ውዕል ፕሪቶሪያ፡ ጌታቸው ረዳ ዘልዓለን ሰለስተ ነጥቢታት

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመርሐ ጸብጻብ መስርሕ ሰላም ትግራይ ርእይቶ ሂቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመርሐ ጸብጻብ መስርሕ ሰላም ትግራይ ሓሳብ ሂቡ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 38 ጕባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መስርሕ ሰላም ትግራይ ኣመልኪቱ ዘትዩ።

ኣብቲ ብሰንበት 16 ለካቲት 2025 ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ መስርሕ ሰላም ትግራይ ተረኺቦም ዝበሎም ተመኵሮታት ኣመልኪቱ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

እቲ ሕብረት፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ደው ንምባል ብ2022 ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንኽፍረም ካብ ዘሸማገሉ ኣካላት ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

በዚ መሰረት፡ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ ነሓሰ 2021 ንፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባንጆ፡ ላዕላዋይ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገይሩ ብምሻም፡ ኣብ መንጐ ተራጸምቲ ወገናት ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ደው ንኽብል ዝተገብሩ ጻዕሪታት ከም ዝመርሐ ይፍለጥ።

ህወሓትን ማእከላይ መንግስቲን ንዘካይድዎ ዝነበሩ ውግእ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንኸናድዩ ን14 ኣዋርሕ ድሕሪ ዝተኻየደ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ድማ ወከልቲ ክልቲኦም ወገናት ካብ 25 ጥቅምቲ ክሳብ 2 ሕዳር 2002 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ ተራኺቦም ክዘራረቡ ከም ዝተገብረ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ኲናት ደው ዘበለ ውዕል ፕሪቶሪያ ዝፍለጥ ስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት ፈሪሞም ጸኒሖም ኣለው።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ትማሊ ዘካየዶ ጕባኤ ካብቲ ስምምዕ ሰላም ብዙሓት ተመኵሮታት ምውሳድ ከም ዝተኻእለ ገሊጹ።

እቲ ሕብረት፡ ኣካቢ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበረ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ፡ ምኒስተር ጕዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞትዮስ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝርከብዎም ወከልቲ ዝተሳተፍሉ ኣኼባ ዝቐረበ ጸብጻብ ድማ እቲ መስርሕ ሰላም፡ ምስክር ኣብ ሓደ ዕላማ ብሓባር ብምስራሕ ክብጻሕ ዝኽእል ዓወት'ዩ ብምባል ንኢዱ።

ወከልቲ መንግስቲ እንታይ በሉ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዝገበረ ስምምዕ ሰላም፡ ኣተገባብራኡ ውጽኢታዊ ኣይኰነን ዝብሉ ሓያለ ነቐፌታ ክቐርበሉ ጸኒሑ ኣሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጸብጻቡ፡ እቲ መስርሕ ሰላም፡ ብኣፍሪቃዊ ዋንነት ዝካየድ መንጐኝነት፣ ስትራተጂያዊ ርክባት፡ ከምኡ'ውን ምሕደራ ምስጢራዊነት ዝብሉ ኣገዳስቲ ተመኵሮታት ቀሲመሉ'የ ኢሉ።

እቶም ክሳብ ሕጂ ዝተረኽቡ ዓወታት ድማ፡ ኣብ መጻኢ ሰላም ንምፍጣር ንዝግበር ጻዕርታት፡ ንዝያዳ ሰላማዊትን ዝተረጋግአትን ኣፍሪቃ ኣበርክቶ ኣለዎም ይብል።

ምኒስተር ጌዲዮን ጢሞትዮስ፡ እቲ ውዕል ካብ ግዳማዊን ዘቤታውን ተጻባእቲ ክሕሎ ይግባእ ብምባል፡ "እቲ ስምምዕ ካብቶም ከዳኽሙዎ ዝደልዩ ክንሕልዎ፡" ይግባእ ኢሉ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእከሉ ገይሩ ከብቅዕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ኲናት ሓድሕድ ደው ንምባል ዝኸዶ ርሕቐት ግን ኣዝዩ ዝዛሕተለ እዩ ነይሩ ክብል ነቒፉ።

ኣብ ጕዳይ ውዕል ፕሪቶርያ "እንቋዕ ሓጐሰና ንበሃሃለሉ ግዜ ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ መከራኦም ዘየብቅዐ ህዝብታት ገና ስለ ዘለዉ፤ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክምለስን በቲ ኲናት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ግዳያት በቲ ውዕል መሰረት ክምለሱ ክግበር ኣለዎ፡" ዝብል ተሪር መግለጺ ኣቕሪቡ።

ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ስዒቦም ንዝመጽኡ ጸጋታት እኳ እንተንኣደ፡ ኣገደስቲ ዘይተፈትሑ ጕዳያት ኣለዉ ግን ኢሉ።

ግዝኣታዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ናብ ንቡር ከም ዘይተመልሰ ብምጥቃስ፡ "ካብ ሰራዊት ምክልኻል ወጻኢ ዝዀኑ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጽኡን፡ ሕጋውነት ህወሓት ክምለሱሉን፡" እውን ሓቲቱ ክትብል ክልላዊ ተሌቪዥን ትግራይ ጸብጺባ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ህወሓት ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ወርሒ ኣፍልጦ ዘለዎ ጠቕላላ ጉባኤ ከካይድ ብዘይምኽኣሉ፡ ሕጋዊ ጥሕሰት ፈጺሙ ብዝብል ንሰለስተ ወርሒ ዝዀነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከይገብር ከም ዝኣገዶ ይዝከር።

ነዚ ውሳነ ዝነጸገ እቲ ውድብ ብግድኡ፡ 'ቦርድ መረጻ ኢዱ ንምእታው ዝኸዶ ዘሎ ርሕቀት ንሃገር ኣይጠቅምን' ክብል ተሰሚዑ።

እቲ ስምምዕ ብምንታይ ይንቀፍ?

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብርክት ዝበሉ ሰብ መዚ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ትግራይ በጺሖም

ምንጪ ስእሊ, Getachew Reda FB

እቲ 12 ዓንቀጻት ዝሓዘ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ተዅሲ ደው ካብ ምባል ሓሊፉ ዕምቈትን ስፍሓትን እዩ ነይርዎ።

ብሓፈሻኡ፡ ኣብታ ብዂናትን ጥሜትን ዝተሃሰየት ክልል ውሕስነት ዜጋታት ክረጋገጽ፡ ተሓታትነት ክሰፍንን ዳግመ-ህንጸትን ሕውየትን ክግበረላን ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።

ምኽንያቱ፡ ኣብ ትግራይ፡ ካብቲ ብወግዒ ዝካየድ ዝነበረ ወተሃደራዊ ውግእ ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ጸኒዑ ዝነበረ ዕጽዋ፡ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣስዒቡ እዩ።

ልዕሊ 70 ሚእታዊ ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ሕክምናን ከምዝዓነዋ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ እዋን እቲ ኲናት፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ብጃምላዊ ቅትለት፡ ብጥሜትን ስእነት መድሃኒትን ህይወቱ ከም ዝሰኣነ ጸብጻባት ይሕብሩ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ኣብ ጭንቅን ጸበባን ይርከቡ።

ነዚ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተፈላለዩ ወከልቲ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ናብ ትግራይ ክበጽሑን ምስ መራሕቲ እቲ ክልል ክዘራረቡን ክርኣዩ ጸኒሖም። ዝርዝር እቶም ዝካየዱ ዝርርባት ዝምልከት ግን ወግዓዊ ሓበሬታ ክወሃብ ልሙድ ኣይኰነን።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደራት ኣመሪካ፡ ጥልያን፡ ጀርመን፡ ፈረንሳን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ዙርያ ኣፈጻጽማ እቲ ስምምዕን ህልዊ ፖለቲካዊ ኵነታትን እታ ክልልን ኣመልኪቱ ኣብ መቐለ ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።

እቶም ልኡኻት፡ ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቈቢ ማእከላት ብምኻድ ንስደተኛታት ከም ዝበጽሑ ካብቲ ክልል ዝወጽኡ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣቶ ጌታቸው ምስዞም ልኡኻት ዘካየዶ ዘተ ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር ሓበሬታ፡ እቶም ዲፕሎማት "ፈጸምቲ ኣካላት እቲ ውዕል ምምላስ ተመዛበልቲ ቀዳምነት ዝህቡዎ ክኸዉን ከም ዘለዎ፡" ኣስሚሮምሉ ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ፡ ትማሊ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ ግን፡ "ናብ መቐለ ዝመላለሱ ዲፕሎማሰኛታት ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣብታ ዲዲኣር እትብል ሓሳብ እዮም ጸቒጦም ዘዋግዑ - ብፍላይ ድማ ኣብታ ዲሞብላይዘሽን። እዚ ልክዕ ኣይኰነን፡" ብምባል እቲ ውዕል ብምሉእነት ክትግበር ሓቲቱ።

ብሰንኪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከለው ልዕሊ 60 ሽሕ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ከም ዝተሰደዱ ይፍለጥ።

ኣብተን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተጋሩ ስደተኛታት ኣዕቝበን ዝርከባ መዓስከራት ኡምራኩባ፡ ተነድባን ሓሸባን ዝነበሩ ስደተኛታት ድማ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝውላዕ ንደሓር ንዝተፈላለዩ ጸገማት [ቅትለትን መጭወይትን ሓዊሱ] ክቃልዑ ከም ዝጸንሑ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ጐንጺን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕብር።

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ድማ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ኣብ ሱዳንን ዝርከቡ ተመዛበልትን ስደተኛታትን ናብ መረበቶም ንኽምለሱ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊታት ከካይዱ ጸኒሖምን ኣለውን።

ምዕራብ ትግራይ፡ ካብቶም መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግብኣኒ ዘልዕለሎም ከባቢታት ትግራይ ሓደ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እቲ ክልልን ሓይልታቱን ከም ዝርከብ ይግለጽ።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለን፡ ዓድግራት፡ ኣክሱም፡ ዓቢይ ዓዲ፡ ሽረን ካልኦት ከተማታትን እቲ ክልል ዝተፈላለየ ሕቶታት ዘልዓለ ሰላማዊ ሰልፊታት ክካየዱ ጸኒሖም ኣለዉ።