ኢትዮጵያ፡ ኣፍኮን 2028 ንምእንጋድ ዓቕሚ ኣለዋ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ዓለም ኣብ መበል 143፡ ካብ ኣፍሪቃ ድማ መበል 43 ደረጃ እትርከብ ኢትዮጵያ፡ ኣፍኮን 2028 ንምእንጋድ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪባ።
ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ብመንግስቲ ዝድገፍ እማመኡ፡ "እታ ሃገር ዝዓበየ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ንምእንጋድ ምሉእ ድልውነት ከምዘለዋ፡" ዘረጋግጽ'ዩ ይብል።
ኢትዮጵያ፡ ሰለስተ ግዜ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዘአነገደት ሃገር እያ - ኣብ 1962፡ 1968 ከምኡ'ውን 1976።
እንተዀነ፡ መሰረተ ልምዓት ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣዝዩ ድሒሩ ይርከብ።
እታ ሃገር ዝሓለፈ ዓመት ብኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ንኽትጥቀመሉ ዝተፈቐደደላ ስታድየም ሓደ ጥራሕ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ዓለምለኻዊ ስታድየምን ስፖርታዊ ኮምፕሌክስን ንምምራቕ ኣብ መስርሕ ትርከብ።
እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝርከብ ቦታ ንውድድር ሓደ ኣማራጺ ክኸውን'ዩ፡ እንተዀነ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት 24 ጋንታታት ዝሓቘፈ ውድድር ኣፍኮን ከተአንግድ እኹል ዓቕሚ ኣለዋ ድዩ ዝብል ዓቢ ሕቶ ግን ዛጊት መልሲ ዘለዎ ኣይመስልን።
ብርክት ዝበሉ ዘለዉ ዞባዊ መሳለጥያታት ብመንጽር ትሕተ ቅርጺ፡ መሳለጥያታትን ሓፈሻዊ ናይ ጸወታ መዓልቲ ጠለባትን ደረጃታት ፊፋ ወይ ካፍ ዘየማልኡ ከምዝዀነ ይንገር።
ኢትዮጵያ ኣብ ሜድኣ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2026 ኣብ ሞሮኮን ሩዋንዳን ኣብ ገለልተኛታት ቦታታት እያ ተጻዊታ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ግን ኣብ ድሬዳዋ ጸወታታት ኣአንጊዳ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ካፍ ፓትሪስ ሞትሰፐ ትካሉ ንኣፍኮን 2028፡ 2032ን 2036ን "ዘሐጉስ ጨረታታት" ከምዝረኸበ ገሊጹ - እዚ ውድድር ድሕሪ 2028 ኣብ በብኣርባዕተ ዓመት ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ እዩ።
ቦትስዋና፡ ናሚብያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ዚምባብዌን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ንፍጻመ 2028 ደቡብ ኣፍሪቃዊ ውድድር ከካይዳ ሓባራዊ ጨረታ ከምዘቕረባ ኣፍሊጠን እየን።
ኣአንጋዲት 2025 ዋንጫ ኣፍሪቃ ሞሮኮ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዳግማይ ነቲ ውድድር ከተካይድ ከምእትኽእል ዝገልጽ ጸብጻባት እኳ እንተሃለወ፡ ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ግን እታ ንግስነት ዋንጫ ዓለም 2030 ብሓባር ንምእንጋድ ኣብ ምድላዋት ትኹረት ትገብር ከምዘላ ይርዳእ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብወተሃደራዊ መንግስታት ዝምራሕ ሰለስተ ሃገራት ቡርኪናፋሶ፡ ማሊን ኒጀርን፡ ኣብ 2032 ብሓባር ከአንግዳ ድሌት ከምዘለወን ገሊጸን እየን።
ኣፍኮን 2027 ካብ ዝመጽእ ዓመት ካብ 19 ሰነ ክሳብ 17 ሓምለ ኣብ ኬንያ፡ ታንዛንያን ዩጋንዳን ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ። እቲ ውድድር ኣብ 1976 ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝካየድ ንፈለማ እዋን እዩ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክካየድ።
ኢትዮጵያ ኣብ 1962 ኣብ ሜድኣ ዋንጫ ኣፍኮን ዓቲራ እያ። ንዋንጫ ኣፍሪቃ ንመወዳእታ ግዜ ካብ እተአንግድ ንደሓር ሰለስተ ግዜ ጥራይ እያ ናብዚ ውድድር ክትሓልፍ ክኢላ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ 2021 ዘካየደቶ ጸወታ፡ ካሜሩን፡ ቡርኪናፋሶን ኬፕ ቨርደን ኣብ ዝሓቖፈት ምድብ ብዘይ ዓወት ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ እያ ዛዚማ።
ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፡ ንኣፍኮን ከአንግድ ከም ዝደሊ ምግላጹ ዝተሓዋወሰ ግብረ መልሲ ኣስዒቡ ኣሎ።
ነቐፍቲ እታ ሃገር ብሓቂ ከምዚ ዝኣመሰለ ውድድር ከተአንግድ ድልውቲ ድያ ዝብል ሕቶ የልዕሉ።
ኢትዮጵያ ኣብ 1957 ኣብ ፈላማይ ኣፍኮን ካብ ዝተጻወታ ሰለስተ ሃገራት ጥራሕ ሓንቲ እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዝርከብ 52,000 መቐመጢ ዘለዎ ስታድዩም ባህርዳር ኣብዚ ሕዚ እዋን ብካፍ ዝxeደቐ እንኮ መሳለጥያ እያ እትውንን።

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport/SM
ብኻልእ ወገን ኣብ ኣዲስ ኣበባ 62,000 ሰባት ዝሕዝ ኣህጉራዊ ስታድዩም ዓደይ ኣበባ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።
ካልኦት ሰለስተ ክህነጹ ዝሕሰቡ ስታድየማት ኣብ ኣዝዩ ኣቐዲሙ ደረጃ ምዕባለ ስለዘለዉ፡ ን2028 ኣብ ግዚኡ ጠለባት ካፍ ንምምላእ ርኡይ ስራሕ ከድልዮም እዩ።
ይኹን እምበር ንኣፍኮን ንምእንጋድ ካብ ምዕባይ ወይ ምህናጽ ስታድየማት ንላዕሊ ዝሓትት እዩ። ብተወሳኺ እታ ሃገር እኹል ናይ ስልጠና መሳለጥያታት፡ ጂምናዝየም፡ መንበሪን መዘናግዕን ቦታታት፡ ከምኡ እውን ዘተኣማምን ናይ ከተማ መጓዓዝያን ትሕተ ቅርጺ ጸጥታን ከምዘድልያ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ኢትዮጵያ ንዘቕረበቶ ሕቶ፡ ቀንዲ ስክፍታ ጸጥታ እዩ። ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ብተዛማዲ ውሑስ እኳ እንተኾነት፡ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር ግን ዕጥቃዊ ግጭታት፡ ፖለቲካዊ ናዕብን ካልእ ጸጥታዊ ብድሆታትን የጋጥመን ኣሎ።
ኢትዮጵያ ንኣፍኮን 2028 ብዓወት ከተአንግድ እንተዀይና፡ ጐድኒ ጐድኒ ጠለባት መሰረተ ልምዓት፡ ነዞም ስክፍታታት ምፍታሕ ወሳኒ ክኸውን እዩ።












![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



