ሕቡራት ሃገራት ረድኤት ኣብ ዘቛረጸላ ደቡብ ሱዳን፡ ህጻናት ይሞቱ ኣለዉ -ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘቕርቦ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቁራጹ ስዒቡ፡ ሓደ ዓብዪን ክልተ ህጻናትን ከምዝሞቱ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡
እቲ ሞት ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ዋራፕ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት እዩ ኣጋጢሙ፡፡
እቲ ሓደጋ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ብሕጽረት ርሾ (ፈንድ) ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘቕርቦ ዝነበረ ሓገዝ ምግቢ ደው ከምዘበለ ድሕሪ ምግላጹ እዩ አጋጢሙ ዘሎ፡፡
እቲ ትካል ቀረብ ምግቢ ንምቕጻል 426 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ኣብ ወርሒ ሰነ ገሊጹ ነይሩ፡፡
እንተኾነ ማሕረሰብ ዓለም ትኹረቱ ኲናት ዩክረይን ሓዊሱ ናብ ካልኦት ቅልውላዋት ብምግባሩ እቲ ሓገዝ ክርከብ ኣይተኽኣለን፡፡
ኣብቲ መዓስከር ዝሰርሕ ኣባል ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሳሚ ኣል ሱባይሂ፡ ካብቶም ዝሞቱ ህጻናት እቲ ሓደ ሓሙሽተ ዕድሚኡ ከምዝነበረ ተዛሪቡ፡፡
‘‘ንኣዶ ናይቲ ሓደ ቆልዓ ኣብ ጎኒ ሓድሽ ዝተኹዓተ መቓብር ወዳ ኮፍ ኢላ ረኺበያ፤ ቀጠንትን ዝደኸሙን ካልኦት ሰለስተ ደቃ ድማ ኣብ ኣፍደገ ዕምጻጽ ጉጂ መንበሪኦም ኮፍ ኢሎም ረኺበዮም’’ ይብል፡፡
ብተወሳኺ ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኣስታት 20 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከምዘለዉ ይገልጽ፡፡
‘‘ኣብ ሓደ መዓስከር ኣካላቶም ዝደኸመን ዝወድቁን ሰባት ርእየ፤ ንነዊሕ እዋን እኹል ምግቢ ከምዘይረኸቡ ግልጺ እዩ፡፡ ኣብ ዝኾነ ገዛ ምግቢ ዘብስልን ዝተቐመጠ ምግቢ ዘለዎምን ሰብ ኣይረኣኹን፡፡’’
ሓደ በዓል ስልጣን ውድብ ምግቢ ዓለም ‘‘ብምኽንያት ሕጽረት ርሾ ን 1.7 ሚልዮን ሰባት እንህቦ ዝነበረ ሓገዝ ደው ኣቢልና ኢና፤ ን 4.5 ሚልዮን ሰባት ምሕጋዝ ግን ቀጺልና ኣለና’’ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
እቲ ምቁራጽ ኣብ ብዙሓት ግዝኣታት ዘጋጠመ ከምዝኾነ ዝገለጸ እቲ በዓል መዚ፡ ካብ 11 ሚልዮን ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ልዕሊ 60 ምኢታዊት ‘‘ሓደጋ ውሕስነት ምግቢ’’ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ገሊጹ፡፡
እቲ ትካል ኣብ መፋርቕ ሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ቅድሚ ሓገዝ ደው ምባሉ፡ ኣብ 2021 ነቶም ስደተኛታት ዝህቦ ምግቢ ብፍርቂ ብምንካይ ዝኣመሰሉ ኣማራጺታት ከምዝፈተነን ከምዘይሰመረሉን ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡
ንነዊሕ ዓመታት ብጎንጺ ክትሕመስ ዝጸንሐት ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ናጽነታ ካብ እትረክብ ንደሓር እውን ብሕጽረት ምግቢ ተጠቒዓ ጸኒሓ፡፡
እቲ ንኣርባዕተ ወቕቲታት ዝቐጸለ ከቢድ ውሑጅ እውን ብዙሕ ገዛውትን ኣዝርእትን ብምዕናው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብምፍንቓል ነቲ ኩነታት ኣጋዲድዎ እዩ፡፡




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

