ምምሕዳር ትግራይ 'ወግዓዊ ብዛዕባ ዘይኰነ' ምብጻሕ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, DWET
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ፡ ብሰኑይ 24 ነሓሰ 2026 (ኣ.ኤ)፡ ናብ ትግራይ 'ወግዓዊ ዘይኰነ' ምብጻሕ ከም ዝገበረን ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝተዘራረበን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ቢሮ ጕዳያት ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነዚ ምብጻሕ እቲ ፍሉይ ልኡኽ "ሃንደበታዊ" ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።
ትግራይ፡ ካብቲ ብ2022 ብስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት ደው ዝበለ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ገና ኣይሓወየትን።
ሰበስልጣን እቲ ክልል ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈጸመ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ድሮናት ንማእከላይ መንግስቲ ኣብ ዝነቕፍሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ ግጭት ዳግም ከይዓርግ ስክፍታታት ኣሕዲሩ ይርከብ።
መንግስቲ፡ ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ክሲ ርእይቶ ክህብ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።
ብሰኑይ ረፋድ፡ ኣብ ዞባታት ደቡብን ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኣጽቢ ደብዳባት ድሮን ከም ዝተፈጸሙ ነበርቲን ኣመሓደርትን እተን ከባቢታት ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ካብ መቐለ ኣስታት 67 ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ወረዳ ኣጽቢ ጣብያ ፈለገወይኒ ቁሸት መብራህቶም ቅድሚ ሕጂ ዕጡቓት ትግራይ ይነብርሉ ምንባሮም ኣብ ዝተገልጸ ከባቢ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊጾም።
ኣብ ሰብን ንብረት ሓደጋ ከም ዘይበጸሐ ምምሕዳር እታ ወረዳ ንቢቢሲ ገሊጹ ኣሎ።
ብሰንኪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ ኣብ መቐለ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ 13 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቘሰሉን መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝተሃሰዩን ቢሮ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ትግራይ ኣፍሊጡ'ዩ።
ሰበስልጣን እቲ ክልል ብ18 ነሓሰ'ውን ካብ መቐለ 15 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ዳንደራ ዝተባህለ ከባቢ ክልተ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ብምሕባር ሓደ ሰብ ሞይቱ ካልእ ድማ ከም ዝቘሰለ ገሊጾም።
ብተወሳኺ ብ10 ነሓሰ ኣብ ወረዳ ራያ-ኣላማጣ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሮም።
መንግስቲ ፈደራል ይዅን ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ብዛዕባ እዞም መጥቃዕቲታት ዝሃቡዎ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ኣብቲ ክልል መጥቃዕቲ ድሮን ይፍጸም ኣሎ ዝብል ክስታት ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን ንኻልኣይ ግዜኡ ዝገሸ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰንጉን ኦባሳንጆ፡ ኣብቲ ኣብ መፋርቕ ሰነ እዚ ዓመት ዘካየዶ ምብጻሕ ምስ ሰብ-መዚ ህወሓት ድሕሪ ምዝርራብ፡ "ነገራት ካብቲ ኣብዚ እዋን ዝበጽሑሉ ደረጃ ከይሓስሙ ንምግባር፡" ይሰርሕ ምህላው ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብቲ ናይ ትማሊ መገሻኡ ድማ፡ ምስቲ ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ብምእላይ መሪሕነት እቲ ክልል ከም ዝተቘጻጸረ ዘፍለጠ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝተራኸበን ኣብ እዋናዊ ጕዳያት ክልሉ ከም ዝተዘራረቡን ንምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።
ነዚ ዝርርብ ስዒቡ፡ መራሕቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዝርርብ ንምጅማር ቅድመ ኵነት ኣቐሚጦም ኣለው።
እዚኦም ድማ፡ "ቍጠባዊ እገዳን ዕጽዋን ምልዓል፡ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ምህዳእ፡ ግዝኣታዊ ምምሕዳር ትግራይን ተመበዛልቲን ምምላስ ከምኡ'ውን ፖለቲካውን ሕጋውነትን ህወሓት ናብ ንቡር ምምላስ፡" ዝብሉ ይርከቡዎም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክግበሩ ዝጸንሑ ዝርርባት "ፍሹላት፡ ዘይጭበጡን ግብራውነት ዘይብሎምን'ዮም" ብምባል "ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ተነቢሩ ኣሎ ዝበሎ ቍጠባዊ ዕጽዋ ንኽለዓል ዝገብር ዝርርባትን ርክባትን ንኽካየድ ሓቲቱ።
"ቅኑዕን ሓቀኛን ዝርርባትን ርክባትን ኵሎም መዳርግቲ ኣካላት ይሓትት፡" ብምባል "ትርጕም ዘለዎ ናይ ሰላም ዝርርባትን ርክባትን ንምግባር፡" ብወገን መሪሕነት እቲ ክልል ድልውነት ከም ዘሎ ጠቒሱ።
እቲ ኣብ መወዳእታ 2020 ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ህወሓትን ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ብወግዒ ካብ ዘኽትም ሰለስተ ዓመታት እኳ እንተሓለፈ፡ ትግራይ ዛጊት ናብቲ ቅድመ-ኲናት ዝነበረቶ ቍመና ክትምለስ ኣይከኣለትን።
መንግስቲ ፈደራል ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝዀነ ውዕል ፕሪቶሪያ "ብምጥሓስ" ክኸስስ ከሎ፡ እቲ ነዚ ውዕላት ከፈጽም ዘቘሞ ትካል ብዓቢኡ "ወዲቑ'ዩ" ክብል እዩ ዝነቅፍ።
ህወሓት፡ ኣቐዲሙ እቲ ስምምዕ "ፈሪሱ'ዩ፡" ዝብል መርገጺኡ ወግዓዊ ገይሩ እኳ እንተጸንሐ፡ መንግስቲ ፈደራል ክሳብ ሕጂ ንመርገጺ ህወሓት ብወግዒ ርእይቶ ኣይሃበሉን።
ይዅን'ምበር ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ኣተገባብራ ውዕላት እቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ንሓድሕዶም ክካሰሱ ምጽንሖም ኣይርሳዕን።
ብሰንኪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከለው ልዕሊ 60 ሽሕ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ከም ዝተሰደዱ ይፍለጥ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ግጭትን ብሰንኩ ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕብር።
እቲ ሕብረት፡ እቲ ብሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ኲናት፡ ብልዝብ ንምፍታሕ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምሻም መንግስቲ ፈደራልን መራሕቲ ትግራይን ንምሽምጋል ጻዕሪ ክገብር ተራእዩ'ዩ።
እንተዀነ፡ ኣብዚ ዓመት ዝተራእየ ፖለቲካዊ ወጥሪ ክልቲኦም ወገናት እቲ ግጭት ዳግማይ ክጅምር ከም ዝኽእል ስግኣት ኣለዓዒሉ ይርከብ። እዚ ድማ ህወሓት ነቲ ኣብ ትሕቲ ስምምዕ ሰላም ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣልዒሉ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ባይቶ ናብ ስርሑ ድሕሪ ምምላሱ እዩ።
ክልቲኦም ወገናት ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ኣይከኣሉን ክብሉ ንሓድሕዶም ይካሰሱ።






![ኣብዚ ስእሊ ዝረአ ዘሎ ስእሊ ድሮን ዝፀንሐ ካብ ሰነድ [ፋይል] ዝተረኽበ እዩ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/8b19/live/e6f14090-9587-11f1-a7ab-8b30adf0800a.png.webp)








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



