እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ብዛዕባ እቲ ሎም ቕነ ዘጋጠመ ክስተት እንታይ ኢሉ?
ኣብ ክልል ትግራይ፡ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ እትርከብ ከተማ ኣላማጣ፡ ንዝሓለፉ ኣስታት ሰለስተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ፈደራል መንግስቲ ዝመሓደር ኵነታት ጸጥታ እዩ ዘለዋ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብታ ከተማ ብኣቈጻጽራ ሰዓት ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ምሸት ሰዓት ሰለስተ (9፡00) ምንቅስቓስ ሰብን ተሽከርከርትን ይድረት ወይ ደው ይብል።
ብሰኑይ 3 ጳጕሜን 2017 [ግ] ግን፡ ብግምት ከባቢ ሰዓት 2፡30 ናይ ምሸት ኣርባዕተ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ "ብእግሮም ይንቀሳቐሱ፡" ከም ዝነበሩ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓለፍቲ መንግስቲ እታ ከተማ ይገልጹ።
ካልኦት ነበርቲ ድማ፡ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት፡ ምሸት ሰዓት ሰለስተ "ምልውዋጥ ተዅሲ" ከም ዘጋጠመ ይጠቕሱ።
ነበርቲ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝሸሞ ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ኣቶ ሞገስ ሽፈራውን፡ ቅድሚኡ ነታ ከተማ የመሓድር ዝነበረ ግን ድሚ ሕጂ ኣብ ቦታኡ ዘየለን ከንቲባ ዝነበረ ኣቶ ዝናቡ ሓድሽን፡ ብዛዕባ እዚ ክስተት ዝሃቡዎ ሓበሬታ እንታይ ይመስል?
ኩሎም ብዛዕባ እቲ ኣጋጢሙ ዝበሃል "ጐንጺ" ዝህቡዎ ሓበሬታን መረዳእታን ዝተፈላለየ እዩ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ ነበርቲ እታ ከተማ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ጸጥታ ፈደራልን "ተዅሲ" ከም ዝነበረ ሓቢሮም።
ብግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ከንቲባ እታ ከተማ ዝነበረ ዝናቡ ሓድሽ፡ እቲ ክስተት ከም ዘጋጠመ ኣረጋጊጹ።
ግን ድማ፡ "ብረት ዝሓዙ" ዝበሎም ዕጡቓት ብዝፈጠርዎ ፖለቲካዊ ኵነታት፡ ኣብቲ ከባቢ ብዘይምህላው፡ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከም ዘይክእል ተዛሪቡ።
ሽሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ፡ ቢቢሲ ኣምሓርኛ ዘዘረራረቦ ነባሪ ከም ዝበሎ፡ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ተዅሲ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ምሸት ሰዓት ሰለስተ ( 9) እዩ ኣጋጢሙ።
"መብዛሕትኡ ህዝቢ ደቂሱ ስለ ዝነበረ፡ ምስ ወግሐ (ብሰሉስ) ኢና እንታይ ከም ዝተፈጥረ ኣረጋጊጽና'' ክብል'ውን ኣረዲኡ።
ሕጂ ኣብ ስራሕ ከም ዘሎ ዝገልጽ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተሾመ ከንቲባ ሞገስ ሽፈራው ግን፡ ኣብታ ከተማ ዘጋጠመ ምልውዋጥ ተዅሲ የለን ብምባል ይነጽጐ።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብ3 ጳጕሜን ምሸት ከባቢ ሰዓት 2፡30 ኣርባዕተ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ፡ "ማዞሪያ" ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብእግሮም ይንቀሳቐሱ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።
"ሽዑ፡ፌደራልን ምክልኻልን ደው በሉ ኢሎምዎም። እንታይ ስለ ዝገበርና ደው በሉ ትብሉናና ኢሎምዎም፡ መገዶም ምስ ቐጸሉ፡ ብቐጥታ ኣብ ህንጻን ምድርን ዝነበሩ ልዕሊ 200 ሓይልታት ጸጥታ ጥይት ተኲሶምሎም። ኣጋጣሚ፡ ፋኛትራ ነይሩ ዘሊሎም ናብኡ ኣትዮም፡" ብምባል ህይወቶም ከም ዘድሓኑ ይዛረብ።
ንሱ ወሲዅ፡ "ብኣና ወገን -ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ናብኦም- ዝተተኰሰ ጥይት የለን፡" ብምባል ግጕይ ሓበሬታ'ዩ ብምባል ሞጒቱ።
ቢቢሲ ኣምሓርኛ ካብ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ሓደ፡ ምኽንያት እቲ ግጭት፡ ሰልፊ ብልጽግና ኣምሓራ ዝሰርሖ ዝበሎ "ኣደባባይ ወንጭፍ" ብምፍራስን ባንዴራ ኢትዮጵያ ብምውራድን፡ ባንዴራ ትግራይ ንምስቃል ምፍታኖምን ከም ዝዀነ እዩ ዝዛረብ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ነቲ ኣደባባይ ንኽጽገን ንመንግስቲ ፈደራልን ኮማንድ ፖስን ሕቶ ኣቕሪቦም'ኳ እንተነበሩ፡ ፍቓድ ከም ዘይረኸቡ ዝገልጽ እዚ ነባሪ፡ ኣብ ቀረባ ዕጡቓት ኣካላት ፀጥታ ትግራይ፡ ክልተ ጣብያታት ከም ዝተቘጻጸሩ ገሊጹ።
ኣብ "ኣደባባይ ወንጭፍ" ባንዴራ ንምስቃል ኣብ ዝፍትንሉ ዝነበሩ፡ ኣብ መንጐ እቶም ዕጡቓትን ሓይልታት ፈደራልን ብዝተፈጥረ ግጭት፡ ሓደ ኣባል ፈደራል ከም ዝሞተ ሰሚዐ ኢሉ።
ድሕሪኡ ግን፡ እቲ ወጥሪ እናሓየለ ብምምጽኡ፡ ኣባላት ምክልኻል ናብቲ ቦታ ምስ መጽኡ ብዝተፈጥረ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ኣስታት ሽውዓተ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ከም ዝተቐትሉ ተዛሪቡ።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ ዕጡቓት ትግራይ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ህንጻ መሓመድ ብምእታው "በንዚን ኣፍሲሶም" ብምቅጻል ጕድኣት ከም ዘውረዱን ኣርባዕተ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱን እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም።
ቢቢሲ፡ ብዝሒ ግዳያት ብዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግጽ ኣይክኣለን።
ኣብቲ ከባቢ ግን ሓይልታት ፈደራልን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ከም ዝርከቡ ካብ ኣመሓደርትን ነበርትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ቢቢሲ፡ ካብቲ ንጸጥታ እታ ከተማ ክቈጻጸር ሓላፍነት ዝተዋህቦ ሓይሊ ዕማም ዝረኸቦ ሓበሬታ የለን።
ከንቲባ ሞገስ ሽፈራው ግን፡ ኣብ መንጐ እቶም ዝተጠቕሱ ኣካላት ዝዀነ ዓይነት ምልውዋጥ ተዅሲ ከም ዘይነበረ ብምምጓት፡ ኣብ ምንቅስቓስ ዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ 'መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸሞም' ይገልጽ።
"ሽዑ፡ ኣብ ፎቕ ዝነበረ ኣካል ቦምባ ደርብዩ፡ እዚ መሬት ከይነኽአ ኣብ ኣየር ስለ ዝተተኰሰ ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ወልቀሰባት ዕንወት ወሪዱ፡ ሰለስተ ንጹሃት ዜጋታት ድማ ሞይቶም። እዚ ብሰንኪ ፌደራልን ፖሊስን ምክልኻልን እዩ። ካባና ዝተተኰሰ የለን፡" ብምባል ከሲሱ።
እቲ ህንጻ፡ ዋንነቱ መሓመድ ሳኒ ናይ ዝተባህለ ውልቀሰብ ዝዀነ ዝተፈላለዩ ማእከላት ዕዳጋ ዝርከበሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ኣብኡ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ሰብን ዕንወት ከም ዝወረደ'ዉን ወሲዅ ሓቢሩ።
ብንጣር እቲ ቦንባ ድማ፡ "ካብቶም ኣርባዕተ ሓይልታት ትግራይ እቶም ክልተ ቘሲሎም፤ ካብቶም ዝሞቱ ድማ እቶም ክልተ ኣብቲ ህንጻ ዝሰርሑ ዝነበሩ፡ ሓደ ድማ እግረኛ'ዮም፡" ኢሉ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ዝነበሩ ኣርባዕተ ድኳናት መሸጢ ተሌፎናት፡ እንዳ በርገርን ክልተ ቡቲካትን ከም ዝዓነው እውን ነበርቲ ኣረጋጊጾም።
ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጥረ ኵነታት ዝተሰናበዱ ነበርቲ፡ ብሰሉስ ካብ ገዛ ከይወጽኡ ከም ዘሕለፉዎ ዝዛረቡ ነበርቲ፡ ብረቡዕ'ውን ድሩት ምንቅስቓስ ከም ዝነበረ ሓቢሮም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ምምሕዳር እታ ዞባ ብምፍራስ ብሓደሽቲ መራሕቲ ከም ዝተክኦም ይፍለጥ።
እቲ ምምሕዳር፡ ካብ መፋርቕ ሓምለ ጀሚሩ ኣብቲ ዞባ ከካይዶ ዝሓሰቦ መስርሕ ምትካእ ኣመራርሓ ተቓውሞታት ይገጥሞ ከም ዝነበረ'ውን ይዝከር።
እንተዀነ፡ ዕጡቓት እታ ክልል፡ ንኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ብሓይሊ ከም ዝተቘጻጸሩን ንዕኡ ስዒቡ ዘይምቅዳዋትን ሰልፊታትን ከም ዘጋጠሙ ይግለጽ።
በዚ ምኽንያት ህይወት ሰላማዊ ሰባት'ውን ሓሊፉ'ዩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብዛዕባ እቲ ብሰኑይ ኣብ ኣላማጣ ዝተፈጥረ ኵነታትን ዝስዓበ ሞትን ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ መብርሂ የለን።