ሩስያን ክሪሚያን ዘራኽብ ብሕታዊ ድልድል ከቢድ ባርዕ ተላዒልዎ

ድልድል ክሪምያ

ምንጪ ስእሊ, MYKHAYLO PODOLYAK

Published

ኣብ መንጎ እታ ዝተጎበጠት ሓውሲ ደሴት ክሪሚያን ሩስያን ኣብ እትርከብ እንኮ መሳገሪ ዘጋጠመ ዓብዪ ባርዕ ብሰንኪ ምፍንጃር ናይ ጽዕነት መኪና ከምዝኾነ ሰበስልጣን ሩስያ ገሊጾም።

ኣብ ጽርግያ ዘጋጠመ ፍንጀራ፡ ናብቲ ኣብ ክፍሊ ባቡር ዝነበራ ፍስቶታት ነዳዲ ተላቢዑ።

ሕጂ ድልድል ኬርች ተጠቒማ ወተሃደራዊ ናውቲ ናብ ዩክሬን ተግዕዝ ዘላ ክሪሚያ፡ ኣብ 2014 እያ ብሩስያ ተጎቢጣ።

ወግዓዊ ትዊተር ኣካውንት መንግስቲ ዩክሬን ነቲ ባርዕ "ዘይተለምደ" ኢልዎ’ሎ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩክሬን ሚካይሎ ፖዶልያክ፡ ነቲ ዕንወት "ናይ መጀመርታ" ዝበሎ ዀይኑ፡ ብቐጥታ ግን ዩክሬን ሓላፍነት ከምትወስድ ኣይገለጸን።

ንሱ፡ "ኩሉ ዘይሕጋዊ ነገር ክጠፍእ ኣለዎ፡ ዝተሰርቀ ኩሉ ናብ ዩክሬን ክምለስ ኣለዎ፡ ኩሉ ብሩስያ ዝተጎበጠ ክምለስ ኣለዎ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ሃገራዊ ኮሚቴ ጸረ-ሽበራ ሩስያ፡ "ሎሚ 03፡07፡ ኣብ ጎኒ ሓውሲ ደሴት ታማን ኣብ ዝርከብ መገዲ ድልድል ክሪሚያ፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ፍንጀራ ኣጋጢሙ ናብ ሓውሲ ደሴት ክሪሚያ እትኸይድ ዝነበረት ባቡር ዝጸዓነቶ ሸውዓተ ፊስቶ ነዳዲ ኣባሪዑ። ክልተ ክፍልታት ናይቲ ድልድል ብኽፋል ፈሪሶም" ኢሉ።

ኣፈኛ ባይቶ ክሪሚያ ቭላድሚር ኮንታንቲኖቭ፡ ነቲ ምፍንጃር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ዩክሬናውያን ኣዕነውቲ፡ ኣብ መወዳእታ ደማዊ ኣእዳዎም ናብ ድልድል ክሪሚያ ዘርጊሖም" ክብል ወቒሱ።

ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ድልድል ዝወረደ ዕንወት "ከቢድ ስለዘይኮነ፡ ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለስ እዩ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ድልድል ዘጋጠመ፡ መንግስታዊ መርመራ ክካየድ ከምዝኣዘዘን ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ንማዕከን ዜና ኢንተርፋክስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ሓቢሩ።

እቲ 19 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ንመጻብቦ ኬርች ዝሰግር ድልድል፡ ሞስኮ ንክሪሚያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ድሕሪ ምጉባጣ ኣብ 2018 ብፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝተኸፍተ እዩ።

ነቶም ንሎጂስቲክ ሩስያ ከጥቅዑ ዝጸንሑ ሓይልታት ዩክሬን ቁልፊ ዒላማ ከምዝኾነ ይግለጽ።

እቲ መሳገሪ ካብቲ ዩክሬን ትቆጻጸሮ መሬት ልዕሊ 160 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ይርከብ።

ሓደ ክኢላ ነታጒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ባርዕ ብሰንኪ ሚሳይል ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ ኢሉ።

"ኣብ ልዕሊ ጽርግያ ርኡይ ዝኾነ ናይ ምፍንጃር ዕንወት ዘይምህላዉ፡ ብኣየር ዝመጸ ኣጽዋር ኣብ ጥቕሚ ከምዘይወዓለ ዘመልክት'ዩ" ኢሉ።

ንሱ፡ "ካብ ታሕቲ ብጽቡቕ ዝተወጠነ መጥቃዕቲ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል።

እቲ ምፍንጃር፡ ኮድ ብዘለዎ ሬድዮ ብሓንሳብ ዝተኣዘዘ ከምዝኸውን ጥርጣረ ከምዘለዎ ወሲኹ ይገልጽ።