ኢትዮጵያ ተጨውዮም ዝነበሩ ወተሃደራት ጅቡቲ ነፃ ኣውጺኣ

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዋና ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ፍስሃ ሻወል

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF FOREIGN AFFAIRS OF ETHIOPIA

Published

ኢትዮጵያ ብዕጡቓት ተታሒዞም ዝነበሩ ሽዱሽተ ወተሃደራት ጅቡቲ ነፃ ኣውጺኣ ናብ ሃገሮም ከም ዘፋነወት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ 'ታ ሃገር ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ረቡዕ 12 ታሕሳስ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ወተሃደራት ‘ፍሩድ’ (ግንባር ምምላስ ሓድነትን ዲሞክራስን) ብዝበሃሉ ዕጡቓት ጅቡቲ ከምዝተጨውዩ ሓቢሩ።

እቶም ወተሃደራት፡ ብዝተዋደደ ናይ ስለያን ፖሊስን ስርሒት ካብ ዕጡቓት ሓራ ክወጽኡ ከም ዝተገብረ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዋና ዳይረክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ፍስሃ ሻውል ኣረዲኡ።

መራሕቲ ማሕበረሰብን ምምሕዳር ክልል ዓፋርን ኣብቲ መስርሕ ምውፃእ ወተሃደራት ዓቢይ ግደ ከምዝነበሮም'ኳ እንተተገለጸ፡ እቶም ወተሃደራት ኣበይ ከምዝተታሕዙ ግን ኣይተነፀረን።

እቶም ካብ ዝዓገትዎም ዕጡቓት ነፃ ወጺኦም ዝተበሃሉ ወተሃደራት ንመንግስቲ ጅቡቲ ከምዝተረከቡ ኣምባሳደር ፍስሃ ሓቢሩ’ሎ።

ዕጡቕ ጕጅለ ‘ፍሩድ’ ብ26 መስከረም 2015 ኣብ ጅቡቲ ዞባ ታድጆራ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ጋራብቲሳ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ነቶም ወተሃደራት ከምዝጨወዮም ይግለፅ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ጅቡቲ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ጋራብቲሳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 7 ወተሃደራት ከምዝተቐትሉን "ሽበራዊ ጕጅለ" ፍሩድ ሓላፍነት ከምዝወስድን ከምዘፍለጠ ይዝከር።

ብዘይካ'ቶም ዝሞቱ ካልኦት ኣርባዕተ ወተሃደራት ክቘስሉ ከለዉ ሽዱሽተ ድማ ደሃዮም ተሳኢኑ’ሎ።

ጕጅለ ዕጡቓት ፍሩድ ብወገኑ፡ ነቲ ብሰራዊት ጅቡቲ ዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ይሕብር።

ፍሩድ፡ ዕጡቓቱ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ብምቍጽጻር ኣጽዋርን ተተኮስትን ከምዝወሰዱ'ኳ እንተገለጸ፡ ሰበስልጣን ጅቡቲ ግን ነዚ ቅቡል ኣይገበሩን።

ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድማ ፓርላማ ጅቡቲ ነቲ ጕጅለ ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ መዲብዎ’ሎ።

ዓለምለኻውያ ትካላትን ትካል ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)ን ካልኦት መሻርኽቲ እታ ሃገርን፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ጅቡቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ኰኒኖም ኣለዉ።

ጕጅለ ፍሩድ መን’ዩ?

ኣብ 1991 ዝተመስረተ ፍሩድ፡ ህዝቢ ዓፋር ብመንግስቲ ጅቡቲ ተገሊሉ ኣሎ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ከምዝተበገሰ ይዝረብ።

ድሕሪ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ድማ ኣብ 2001 ምስ መንግስቲ ስምምዕ ሰላም ፈሪሙ።

እንተዀነ ወተሃደራዊ ክንፊ እቲ ዕጡቕ ነቲ ስምምዕ ብምንጻግን ዕጥቃዊ ቃልሲ ክንቅጽል ኢና ብምባልን ክንቀሳቐስ ጀሚሩ። ንነዊሕ እዋን ዝዀነ ርኡይ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከይወሰደ ምጽንሑ ድማ ይገልጽ።