
ንፕረዚደንት ትራምፕ ድማ ቍጠባዊ ኣጀንዳኡ ንምዕዋት ግብራዊ ውዕላት ወፍሪ ምውሓስ እዩ።