ንሓለቓ ማፍያ ን30 ዓመታት ዝሓብአ ‘ባህሊ ስቕታን ምእዙዝነትን’

መሲና ደናሮ ኣብ ማእከላይ ፓለርሞ ኣብ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ክሊኒክ ብናይ ሓሶት ስም ቆጸራ ኣብ ዝወሰደሉ ቦታ ተታሒዙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ነበርቲ ፓለርሞ፡ እቲ ናብ መኪና ፖሊስ ዘቕንዕ ዘሎ ሰብኣይ መን ምዃኑ ብርጉጽ ክፈልጡ ኣይምከኣሉን ነይሮም።

ደሓር ከኣ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ካብ ዝረአ 30 ዓመዎት ኮይኑዎ እዩ።

ልዕሊ ሚእቲ ኣባላት ዕጡቓት ሓይልታት ግን ኣብቲ ዕለት፡ ኣንጊሆም ኣብ ጸበብቲ ጎደናታት ፓለርሞ ተራእዮም ነይሮም።

ሰባት ድማ ከምኡ ዓይነት ምላሽ ከስዕብ ዝኽእል ኩነት፡ ሓደ ገበነኛ ጥራይ ምኳኑ እዮም ዝፈልጡ።

ማትዮ መሲና ደናሮ - "ሓለቓ ኣሕልቕቶት"፡  እቲ ናይ መወዳእታ ዝድለ ሰብ - ተታሒዙ ኣሎ።

ጣቕዒትን ዕልልታን ተሰምዐ።

ሓደ ሰብ ንሓደ ፖሊስ ብኢዱ ሰላምታ ኣቕረበሉ፤ ካልኦት ድማ ቀሪቦም ሐቖፍዎ፤ ገሊኦም ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ዝርውርው በለ። ኩሉ ሰብ ፍሽኽ ኢሉ ነበረ።

ማርያ ፋልኮነ፡ ንማዕከናት ዜና ኢጣልያ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሓዋ ነቲ ኵነት ተመሊሱ እንተዝርእዮ ተመነየት።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጸረ ማፍያ ዝኾነ ዳኛ ጆቫኒ ፋልኮነ፡ ኣብ 1992፡ ብመሲና ደናሮ ብዝምራሕ ኣብ ሲሲሊ ብዝመደበሩ ጉጅለ ማፍያ ኮስታ ኖስትራ እዩ ተቐቲሉ።

እዚ ድማ ኣብ መጀመርታ 1990ታት እቲ ንኢጣልያ ዘሳቐየ "እዋን ህልቂት" ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሐሉ ግዜ እዩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ዝተወደበ ገበን መሲና ደናሮ፡ ልዕሊ 20 ሰባት ክቐትል እንከሎ፡ እቲ መንግስቲ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ተሓባበርቲ ማፍያ ዘውጸኦ ተሪር  ማእሰርቲ ከላሕልሕ ንምግዳድ ዝዓለመ ኔሩ።

መሲና ደናሮ፡ ሓደ እዋን ብግዳያቱ "መካነ መቓብር ክመልእ" ከምዝኽእል ይምካሕ ከምዝነበረ ይንገር።

ኣብ 1993 ኣብ ምጭዋይን ምቕታልን ወዲ 11 ዓመት ጁሰፐ ዲ ማቴዮ- ወዲ ማፍዮሶ (ናብ መንግስታዊ ምስክር ዝተቐየረ ) ዓቢ ኣበርክቶ ነይርዎ።

እቲ ወዲ ቅድሚ ምቕታሉ ንኽልተ ዓመት ጅሆ ክተሓዝ እንከሎ፡ ምስተቐትለ፡ ስድራኡ ንኸይቀብሩዎ፡ ሬሳኡ ኣብ ኣሲድ ከምዝሓቕቅ ጌሮም።

መሲና ደናሮ፡ ንሓደ ተነሓናሒ ሓላፊ ማፍያን ነፍሰጾር ኣፍቃሪቱን እውን ክቕተሉ ኣዚዙ እዩ።

ንኽእሰር ካብ ቤትፍርዲ ትእዛዝ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኣብ ክረምቲ1993 ኣሰሩ ጠፊኡ። ካብ ቬንዙዌላ ክሳብ ሆላንድ ኣብ ኩሉ ቦታታት ተኣሊሹ ተቐቢጹ።

ኣብ መወዳእታ ግን፡ ኣብ ሕምብርቲ ሲሲሊ ኣብ ፓለርሞ እዩ ተታሒዙ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ፖሊስ፡ ኣብታ ካብ ፓለርሞ 115 ኪ.ሜ፡ ካብ ትውልዲ ዓዱ ካስተልቨትራኖ ድማ 10 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ብጸሓይ ዝረሰነት ቁሸት ‘ካምፖቤሎ ዲ ማዛራ’ ሰለስተ መሕብኢ ቦታታት ረኺቡ።

ጽምው ዝበለትን ንእሽቶን ካምፖቤሎ፡ ሓደሰብ ብቐሊሉ ክሕባኣሉ ዝኽእል ዓይነት ቦታ ኣይነበረን።

መሲና ደናሮ፡ ሂወት፡ ኣዝዩ ምስጢራዊ ብዝኾነን ካብ ሕጊ ወጻኢን ብዝኾነ መገዲ ክነብር ዝጸንሐ ኣይመስልን።

ስሩዕ ዓሚል ናይቲ ከባቢ ባር ሳን ቪቶ እዩ ነይሩ፤ ሓደ ጎረቤቱ፡ ብተደጋጋሚ ሰላምታ ከምዝተለዋወጡ ገሊጹ።

ምስቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝጸንሐ ተደላዪ ምስሊ ግን ኣዝዩ ዝጋጮ እዩ።

ኢጣልያ ኣብ ጸረ-ማፍያ ስርሒታታ ብዙሕ ጸጋታት እያ ተወፍር - ጉዳይ መሲና ደናሮ ግን፡ ተማእዛዚ ባህሊ ስቕታ፡ ነቲ እቲ መንግስቲ ኣንጻር ዝተወደበ ገበን ኣብ ዝገብሮ ወፍሪ ሓጓፍ ክፈጥር ከምዝኽእል ዘመላኽት እዩ።

ኣብ 1993 ኣብ ፍሎረንስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ሓደ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን፡ ጓል ትሽዓተ ዓመትን ወለዶምን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መሲና ደናሮ ከመይ ተታሒዙ

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉይስ ሮማ፡ ጠበቓ ገበናትን ፕሮፌሰር ሕግን ማውሪዝዮ ቤላኮሳ፡ መሲና ደናሮ ንከይፍለጥ "ባህሊ ማፍያ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተጠቐመ" ገሊጹ።

ፕሮፌሰር ቤላኮሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብቲ ግዝኣት ዘሎ ብዝሒ ማፍያ፡ እቲ ማሕበረሰብ ምስ መርመርቲ ዳርጋ ዘይተሓባበር ምዃኑን፡ ሱር ዝሰደደ ባህሊ ስቕታን፡ ብፍላይ ኣብተን መንግስቲ ዳርጋ ከምዘየለ ዝጥቀሰለን ንኣሽቱ ከተማታትን ገጠራትን" ባህሊ ማፍያ ምስ ካልእ ነገራት ከምእተጠናነገ ይገልጽ።

ከንቲባ ከተማ ካምፖቤሎ ጁሰፐ ካስቲግሊዮነ ንማዕከናት ዜና ኢጣልያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "መሲና ደናሮ እንተወሓደ ንሓደ ዓመት ኣብ መንጎና ነይሩ ብዝብል ሓሳብ ኣዝየ ሓዚነ - ምኽንያቱ ሕጂ ነበርቲ እዛ ከተማ ርእሶም ኣብ ሑጻ ካብ ምቕባር ክተሓባበሩ መሪጾም ኣለው" ኢሉ።

ይኹን እምበር ‘ስቕታ’ ኩሉግዜ ፍቓደኛነት ማለት ኣይኰነን።

መሓውር ማፍያ ኣብ ሕብረተሰብ ሲሲሊ ኣዕሚቑ'ዩ ዝዝርጋሕ። ፍርሕን እቲ ናይ ቀደም ባህሊ ስቕታን ክሳብ ሕጂ ሱር ዝሰደዱ እዮም።

"ብቅዲ ማፍያ ዝስራሕ ውዳበ ብኣዝዩ ቀሊል መንገዲ እዩ ዝሰርሕ፡ ዓመጽን ምፍርራሕን ኣብቶም ኣብዚ ዝሳተፉ ሰባት ናይ ምግዛእ ኩነታት የለዓዕል እዩ" ይብል ሚስተር ቤላኮሳ።

"ብመሰረቱ ማፍያ ዕላማታቱ ንምዕዋት ፍርሒ እዩ ዝጥቀም።"

ፖሊስ፡ ድሕሪ እቲ ማእሰርቲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዓቃቢ ሕጊ ፓለርሞ፡ ማውሪዝዮ ደ ሉቺያ፡ መሲና ደናሮ ብ "ቡርጅዋታት ማፍዮሶ" ይሕገዝ ኔሩ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ- ፖለቲከኛታትን ሰብ ሞያን ብምጥቃስ።

እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስ መሲና ደናሮ ቅርበት ነይሩዎም ተባሂሎም ዝተኣስሩ እንትረአ ንዕኡ ዘረጋግጽ እዩ።

ኣብ ፓለርሞ ዝመደበሩ ጋዜጠኛ ቱሊዮ ፊሊፖኒ ነዚ ከብርህ ከሎ፡ እዚኦም "ምስ ማፍያ ክነብሩን ክተሓባበሩን ዝፈቐዱ፡ ተሓባበርቲ ማፍያ ሕክምናዊ መርመራታትን ምሕደራ ንብረትን ኣብ ዘድልዮም እዋን ዓይኖም ዓሚቶም ዝተሓባበሩ" ውልቀሰባት ምዃኖም ገሊጹ።

እዚ ናይ ውሽጢ ዓዲ መርበብ፡ ነቲ ኣባል ማፍያ ገንዘቡ ኣብ ምስግጋር ይተሓጋገዞ ምንባሩ ዝገልጽ ፊሊፖኒ፡ እዚ ባህሊ ክውገድ ከምዘለዎ የረድእ።

"ኩሉ ነባሪ ሲሲሊያ፡ እቲ ማፍያ ከምዘሎ [ከምኡ'ውን] ንሕብረተሰብ ናይ ምጽላውን ነቲ ግዝኣት  ብመርበብ ናይ ምቁጽጻርን ሓይሊ ከምዘለዎ ይፈልጥ'ዩ።"

መሲና ደናሮ፡ ናይ ጡረታ ህይወት ድዩ ይመርሕ ነይሩ፡ ወይስ ገና ኣብ ገበናዊ ስራሓት ይነጥፍ ነይሩ ንጹር ኣይኮነን።

ዋላእኳ ኣብ መካይን ቦምባ ናይ ምፍንጃርን ጽዩፍ ዓመጽን ዓመታት እንተሓለፈ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ማፍያ ናብ ስውር- ብዘየማትእ መንገዲ ዝያዳ ናብ ተንኮለኛ ውድብ ከምዝተቐየረ መብዛሕትኦም ክኢላታት ይሰማምዑ።

ምትላል፡ ምፍርራሕን ምጭብርባርን ሕዚ'ውን ኣሎ።

በዚ መንጽር እዚ፡ ንግሆ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ሃንደበታዊ ጣቕዒት ብብዙሓት ከም ዘይተለምደ ምልክት ለውጢ ተገይሩ ተራእዩ።

ሓፍቲ ናይቲ ዝተቐትለ ዳኛ ሚስ ፋልኮነ፡ "ኩሉ ሰብ ከመይ ጌሩ ይሕጎስ ከም ዝነበረ - ኣብ ጽርግያ፡ ኣብ መንጎ ኣውቶቡሳት፡ ሰባት ንፖሊስ ምስ ጥይቶም እንከለዉ ሓቚፎሞም። ብሓፈሻ ንሕብረተሰብ ኢጣልያ ገዚፍ ዓወት'ዩ" ኢላ።

ፖሊስ ኣብ ጥቓ ሓደ ካብቶም ሰለስተ መሕብኢ መሲና ደናሮ ኣብ ካምፖቤሎ ሓለዋ ደው ኢሎም

ምንጪ ስእሊ, EPA

ለውጢ ክመጽእ ከም ዝኽእል ዝሕብሩ ካልኦት ምልክታት እውን ኣለዉ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ "ካስተልቨትራኖ ናትና እምበር ናትካ ኣይኮነን" እናበሉ ናብ ጎደናታት እታ ከተማ ወጺኦም ነይሮም።

ሓደ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ንጋዜጣ 'ኢጣልያ ላ ሪፓብሊካ' ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሰባት ንፖሊስ ከጣቕዑ ምስ ረኣኹ ብስምዒት ተንቀጥቂጠ። እዚ፡ እዛ ከተማ ብማፍያ ክትጽዋዕ ከምዘይትደሊ መርትዖ'ዩ" ኢሉ።

ካልእ ተማሃራይ ድማ "ተታሒዙ ምስ ሰማዕኩ ሓበን ተሰሚዑኒ" ኢሉ።

እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ግና ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ሚስተር ፊሊፖኒ ኣብቲ ኣብ 1990ታት ኣብ ሲሲሊ ንዝነበረ ቕትለት ዝረኣይዎ ኣብ 60ታት ዕድመ ዝርከቡ ከምዝነበሩ እንተኾነ ግና ንሜሲና ደናሮ ከምዝተኸላኸሉን ጸገም ምህላው ድማ ዳርጋ ከምዝኸሓዱን ገሊጹ።

ሚስተር ፊሊፖኒ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ብቲቪ ኢጣልያ ንዝተመሓላለፈ ተኸታታሊ ቃለ መሕትት ምስ ኣረጋውያን ነበርቲ ካስተልቨትራኖ እዩ ዝጠቅስ ነይሩ።

ሓደ ሰብኣይ ንተግባራት መሲና ደናሮ ኣይፈርድን ይብል፤ ካልእ ሓደ ነባሪ ድማ ነቲ ዕሱብ ምእሳር ጌጋ ምንባሩ ይዛረብ።

"መንእሰያት ግን... ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣገዳሲ ህሞት ሓጎሶም ንምግላጽ ናብ ጎደናታት ወጺኦም። እዚ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ወለዶታት ዘሎ ንጽጽር ዘጉልሕ'ዩ፡ ነገራት ድማ በብቑሩብ ይቕየሩ ከምዘለዉ'ዩ ዘርኢ" ክብል ሚስተር ፊሊፖኒ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካልእ እነተተረፈ ግና፡ ማእሰርቲ መሲና ደናሮ ኣዝዩ ዓቢ ትርጉም ኣለዎ - ዋላ "ሓደ መልክዕ ሓርነት" እውን ክኸውን ከምዝኽእል ሚስተር ፊሊፖኒ ይገልጽ።

"እቶም ኩሎም ዘጣቕዑ ሰባት ብሓቂ ንታሪኽ ሲሲሊን እታ ሃገርን እንታይ ከም ዝውክል ዘርእዩ እዮም፡ መወዳእታ ሓደ ዘመን፡ 'ካታርሲስ'።"