ኢጣልያ፡ ብዝተኻየደ ፍሉይ ስርሒት 61 ጥርጡራት ማፍያ ተታሒዞም

ኣብቲ ስርሒት ልዕሊ 500  ፖሊስ ተሳቲፎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ስርሒት ልዕሊ 500 ፖሊስ ተሳቲፎም
Published

ፖሊስ ኢጣልያ ብዘካየዶ ሰፊሕ ስርሒት ሃድን፡ 61 ኣባላት ናይቲ ‘ንድራንጌታ’ ዝተሰመየ ኣብ ሸውዓተ ዞባታት ዝነጥፍ ዕሉል ጕጅለ ማፍያ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

እዞም ጥርጡራት ማፍያታት ኣብ ምጥፍፋእ፡ ምስግጋር ዕጸፋርስ፡ ካብ ሓረስቶት ገንዘብ ኣብ ምምንዛዕን ኣብ መሓውር መንግስቲ ብምእታው ሕንፍሽፍሽ ክፈጥሩ ዝጸንሑን ምዃኖም’ውን መግለጺ ፖሊስ ይሕብር።

እቲ ስርሒት፡ መርበባት ማፍያታት ንምብጥጣስ ዝዓለመ ኰይኑ ልዕሊ 500 ፖሊስ’ዮም ተሳቲፎም፤ እቲ መደብ ንልዕሊ 167 ማፍያታት ንምሓዝ ትልሚ ከምዝነበሮ’ውን ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ኣብ መላእ ኣውሮጳ ልዕሊ 100 ማፍያታት ከምዝተተሓዙ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ስርሒት ንማፍያታት ንድራንጌታ ንምሓዝ ዝተኻየደ ዝዓበየ ስርሒት ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተኻየደ ስርሒት ሃድን፡ ዓሰርተ ሃገራት ክሳተፋ እንከለዋ፡ ነቲ ወፍሪ ተባሂሉ 25 ሚልዮን ዮሮ ከምዝተሰለዐ ይዝከር።

በቲ ዝተኻየደ ስርሒትን ዝተረኸበ ምስጢራትን እቲ ጕጅለ ማፍያ ከመይ ከምዝሰርሕን ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 እንታይ ዓይነት ስርሓት ይሰርሕ ምንባሩን ክፍለጥ ከምዝተኻኣለ እቲ ዝወጸአ መግለጺ ይሕብር።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ጕጅለ ፖስኳለ ቦኖቮታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ጀነዋ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስትያት ከምዝተተሓዘ ዝዝከር’ዩ።

ብዘይካ እዞም ዝተተሓዙ፡ ብዙሓት ምስዚ ጕጅለ ጥቡቕ ርክብ ብምፍጣር ብልሽውና ክፍጽሙ ዝጸንሑ ሰብ መዚ መንግስቲ’ውን ገሊኦም ተተሓዚም ገለ ከኣ ይድለዩ ከምዝለዉ ተገሊጹ።

እቲ ጕጅለ ማፍያ ማንኩሶ ተባሂሎም ብዝጽውዑ ስድራ ዝተወደበን ብኡኡ ዝምራሕን ከምዝዀነ’ዩ ዝግለጽ።

ብዘይካ'ዚ ማንኩሶ ዝተበሃለ ስድራ፡ ካልኦት 150 ስደራ’ውን ኣባላት ናይዚ ‘ንድራንጌታ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጕጅለ ከምዝዀኑን እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ 40 ሃገራት ድልዱል ጨናፍራት ከምዘለዎን’ዩ ፖሊስ ኢጣልያ ዝገልጽ።

ፖሊስ ኢጣንልያን ቤልጂምን ብዝገበርዎ ምጽራይ፡ እቲ ጕጅለ ካብ ጥቅምቲ 2019 ክሳብ ጥሪ 2022 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ ልዕሊ 25 ሽሕ ኪሎግራም ሓሺሽ ብምዝውዋር ካብ ካላብሪያ ናብ ቤልጂም፡ ሆላንድን ደቡብ ኣሜሪካን ብምዝውዋር ልዕሊ 22 ሚልዮን ዩሮ ዝግመት ገንዘብ ከምዘኻዕበተ ሓቢሮም።