ኣብ ደቡብ ሱዳን ነፋሪት ወዲቓ ብምልኦም ተሳፈርቲ ሞይቶም

Published
ሰብ መዚ ደቡብ ሱዳን ኣብ ምብራቃዊ ዞባ ጂንጎለ ትበርር ዝነበረት ንእሽተይ ነፋሪት ሰሉስ ምሸት ወዲቓ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 10 ሰባት ምማቶም ገሊጾም።
እታ ነፋሪት ካብ ንኡስ መዓርፊ ነፈርቲ ፒረ ተበጊሳ ናብ ርእሰ ከታማ እታ ሃገር ዝኾነት ከተማ ጁባ እናኣምረሐት እንከላ፡ ብዙሕ ከይከደት ከምዝወደቐት እቶም ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
ሚኒስተር መጓዓዝያ እታ ሃገር ማዱት ብያር የል፡ ነቲ ምኽንያት ምውዳቕ እታ ነፋሪት ዘጻርዩ ልኡኻት ናብቲ ዝወደቐትሉ ቦታ ሎሚ ሮቡዕ ተላኢኾም ከምዘለዉ ሓቢሩ።
እታ ነፋሪት ብሳውዝ ሱፕሪም ዝተብሃለ ውልቃዊ ትካል እትውነን ኮይና፡ እቲ ትካል ንምውዳቕ እታ ነፋሪት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ የለን።
ኣመሓዳሪ ዞባ ጆንጎለ ድናይ ጆክ ቻጎር ብምውዳቕ እታ ነፋሪት ከምዝሰንበደ ብምግላጽ: ናብ ስድራ ግዳያት ናይ ሓዘንን ናይ ጽንዓት ይሃብኩምን መልእኽቲ ሰዲዱ ኣሎ።
ኣብ ውሽጢ ደቡብ ሱዳን ዝግበር በረራታት ብዓለምለኻዊ ድሕነት በራራት ተመርሚሩ ንድሕነቱ ዝምልከት ነጥቢ ኣይተውሃቦን ዘሎ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ 2018 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ ብሓፈሻ 10 ነፈርቲ ክወድቃ እንከለዋ: ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት 30 ሰባት ብሓደጋ ነፋሪት ሞይቶም ኣለዉ።

![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

