ትግራይ፡ ዕጡቓት ብዝተኰስዎ ጥይት ብዙሓት ሰባት ተጐዲኦም

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣቶ ጸጋይ ገብረተኽለ

ምንጪ ስእሊ, Dimtsi Weyane FB

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ትግራይ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ከም ዝዀኑ ዝተነግረሎም ዕጡቓት ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ኣስታት 20 ሰባት ከም ዝተጐድኡ ተገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ከም ዝተፈፀመ መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።

ነቲ ኣብ ጣብያ ኣዲስኣለም፡ ቁሸት ኣፅገብታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝዀነነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ፖለቲካዊ ድርኺት ዘለዎ ምዃኑ ብምግላጽ ንገለ ኣዘዝቲ ሰራዊት ከሲሱ'ሎ።

"ሓይሊ ተጠቕምካ መሓውር ጣብያታት ንምፍራስ ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ሰባት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እንትውሰድ እውን ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ዝርኣናዮ መሕዘኒ ተግባር ከም ኣብነት ምውሳድ ይክኣል እዩ፡" ኢሉ።

"ሎሚ እውን ኣብ ፅባሕ 11 ለካቲት ብዘይኣግባብ መሓውር ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ምፍራስ ስራሕቲ ዘካይዱ ውሱናት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ንዕዘብ ኣለና፡" ይብል መግለጺ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር።

ኣብ መንጐ ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጊዝያዊ መንግስትን ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓትን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን፡ ኣብታ ክልል ጸጥታውን ፖለቲካውን ስግኣት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ፈለማ ወተሃደራዊ ክዳን ሓይልታት ትግራይ ዝተኸደኑ ዓሰርተ ዕጡቓት ኣብቲ ጣብያ 'ረብሻ ኣሎ' ተባሂሎም ከም ዝመጽኡ ገሊጾም።

ተመሊሶም ብምኻድ ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓት ሓይሊ ወሲዀም 30 ኰይኖም መጺኦም ንኣማሓዳሪ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ኣይተ መለስ ኣስገደ ማሕተም ኣረክብ ኢሎም ከም ዘገደድዎ ይዛረቡ።

ነባሪ ቁሸት ኣፅገብታ ኣይተ ነጋሲ ብርሃኑ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ህዝቢ ራዕዲን ምንክልባትን ከም ዝፈጸሙ ተዛሪቡ።

"ብዘይተሓስበ መጺኦም፡ ማህተም ክጨውዩ ፈቲኖም፤ ዓበይቲ ዓዲን ህዝብን ተኣኪቦም 'እንታይ ትገብሩ ኣለዅም? ህዝቢ ከመሓዱርና'ዮም ኢሉ መሪጹ እናሃለወ እንታይ ትገብሩ ኣለዅም?' ኢሉ ከዛርቦም ጀሚሩ። ግን ነቲ ህዝቢ ክሰምዑዎ ኣይክኣሉን።"

ሓላፊት ጕዳይ ደቀንስትዮ እታ ጣብያ ወይዘሮ ጸጉ በርሀ፡ እቲ ኵናተት ኣሻቓሊ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ እቶም ዕጡቓት ከነረዳድኣኵም ኢና ብዝብል ኣብ ኢዳ ዝነበረ ማሕተም ከም ዝወሰዱ ሓቢራ።

"ኣብ ገዛ እየ ነይረ፤ መጺኦም ማሕተም ሃቢ ኢሎምኒ፡" ዝበለት ወይዘሮ ጸጉ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጕድኣት ንከይበጽሕ ብዝብል ምስ ህዝቢ ምርድዳእ ንክግበር ጻዕሪ ከም ዝገበሩ ተዛሪባ።

እንተዀነ፡ እቶም ዕጡቓት ምስቲ ህዝቢ ምርድዳእ ገዲፎም ነቲ ማሕተም ሒዞም ክሃድሙ ከም ዝፈተኑን ኣብ ኣኼባ ዝነበረ ህዝቢ ክገትኦም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከም ዝተኰሱ ነበርቲ ገሊጾም።

መዓልታዊ ህይወት ነበርቲ ከተማ መቐለ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣስታት 20 ሰባት ማህሰይቲ ከም ዝወረደን ሓደ ብዝተተኰሰ ጥይት ብኸቢድ ዝተሃስየ ናብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ከም ዝተወስደ ተሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣቶ ጸጋይ ገብረተኽለ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሐ ጕድኣት "ማሕተም ኣረክቡ" ዝብል ወጠጥ ዘንቀሎ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

እቶም ዕጡቓት ካብ ከባቢ ደንጎላት ዝመፅኡ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ምዃኖም ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ጠቒሶም ኣለዉ።

ቢሮ ኮሚዩኒኬሽን ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሰራዊት ትግራይ ህልውና ህዝቡ ንምውሓስ ዝተሰለፈ ናይ መኸተ ሓይሊ እምበር ናይ ዝዀነ ጕጅለ ናይ ስልጣን ህረፍ ንምምላእ ከም ዘይወፅአ እናተፈለጠ ካብ ስርዓት ወፃኢ መሓውር ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ምፍራስ ክዋፈር ፍፁም ኣይግባእን።

"እቲ ኩነታት ብከምዚ ዝቕፅል እንተድኣኰይኑ ድማ ከም ህዝቢ ክንወጽኦ ናብ ዘይንኽእል ከቢድ ቅልውላው ከምእንኣቱ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና ብዝግባእ ክግንዘቦ ይግባእ።

"ሰራዊት ትግራይ እውን ነዚ ብገለ ኣመራርሓ ሰራዊት ዝፍፀም ዘሎ ጥሕሰት ሕጊ ብዝግባእ ተረዲኡ ኣብ ናይ ስሕተት መንገዲ እናኣተወ ፀረ ህዝቡን መንግሰቱን ጠጠው ንዝብሉ ኣካላት ኣደብ ግበሩ ንክብሎም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒቱ የቕርብ" ኢሉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ወገን ህወሓት ከም ዝድግፉ ዝገለጹ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ መንግስቲ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ብምዃኑን ኣገደስቲ ዕማማት ክፍጽም ብዘይምኽኣሉን ክውገድ ኣለዎ ክብሉ ጸኒሖም'ዮም።

እቲ ኩነታት ኣብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራት ፖለቲካዊ ቅልውላው ፈጢሩ ምህላዉ'ውን ይግለጽ።