ኣብ ዶብ ሩስያ ዘጋጠመ ነትጒ ኣብ ባቡር ጽዕነት ጉድኣት ኣስዒቡ

Published

ብሰኑይ ኣብ ዶባዊ ዞባ ሩስያ ብራያንስክ ብዘጋጠመ ነትጒ፡ ሓንቲ ናይ ጽዕነት ባቡር መንገዳ ከም ዝሰሓተት ሰብመዚ ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ኣሌክሳንደር ቦጎማዝ ኣብ መስመር ባቡር ብራያንስክ-ኡነቻ ሓደ ነታጒ ከም ዝተፈንጀረ ገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ብኣቆጻጽራ ሞስኮ ሰዓት 10፡17 ዘጋጠመ ፍጻመ፡ እታ ባቡር ብሓዊ ከም ዝተቓጸለትን ሸውዓተ ሰረገላታት ጽዕነት ካብ ሓዲድ ከም ዝወጸን መንገዲታት ባቡር ሩስያ ሓቢሩ።

እቲ ዞባ ምስ ዩክረይንን ቤላሩስን ዝዳወብ ኰይኑ ሩስያ ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር ናይ ሸርሒ ተግባራት ክፍጸመሉ ጸኒሑ እዩ።

እታ ባቡር ፍርያት ነዳድን ኣእዋም ዓንደ-ገመልን ዝጸዓነት ከም ዝነበረት ይግለጽ፤ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ግን የለን።

ኣመሓዳሪ ቦጎማዝ ኣብ ተሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ኣብ መስመር ባቡር ብራያንስክ-ኡነቻ ኣብ ዝርከብ ኣብ 136 ኪሎ ሜተር እንታይ ምዃኑ ዘይተፈልጠ ነታጒ ተፈንጂሩ፡ ንሓንቲ ናይ ጽዕነት ባቡር ካብ መንገዳ ክትወጽእ ገይሩ" ኢሉ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ምስልታት፡ ሰረገላታት ባቡር ተገምጢለን ብርቱዕ ትኪ ክተክኽ የርኢ።

ሚስተር ቦጎማዝ ብቐዳም፡ ዩክረይን ኣብታ ካብ ዶብ ሩስያ ንሰሜን ኣስታት 12 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ቁሸት ሱዘምካ ደብዳብ ድሕሪ ምፍጻማ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ሩስያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ቅድሚ ወጋሕታ ኣብ ዘካየደቶ ካልኣይ መጥቃዕቲ ኣብ መላእ ዩክረይን ሚሳይላት ተኲሳ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ማእከላይ ከተማ ድኒፕሮ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሎጂስቲክስ ፓቭሎህራድ ሰፊሕ ዕንወት ኣውሪዱ’ዩ።

በቲ መጥቃዕቲ ብርክት ዝበለ ኣባይቲ ዓንዩ፡ 34 ሰባት ድማ ቆሲሎም።

ሰራዊት ዩክረይን ካብቶም ዝተተኮሱ 18 ክሩዝ ሚሳይላት 15 ከም ዘውደቐ ይገልጽ።