ፑቲን ንዩክረይን ብ'ግብረ ራዕዲ' ከሲሱ

እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብቲ ብሕታዊ ሩስያ ምስ ክሬሚያ ዘራኽብ ድልድል እዩ ኣጋጢሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንሩስያ ምስታ ዝጐበጠታ ክሬሚያ ዘራኽብ እንኮ ድልድል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ተግባር ግብረ ራዕዲ" ብምባል ንዩክረይን ከሲሱ።

ወሲኹ፡ ሓይልታት ስለያ ዩክረይን፡ ነቲ ኣገዳሲ ሲቪላዊ ትሕተ ቕርጺ ሩስያ ንምዕናው ዒላማ ገይሮም ኢሉ።

ንሱ፡ ምስ ሓላፊ ኮሚቴ መርመራ ሩስያ ኣሌክሳንደር ባስተርኪን ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ እቲ ድልድል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተዛሪቡ።

እቶም ግዳያት፡ ኣብ ጥቓ እታ ነቲ ባርዕ ሓዊ ዘልዓለት ናይ ጽዕነት መኪና ዝነበሩ'ዮም ክብሉ ሰብ መዚ ሩስያ ተዛሪቦም።

ፑቲን፡ "እዚ፡ ኰነ ተባሂሉ ኣገዳሲ ስቪላዊ ትሕተ ቕርጺ ሩስያ ንምዕናው ዝዓለመ ተግባር ግብረ ራዕዲ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ሃንደስቱ፣ ፈጸምቱን ተረባሕቱን ክኣ ኣገልግሎት ጸጥታ ዩክሬይን'ዮም" ብምባል ተዛሪቡ።

ኣሌክሳንደር ባስተርኪን ብወገኑ፡ ዜጋታት ሩስያን ገለ ሃገራት ወጻእን ምስቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ተሓባቢሮም'ዮም ኢሉ።

ንሱ ከም ዝበሎ እንተዀይኑ፡ እታ ዝተፈንጀረት ናይ ጽዕነት መኪና ብቡልጋሪያ፣ ጆርጅያ፣ ኣርሜኒያ፣ ሰሜን ኦሰትያን ግዝኣት ክራስኖዳርን ከም ዝተጉዓዘት መርመርቲ ገሊጾም ኣለው።

ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሓደጋ መርመራ ክካየድ ኣዚዙ ኣሎ።

ሰብ መዚ ዩክረይን፡ ክሳብ ሕጂ ሓይልታቶም ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ምህላዎም ኣይገለጹን።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ ሚካሄሎ ፖዶልያክ ግን ንኽሲ ፑቲን ነጺጉዎ።

"ኣብዚ ሓደ ኣሸባሪ መንግስቲ'ዩ ዘሎ፤ ዓለም ክኣ መን ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ኢሉ።

ብቐዳም ዜለንስኪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሎሚ ሕማቕ መዓልቲ ኣይነበረን፤ ኣብ ግዝኣትና ጸሓይ ነይራ'ያ። ኣብ ክሬሚያ ግን ደቢኑ ነይሩ" ክብል ተዛሪቡ'ዩ።

ሰብ መዚ ሩስያ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ንገለ ክፋል እቲ ድልድል ንከፊላዊ ኣገልግሎት ከፊቶምዎ። እቲ ታንከራት ነዳዲ ብባርዕ ሓዊ ዝነደዱሉ መገዲ ባቡር ክፋል እቲ ድልድል'ውን ተኸፊቱ።

እዚ 19 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ድልድል፡ ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ኰይኑ፡ እቶም ኣብ ዩክረይን ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ሩስያ ዝመሓላለፍሉ ቀንዱ መገዲ እዩ።

ሩስያ እቲ ድልድል ኣጽዋራትን ወተሃደራትን ካብ ሩስያ ኣብ ደቡብ ዩክረይን ናብ ዝርከቡ ዓውደ ውግኣት ኣጓዓዒዛትሉ እያ።

እዚ፡ ሩስያ ንክረሚያ ምስ ጐበጠታ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ 2018 ፕሬዝደንት ፑቲን መሪቑ ዝኸፈቶ ድልድል እዩ።